ኢንዶንዥያ፡ ኣብ ሱላወሲ መዐደኒ ጉድጓድ ብምህማሙ ብዙሓት ተጸቒጦም

ኣብ ኢንዶንዥያ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ኣብ ዝግብረሉ ቦታ፡ መሬት ብምህማሙ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ ተደብዮም ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ስግኣታት ኣሎ።

እቲ ኣብ ከባቢ ባላንግ ሞንጎንዶወ፡ ሱላውሲ ኣብ ዝብሃል ቦታ ዝጋጠመ ምህማም መሬት፡ ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ብህይወት ንዝተረፉ ንምድሓን ይረባረቡ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

ምክልኻል ሓደጋታት ኢንዶኒዥያ ከም ዝሓበሮ፡ ክሳብ ሕጂ ሬሳ ሓደ ሰብ ከወጽኡ እንከለዉ፡ 13 ብሂወት ከም ዘድሓኑ ሓቢሮም።

ውሃቢ ቃል ምክልኻል ሓደጋታት ኢንዶኒዥያ፡ ብተወሳኺ "ኣስታት 60 ሰባት ኣብ ውሽጢ ብሓመድን ኣኻውሕን ዝተደብዩ ይህልዉ'ዮም" ኢሉ።

ካብቲ ከባቢ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣሳእል፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ነበርቲ እቲ ከባብን ብጭቃ ዝተደብዩ ሰባት ካብ ጎዳጉዲ ከውጽኡ እንከለዉ የርኢ።

ብትሑት ዓቕሚ ዝግብር ተግባራት ዕደና ኣብ እንዶኒዥያ ክልኩል ኮይኑ፤ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ግና ገና ደው ኣይበለን።

ትሑት ኣገባብ ኣተዓዳድና ስለ ዝኽተሉ ከኣ ብዙሕ ግዜ'ዩ ሓድጋታት ዘጋጥሞም።

ብዙሓት ግን ኣብታ ዓዲ ሸቅሊ ኣልቦነት ብምህላዉ፡ ሰባት ዘይሕጋዊ ዕደና ንከካይዱ ከም ዝግደዱ ይምጉቱ።