ኮቪድ-19፡ ስርዓት ጥዕና ከተማታት ብራዚል ንሓደጋ ከምዝተሳጠሐ ሰብ ሞያ ኣጠንቂቖም

ተሓካሚ ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ስርዓት ጥዕና ዓበይቲ ከተማታት ብራዚል ብምኽንያት ለበዳ ኮሮረናቫይረስ ክወድቕ ቀሪቡ ከምዘሎ መሪሕ ትካል ጥዕና እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

ፊዮክሩዝ ዝበሃል ትካል ከምዝሓበሮ፡ ካብ 27 ግዝኣታት ኣብ ርእሰ ከተማታት እተን 25 ልዕሊ 80 ምኢታዊት መደቀሲ ክፍሊታት ጽኑዕ ሕክምና ብሕሙማት ተታሒዞም እዮም።

ኣብ ብራዚል ይጋፋሕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮረናቫይረስ እውን ነቲ ዞባ ብሓፈሻ ኣስጋኢ ከምዝኾነ ሰብሞያ ሓቢሮም።

እቲ ለበዳ ካብ ዝለዓል ናብዚ ኣብታ ሃገር፡ 11 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ ልዕሊ 266 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ብብዝሒ እቲ ቫይረስ ዘስዓቦ ሞት ካልኣይቲ ዝኾነት ብራዚል፡ በብዝሒ መልክፍቲ ካብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኮይኑ ግና ፕረዚደንት እታ ሃገር ጃየር ቦልሶናሮ፡ ከም ዕጽዋ ዝኣመሰሉ መከላኸሊ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ምኽሪ ሰብሞያን ብቐጻሊ ክቃወም ጸኒሑ እዩ።

ኩነታት እቲ ለበዳ ኣብ ብራዚል

ብራዚል፡ ትማሊ ሰሉስ ዝለዓለ ዝተብሃለሉ መጠን 1 972 መዝጊባ ኣላ።

ከተማታት ሪዮ ዲ ጀኔሮ፣ ብራዚልያን ሓዊሱ ኣብ ርእሰ ከተማታት 15 ግዝኣታት ዝርከቡ ማእከላት መሐከሚ ጽኑዕ ሕሙማት ልዕሊ 90 ምኢታዊት ተታሒዞም ከምዘለዉ ፊዮክሩዝ ገሊጹ።

ከተማታት ፖርቶ ኣሌግረን ካምፖ ግራንደን ድማ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ኮይኑወን ኣሎ።

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፡ እቲ መረዳእታ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከምዝኾነን ስርዓተ ጥዕና ክወድቕ ከምዝኽእልን ኣመልኪቱ።

መካላኸሊ ዝለበሱ ሰራሕተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2020 ኣንጻር ኮቪድ ዝተገበረ ቃልሲ ከምዘይተዓወተ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ዝተረፈ ተስፋ ብብዝሒ ሰባት ክኽተቡ ምግባር ወይ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ለበዳ መሰረታዊ ለውጢ ምምጻእ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሰሉስ ድማ ልዕሊ 70 ሽሕ መልከፍቲ ዝመዝገበት ኮይና፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 38 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ሓደ መራኸቢ ማዕከን እታ ሃገር ገሊጹ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ብራዚል ዘሎ ኩነታት "ኣዐርዩ ኣሻቓሊ" ክብል ዝገለጾ ኮይኑ ናብቲ ዞባ ክጋፋሕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ኣጠንቂቑ።

ብራዚል ልዕሊ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ኣስትራ ዘኔካን ቻይና ዝሰርሐቶ ሲኖቫክን ዝኣዘዘት ኮይና፡ ዛጊድ ልዕሊ 8 ሚልዮን ሰባት ቀዳማይ ዙር ክታበት ወሲዶም ኣለዉ። እዚ ድማ ካብ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 4 ምኢታዊት ጥራሕ እዩ።