ልእልቲ ላቲፋ፡ ጓል መራሒ ዱባይ "ኣቦይ ጅሆ ሒዙኒ" ኢላ

ኣብ 2018 ክትሃድም ዝተትሓዘት ጓል መራሒ ዱባይ ኣቡኣ "ጅሆ" ሒዙዋ ከም ዘሎን ንህይወታ ከምትሰግእን ዝገልጽ ሚስጢራዊ ምስሊ (ቪድዮ) ናብ መሓዙታ ልኢኻ።
ኣብቲ ናብ ቢቢሲ ፓኖራማ ዝተላእኸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ልእልቲ ላቲፋ ኣል ማክቱም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ጀልባ ተሳፊራ ካብ ሃገራ ሃዲማ ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ኮማንዶታት ሰራዊት ጨውዮም ከም ዝወሰዱዋን ተኣሲራ ምህላዋን ትዛረብ።
ነዚ ሓጺር ሚስጢራዊ መልእኽቲ ዝሓዙ መሓዙታ ድማ ሕቡራት ሃገራት ጣልቃ ክኣቱ ይሓቱ ኣለው።
ቅድም ኢሉ ሰብ መዚ ዱባይ ኮነ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት፡ ላቲፋ ኣብ ትሕቲ ናብዮት ስድራቤታ ከም ዝኾነትን ድሕነታ ሕልው ምዃኑን ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።
ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ሜሪ ሮቢንሰን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስታ ልእልቲ ተራኺባ ነይራ።
ኣብቲ እዋን "ዝተጸገመት ንእስቲ" ክትብል ዝገለጸታ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብዘሕዝን ኩነታት ብስድራ እታ ልእልቲ "ከም ዝተታለለት" ገሊጻ።
ፕሬዝደንት ኣየርላንድን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ነበር ብወገና፡ ልእልቲ ላቲፋ ዘላትሉ ኩነታትን ቦታን ንክግለጽ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ።
" ኩነታት ላቲፋ ኣዝዩ ዘጨንቕ ጉዳይ'ዩ። ኩሉ ነገር ንመርመራ ክፉት ክኸውን ይግባእ" ኢላ።

ወላዲ ኣቡኣ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ማክቱም ሓደ ካብ ሃፋትም መራሕቲ ዓለም ኮይኑ፡ መራሒ ዱባይን ምኽትል ፕሬዝደንት ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን እዩ።
እቲ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ብስልኪ ዝተቐድሐ ምስሊ ልእልቲ ላቲፋ፡ ተታሒዛ ናብ ዱባይ ምስ ተመልሰት ድሕሪ ሓደ ዓመት ብሕቡእ ዝተቐድሐ እዩ።
ኣብዚ ኣብ ሽቓቕ ዝተቐድሐ ምስሊ፥
- ካብቶም ካብ ጃልባ ክመልሱዋ ዝፈተኑ ወተሃደራት ንምህዳም ከም ዝፈተነትን ነቲ ሓደ ኮማንደር ኢመራት ክሳብ ዘእዊ ከም ዝነኸሰቶ
- መደንዘዚ ምስ ወግኡዋ ሙሉእ ንሙሉእ ነብሳ ክትስሕት እንከላ፡ ብናይ ውልቂ ነፋሪት ኣሳፊሮም ናብ ሱባይ ከምዝወሰድዋ። ኣብ ዱባይ ክሳብ ትበጽሕ ኣይነቕሐትን ነይራ።
- ኣብ ውሽጢ ሓደ ቪላ ብዘይ ዝኾነ ናይ ሕክምናን ሕግን ረድኤት ንብሕታ ከም ዝተዓጸዋን ብፖሊስ ትሕሎ ምንባራን ትገልጽ።

ቲና ጁሃይነን፣ ወዲ ኣኮኣ ማርከስ ኢሳብሪ፣ ተቓላሲ ዴቪድ ሃይ ማእሰርቲ ልእልቲ ላቲፋ ዘቃልዑ ኮይኖም ላቲፋ ናጻ ክትወጽእ ጎስጓስ ይገብሩ ኣለው።
ድሕነታ ስለ ዘስግኦም እቲ ቪድዮ ክለቁዎ ከም ዝተገደዱ ክገልጹ እንከለው፡ ላቲፋ ኣብ ዱባይ መስኮትን በርን ኣብ ዝተዓጽወ ገዛ ምህላዋ ገሊጾም።
ቢቢሲ'ውን እታ ልእልቲ ዝተትሓዘትሉ ቦታ ብናጻ ኣካል ክጻረ ገይሩ እዩ።
ሸኽ መሓመድ፡ ዱባይ ክትዓቢ ገይሩ'ዩ ብዝብል ናእዳ'ኳ እንተረኸበ፡ ተቓወምቱ ብምዕፋንን ደቂ ኣንስትዮ ዘይሓቁፍ ስርዓት ፍትሒ ብምውናን ይንቀፍ።
ብተወሳኺ ብኣተሓሕዛ ጓሉ ልእልቲ ላቲፋን በዓልቲ ቤቱ ፕሪንስስ ሃያ ቢንት ዓሊ ሑሴንን'ውን ይንቀፍ።
በዓልቲ ቤቱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ክልተ ደቃ ናብ ለንደን ምኻዳ ይፍለጥ።
ጓል 35 ዓመት ልእልቲ ላቲፋ፡ ጓል 16 ዓመት እናሃለወት ክትሃድም ፈቲና ነይራ።
ኣብቲ እዋን ሄርቬ ጃውበርት ምስ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ነጋዳይ እያ ክትሃድም መደብ ነይሩዋ።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ብ2018 ልእልቲ ላቲፋን ናይ ኣካላዊ ብቕዓት ኣሰልጣኒታን ብጃልባ ኣብ ዓለምለኸ ማያት በጺሐን ናይ ኣመሪካ ባንዴራ ዘለዋ መርከብ ይጽበያ ነይረን።
ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ናብ ከባቢ ህንዲ ምስ በጽሓ ግን ኮማንዶታት ሰራዊት ነታ ጀልባ ተቖጻጺሮምዋ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ መሓዙት ልእልቲ ላቲፋ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቀሪቦም ሸኽ መሓመድ "ሓቀኛ' ኣይኮነን ኢሎም ነይሮም።
ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ዱባይን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ርእይቶ ክህብ ተወኪሱዎ ፍቓደኛ ከይኮነ ተሪፉ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







