ኣብ ቻይና ኣብ ጉድጓድ ዕደና ተደፊኖም ካብ ዝነበሩ 11 ሰራሕተኛታት ብህይወት ወጺኦም

ካብቶም ኣብ ቻይና ኣብ ውሽጢ 600 ሜትሮ ዕምቆት ዝርከብ ጉድጓድ ዕደና ዝጠፍኡ ሰባት እቶም 11 ዓደንቲ ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምድሓን ተኻኢሉ።

እቲ ኣብ ግዝኣት ሻንዶንግ ዝርከብ 'ሑሻን ጎልድ ማይን' ዝበሃል ወርቂ ዝወጸአሉ ዓብዪ ሓጓፍ፡ ኣብ ጥሪ 10 ነትጒ ተፈንጂሩ ነቲ መእተዊ ምስ ዓበሶ እዩ እቶም መውጻእቲ ወርቂ ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም ተሪፎም።

ኣብ ፈለማ 11 ኣውጻእቲ ወርቂ ብህይወት ምህላዎም ተረጋጊጹ ነይሩ፡ እንተኾነ እቲ ሓደ ጸኒሑ ሞይቱ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ኣብቲ ውሽጢ ንዝጠፍኡ ካልኦት 10 ሰባት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ።

እቲ ነቲ ኣፍደገ ዝዓጸወ ነትጒ መበገሲኡ ዛጊድ ኣይተፈልጠን ተባሂሉ።

ሓደ ዝደሓነ ውልቀሰብ፡ ኣዝዩ ደኺሙን ተወጺዑን እዩ ዝረአ ይብል ሓደ ብዛዕብኡ ዝጸሐፈ መረብ ሓበሬታ።

ንረድኤት ሕክምና፡ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ድማ ተፈሊጡ።

እቶም ዝተረ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ?

እቲ ዝደሓነ ውልቀሰብ፡ ምስ ሓደ ኣስታት 100 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ርክብ ፈጢሮም ምንባሮም ዝተዛረበ ኾይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ርክቦም ከምዝተቛረጸ ሓቢሩ።

እቶም ብህይወት ከምዘለዉ ዝዝረበሎም 10 ርክባት ቴሌፎን ቀጢን መስመርን ተዘርጊሑሎም እዩ።

ምግቢ፣ መልእኽታትን መድሓኒትን በቲ ቀጢን ነዊሕ ቱቦ ይብጽሕሎም እንተሃለዉ'ኳ፡ በአኦም ሸነኽ ርክብ ተቛረጹ ኣሎ።

ከም ገዓት ዝዓይነቱ ዝተዳለወ መግቢ ዝተልኣኸሎም ኮይኑ፡ ንሶም ድማ፡ ከም መድሓኒት ዝውሰዱ ባህላዊ ናይ ምግቢ ዓይነታት ሓቲቶም ነይሮም።

ኣብ ሒደት መዓልታት ድማ ርክብ ኣቋሪጾም ኣለዉ።

ብኸመይ ነዚ ሓደጋ ተሳጢሖም?

እቲ ናብቲ ወርቂ ዝወጽአሉ ስፍራ ዘእቱ ኣፍደገ፡ መህሰይቲ ፈኒሕዎ ተሂሉ።

ኣብቲ ከባቢ ምኽንያቱ ዘይተፈልጠ ነትጒ ምስ ተፈንጀረ ድማ፡ ርክብ ተቛሪጹ።

ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ብዛዕባ እቶም ኣብ ውሽጢ ተቐቢሮም ዘለዉ ሃለዋት ምፍላጥ ኣይተኽኣለን ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ግና፡ ገለ ካብኣቶም ነቲ ገመድ ስሒቦም ናብ ዝኾነ ጸልማት ከምዝጎተትዎ፡ እቶም ኣድሓንቲ ተሰሚዕዎም።

ካብኡ ካብቶም 12 ሰባት መልእኽቲ መጺኡ። እቶም 11 ኣብ ሓደ ቦታ ዝተዓበሱ እንትኾኑ፡ እቲ መበል 12 ድማ ንበይኑ።

ካብኡ ንደሓር ምስቲ ንበይኑ ዝነበረ ሓደ፡ ርክብ ዝተቛረጸ እንትኸውን፡ ሓደ ካብቶም 11 ድማ ከምዝሞተ ተረገጋጹ።

ኣብ ኢንዱስትሪ ምእዳን ቻይና፡ ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ዝተለመዱ እዮም።

እቲ ንድሕንነት ሰራሕተኛታት ዝወሃብ ትኹረት ውን ክንድቲ ኣይኮነን እዩ ዝበሃል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ 23 ኣደንቲ ወርቂ ምስ ብረሰንኪ ካርቦን ሞኖኦክሳይድ ህይወቶም ሓሊፉ እዩ።

ኣብ ወርሒ መስከርም፡ ድማ፡ 16 ሰራሕተኛታት ብቸተመሳሳሊ ሓደጋ ህይወቶም ምስኣኖም ዝዝከር እዩ።

ኣብ 2019'ውን፡ ኣብ ሓደ ፈሃም ዝወጽአሉ ጉድጓድ፡ ብውሕዱ 14 ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ።