ሞዛምቢካውያን ተምሃሮ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ሞዛምቢቅ

ሰብመዚ ሞዛምቢክ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣርብዓ ተምሃሮ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኣፍሊጡ።

ዋላ’ኳ ውፅኢት ምርመራ እቶም ተምሃሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንተተፈለጠ፡ ብዳይሬክተር ትምህርቲ ቢሮ ዲኦሊንዳ ኮሳ ኣቢሉ እዩ ትማሊ ወግዓዊ ኮይኑ።

ካብ ሞንጎ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ እተን 23 ደቂኣንስትዮ እንትኾና፡ ኣብዚ ቅነ ኣብ ዝነበሩ በዓላት ናብ ዓደን በፂሐን ዝተመለሳ ምዃነን ተገሊጹ።

እዞም በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ተምሃሮ፡ ኣብ ማእኸላት መወሸብን ኣብ ገዝኦምን ከምዝተወሸቡ ከኣ ተገሊፁ።

ኣማሓዳሪ ግዝኣት ማፑቶ ጁሊዮ ፓሬኬ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጥዕና ማሕበረሰብ ንኽከታተላን እቲ ለበዳ ንምምካት ብዕቱብ ክሰርሓን ፀዊዑ።

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ)፣ ኣካላዊ ምርሕሓቕን ኢድ ምሕፃብን ግድን ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ።