ፕረዚደንት ብራዚል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ብቤትፍርዲ ተኣዚዙ

ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ

ፕረዚደንት ብራዚል ጃየር ቦልሶናሮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ብቤት ፍርዲ ተኣዚዙ።

እቲ የማናዊ ፕረዚደንት፡ ንሓደጋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ቀሊል ሰዓል'ዩ" ብምባል ከነኣእስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታት ክስዕልን ክንፍጥን ምስተራእየ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ብራዚል ብቑጽሪ ሞት ልዕሊ 51 ሽሕ ሰባት ኣብ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ከኣ ተለኺፎም ኣለዉ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት ብዘይመሸፈኒ ክሳተፍን፡ ንደገፍቱ ብኢዱ ሰላም ክብልን ይረአ።

ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ ኣንጻር ዕጽዋን ካልኦት ከዳታትን ንምቅዋም ኣብ ዝተወደቡ ሰላማዊ ሰልፍታት ይሳተፍ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ይውስኽ ዘሎ ዝርገሐ እቲ ሕማምን ዝሰዓበ ሞትን፡ ተሓታቲ ተገይሩ ክንቀፍን ክውቀስን ጸኒሑ'ሎ።

ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ

ሕዚ ግን፡ ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቦታታትን መድረኻትን እንትርከብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ዳኛ ርእሰከተማ ብረሲልያ ኣዚዝዎ ኣሎ።

ብራዚል፡ ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ኣብ ዓለም ብዝሒ ሰባት ዝተለኸፍላን ብዝሒ ሞት ዝተመዝገበላን ሃገር ኮይና ዘላ።

ብፍላይ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እናሰዓለን እናሀንጠሰን ጸኒሑ፡ ከይተሓጸበ ንሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ብኢዱ ክጭብጠን ምስተራእየ ከቢድ ነቐፌታ ኣስዒቡለ'ዩ።

ኣማሓዳሪ እታ ርእሰ ከተማ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ዕጽዋ ኣዊጁ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ተሪሩ፡ ንዕኡ ጥሒሶም ዝተረኸቡ ድማ መዓልታዊ ኣስታት 400 ዶላር ክቕጽዑ ኣዚዙ።

ኣዋጅ ዕጽዋ ዝገደደ ቁጠባዊ ደድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ ኢሉ ክቃወም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ብሰንኪ መርገጺኡ ምስ ገለ ኣመሓደርትን ኣካላት መንግስቲን ክሰሓሓብ ጸኒሑ እዩ።