እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተቓውሞታት ኣካይዶም
ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሓዲግ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ይነፍገና ኣሎ ክብሉ ተቓውሞታት ኣስሚዖም።
እቶም ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከይከዱ፡ ሕቶታቶም ይንጸግ ምህላውን እቲ ትካል ናይ መነባብሮ ደገፍ ይገብረሎም ከምዘየሎ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ስደተኛታት ካብ 3 ክሳብ 4 ዓመታት ኣብታ ሃገር ክጽበዩ ከም ዝጸንሑ ይዛረቡ።
ቢቢሲ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ትካል ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርታት ኣይሰመረን። ቅድሚ ሕጂ ግን፡ ናብ ሰልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋር ጉዳይ ኣብ ድሌት ተቐበልቲ ሃገራት ዝምርኮስ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
"ምስዚ ህሉው ናይ ኮሮና ኩነታት ሰልፊ ምክያድ ወቕቱ ኣይኮነን። ንዓና ግን ኩሉ ኮሮና ስለዝኾነና፡ ዓለም ድምጽና ክትሰምዓና ክትክእል ኣለዋ" ክብል ኣለም ዝተባህለ ስደተኛ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ግዱሳት አሕዋት፡ ድምጽና ሰሚዖም፡ ናብቲ [ዝምልከተን] ሃገራትን ትካላትን ከብጽሑልና እዩ ዕላማና" ይብል።
እቶም ሎሚ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ናይቲ ትካል ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ስደተኛታት፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ፡ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸንሐት ሊብያ ሓዲግ ዝተረፉ'ዮም።
ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መዳጎኒታት ዝተሓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ መሰላትን፡ ክፉእ ኣተሓሕዛ የጋጥሞም ምንባሩ ይዝከር።
ቀንዲ ተቐናቐንቲ ወገናት ናይታ ሃገር፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ንምዕራፍ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቶም ይፍለጥ።
ሕማቕ መነባብሮ ከምዘለዎም ዝዛረብ ማዕበል፡ እቲ ስደተኛ ድራር ዕለቱ ንምምእራርን መጽለሊ ንምርካብን "ኣብዚ ከተማ ሰብ ፋሕ ኢሉ'ዩ ዝነበር፡ ሓጋዚ የብሉን" ኢሉ።
"መሰልና ይተሓሎ"፡ "ምንጻግ ዕቑባ ደው ይበል"፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር መንገዲ ይከፈት ዝብሉ ዝርከብዎም 8 ጠለባት ናብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ኣቕሪቦም።
"እቲ ናትና ሓይሊ ዝኾነ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ዛሕሊታት ስለዘርኣየ፡ ድምጺ የብልናን። ድምጺ እንተልዩዎ ኩሉ ግዜ ሓይሊ ኣለካ። ባሕሪ [ምስጋር] የለን፡ መንገዲ [ሳልሳይ ሃገር] የለን" ብምባል ኣብ ሓዲግ ከምዝተረፉ ይዛረብ።
ኩሎም ሕቶታቶም ብቑልጡፍ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ዝእመን ማዕበል፡ እቲ "ምንጻግ ሕጂ ደው ከብልዎ ይኽእሉ'ዮም" ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኤርትራዊ ስደተኛ ብወገኑ፡ ቃለ መሕትት ምስ ተገብረሎም ንኣስታት ክልተ ዓመት ክጽበዩ ከምዝግደዱ ይዛረብ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብውሕዱ 41 ሰባት ከምዝጠሓሉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ 180 በቲ መስመር ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ናይቲ ትካል የረድኡ።
ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣስታት 2000 ስደተኛታት ኣብቲ ባሕሪ ጠፊኦም ኣለዉ። ካብ 2011 ጀሚሩ'ውን ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብቲ ባሕሪ ግዳይ ውሕስነት ዘይብለን ጃላቡ ምዃኖም ይዝከር።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ይግለጽ።ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተቓውሞታት ኣካይዶም