ኮቪድ-19፡ ሓንሳብ ጥራሕ ዝወሃብ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ውሑስ'ዩ ተባሂሉ

ምቁጽጻር መድሃኒታት ኣመሪካ ብጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብዓይነት መርፍእ ሓንሳብ ዝውሃብንን ኣዝዩ ውሑስን ኮይኑ ከም ዝረኸቦን ገሊጹ።

በዚ መሰረት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ ክውሃብ ፍቃድ እንተረኺቡ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጥቅሚ ዝውዕል ሳልሳይ ክታበት ክኸውን እዩ።

ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ምስ ፋይዘርን ሞደርናን ብምንጽጻር ብዋጋ ኣዝዩ ዝተሓተ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ብርቱዕ ዛሕሊ ኣብ ፍሪጅ'ውን ክዕቀብ ዝኽእል እዩ።

ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ውጽኢት ፈተንኡ ከም ዘውጽአ ዝዝከር እዩ።

እዚ ብሃገረ ቤልጂም ዝውነን ትካል ነቲ ኣብ ፈተነ ዝረኸቦ ውጽኢት ተሞርኪሱ ኣብ ብዙሓት ሕማማት ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ክታበት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ምቁጽጻር መድሃኒት ኣመሪካ፡ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ንኹሉ መዐቀኒታት ዘማልአ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ምቁጽጻር መድሃኒት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ነቶም ምልክታት ዘየርእዩ ግን ኸኣ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ከምኡ'ውን ነቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣዝዮም ዝተሰነፉ ሰባት ውጽኢቱ ተፈቲኑ ኣዝዩ ጠቃሚ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ የመልክት።

ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ እቲ ውጽኢት ዝንኣድ ምንባሩን፡ ኣብ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ግን ምስ ክስተት ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ እቲ ውጽኢት ብተዛማዲ ዝተሓተ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ሓቢሩ።

እቲ ክታበት፡ እቲ ሕማም ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይድይብ 85 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝኾነን፡ ብሓፈሻ ኸኣ 66 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ይግለጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ክታበት ሓንሳብ ጥራይ ዝውሃብ ኮይኑ ድሕሪ ክታበት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ምሉእ ንምሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘዕቢ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ምቁጽጻር መድሃኒታት ኣመሪካ፡ ንክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣፍልጡ ሂቡ ናብ ግብሪ'ዶ ይስገር ንምውሳን ካብቲ ትካል ወጻኢ ዝኾኑ ክኢላታት ጽባሕ ዓርቢ ተራኺቦም ውሳነ ክህቡ እዮም።

ሰብ መዚ ዋይት ሃውስ ብወገኖም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብውሕዱ 3 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ክርከቡ ትጽቢት ከም ዝገብሩ ብምግላጾም እቲ ክታበት ኣብ ኣመሪካ ተቐባልነት ከም ዝተዋህቦ ዘርኢ እዩ።

ትካል ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ብወገኑ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 20 ሚልዮን ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ኸኣ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ናብ ኣመሪካ ከረክብ ከም ዝተፈራረመ ገሊጹ።

ሓንቲ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ንሓደ ሰብ ስለትውሃብ ከምኡ'ውን ንኽኽዘን ብርቱዕ ዛሕሊ ስለ ዘየድልዮ ካብ ፋይዘርን ሞዴርናን ጸብለል ክብል ከም ዝኽእል እዩ ብኣግኡ ተገሚቱ ዘሎ።

ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 65 ሚልዮን ሰባት ተኸቲቦም ኣለዉ።