ፕረዚደንት ብራዚል ጃየር ቦልሶናሮ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ሃገረ ብራዚል ጃየር ቦልሶናሮ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ተረጋጊጹ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ረስኒ ዝተሓወሶ ምልክታት ድሕሪ ምርኣዩ፡ ንራብዓይ ግዚኡ ኣብ ዝገበሮ መርመራ’ዩ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ።
እቲ የማናዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ፕረዚደንት፡ ንሓደጋ ናይቲ ለበዳ ብምንእኣስ “ንእሽቶ ሰዓል’ያ” ክብሎ’ዩ ጸኒሑ።
ኣብታ ሃገር ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ’ውን፡ ኣንጻር ናይቲ ኣዋጅ ኣብ ጎደናታት ተቓውምኡ ክገልጽ ተሰሚዑ ነይሩ።
እቲ ዕጽዋ፡ ንቁጠባ’ታ ሃገር ዝሃሲ’ዩ ብምባል’ውን፡ ንማሓደርቲ ዞባታት ብራዚል ነቲ ዕጽዋን እገዳታትን ከፍኩስዎ ክጽውዕ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ንሱ'ውን በቲ ቫይረስ እንተዝተሓዝ “ዝስምዓኒ ነገር ስለዘይህሉ፡ ዘጭንቕ የብለይን፡ ከምዛ ንእሽቶ ሰዓል ወይ ጉንፋዕ እያ ክትከውን” ክብል ምዝራቡ ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡሉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝሞቱ ትሕቲ 3000፡ ዝተለኽፉ ድማ ኣስታት 40 000 በጺሑ ነይሩ።
ካብኡ ንደሓር ግን፡ እቲ ቁጽሪ ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ። ዛጊት ልዕሊ 65 000 ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ድማ ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብራዚል፡ ድሕሪ ኣመሪካ፡ እታ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ቁጽሪ ግዳያት ምስ ወሰኸ’ውን ቃናኡ ኣይለወጠን፡ እቲ ዕጽዋ ልዕሊ’ቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ሃስያ ከውርድ ስለዝኽእል ክፈኩስ ኣለዎ ክብል ጸኒሑ’ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







