እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንዶኖዥያ፡ ግዳያት ሞት ምንቅጥቃጥ መሬት ዝኾኑ ሰባት ይውስኽ ኣሎ
ኣብ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬትን ሱናሚን፡ዛጊድ ናይ ዝሞቱ ቁፅሪ 1 ሽሕን 347 ከምዝበፅሐ ሰብ መዚ ገሊፆም።
ኣብ ፓሉ ናይ ኢንዶነዢያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ዝመጸ ምድርማስ መሬት ሬሳታት ናይ 34 ተምሃሮ ኣብ ሓደ ቤተክርስቲያን ተደቢዩ ከምዝረኸቡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣፍሊጦም።
ትማሊ ብውሑዱ 1200 ሰባት በቲ ሓደጋ ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ እኳ እንተነበረ፡ ሕዚ ግና ቁፅሪ መወትቲ ዛይዱ ኣሎ።
ቅድም ክብል መስርሕ ህይወት ኣድሕንን ረዲኤት ድማ ብሰንኪ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጽን ከምዝተደናጎዩ ተገሊፁ ነይሩ። ገለ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ድማ ኣብ ፍርስራስ ኣእማን ተቐርቂሮም ከይህልዉ ይፍራሕ።
እቶም ተምሃሮ ክፋል ናይ'ቶም ኣቐዲሞም ዝጠፍኡ 86 ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ተምሃሮ'ዮም። ሃለዋት ናይ'ቶም ዝተረፉ 52 ተማሃሮ ግን ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ናብታ ከተማ ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ። ግዳያት በዚ ሓደጋ ማይን ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ስኢኖም ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ተፈጢሮ ዘሎ ወጥሪ ትካል ንግዲ ብሰረቕቲ ከይዝመቱ፡ ፖላዊስ ስጡም ሓለዋ ይገብሩ ኣለዉ።
እቶም 34 ሬስታት ኣብታ ብዓርቢ ብ7.5 ሬክተርስ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጠቕዐት ሲጊ ቢሮማኡ እትበሃል ናይ ፓሉ ቦታ'ዮም ተረኺቦም።
ሰራሕተኛታት ረዲኤት ገና ሬሳታት የውጽኡ ከምዘለዉን እንተኾነ ግን ብቀጻሊ ምድርማስ መሬት ስርሖም ይዕንቀፍ ከምዘሎን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
"ኣብ'ቲ ቦታ ዘሎ ኩነታት ጭቃ ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ። ኣብ'ቲ ቦታ ክንበጽሕ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ፈረቓን ብእግርና ክንጓዓዝ ኣለና፡ እዚ ድማ ነቲ መስርሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ" ኢሉ ወሃቢ ቃል ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢንዶኔዢያ ሪድዋን ሶብሪ።
መንነትን ዕድመን ናይቶም ዝሞቱ ተምሃሮ ግን ክፍለጥ ኣይተኻእለን ኢሉ።
"ንምግማቱ ዘጸግም ዕንወት"
ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ኣብ ፓሉ ኣብ ዝርከብ ሓደ በዓል ሸውዓተ ደርቢ ሆቴል ብህይወት ክህልዉ ንዝኽእሉ ሰባት ንምድሓን ይጽዕሩ ኣለዉ። ድሮ ድማ ኣስታት 12 ሰባት ካብቲ ፍርስራስ ኣውጺኦም፡ እንተኾነ ግን ሰለስተ ጥራይ`ዮም ብህይወቶም ተረኺቦም።
ኣስታት 50 ሓምሳ ዝኾኑ ሰባት ኣብ`ቲ ብዓርቢ ዝፈረሰ ሮዋ ሮዋ ዝተባህለ ሆቴል ተቐርቂሮም ከምዘለዉ ይግመት።
ኣብ ብምልእታ ፓሉ፡ ዝፈራረሱ መንገድታት፣ ዝዓነወ መዕርፎ ነፈርትን መራኸቢታትን ሓገዝ ንምሃብ ንዝግበር ጻዕሪ ዓንቂፎሞ ኣለዉ።
ምስ ርሑቕ ዞባታት ርክባት ምግባር ድማ ኣሸጋሪ ኮይኑ`ሎ። ሆስፒታል ብምዕናዎም ድማ ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ጎልጎል ኮይኖም ይሕከሙ ኣለዉ። ሓንቲ ወተሃደራዊ ናይ መሮር ሆስፒታል ግን ቆይማ`ላ።
ሰራዊት`ታ ሃገር ድማ ረዲኤትን ዝቖሰሉ ሰባትን ንምጓዓዝ ነቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺርዎ`ሎ። ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጓዓዝቲ ግን ምጽባዮም ክቕጽሉ`ዮም።
እቶም ክወጹ ዝተጸገሙ ሰባት ግን መግብን ዝስተ ማይን ንምርካብ ተጸጊሞም ኣለዉ፡ ገለ ሰባት ድማ ገለ ዋጋ ዘለዎ ንብረታት ንምርካብ ንገለ ዝዓነዋ ትካላት ወሪሮመን።
`ኣማራጺ የብልናን። ናይ ግድን መግቢ ክንረክብ ኣለና` ክብል ሓደ ሰብኣይ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ተዛሪቡ።
ንኣማኢት ኣሽሓት ቆልዑት ናይ ሱላወሲ ግን ናብራ ቀደሞም ፈጺሙ ኣይክምለስን`ዩ።
`ብዙሓት ካብዞም ቆልዑ`ዚኦም ክግመት ዘይከኣል ማህሰይቲን ጭንቀትን ወሪድዎም`ዩ። ሓ ቆልዓ ክርእዮ ዘይግብኦ ሕማቕ ተርእዮታት ርእዮም`ዮም። ኣቦኦምን ኣዲኦም ስኢኖም፡ ኩሉ ዝነበሮም ነገራት ተጸሪጉ ክውሰድ ርእዮም` ኢሉ ዳይረክተር ናይ`ቲ ቆልዑት ኣድሕን (ሰይቭ ዘ ቺልድረን) ቶም ሃወልስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብዙሓት ካልኦት ቆልዑ ድማ ብዘይእኹል መግቢ፣ ሕክምናን ሞራላዊ ድጋፍን ኣብ ቴንዳታት ወይ ኣብ ጎደናታት ይድቅሱ ኣለዉ ድማ ኢሉ።
ኣብ ኩላ`ታ ከተማ ድማ ጋህስታት ይኳዓቱ ኣለዉ፡ ሓደ ካብዞም ጋህስታት ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሬሳታት ክሕዝ`ዩ።
ኣብ ወሰናስን ናይ ፓሉ ሬሳታት ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተጻዒኖም መጺኦም። ኣብ ሓንቲ ሓምሳ ሜትሮ ዝዓቐና ጋህሲ ዝነበረ ሕማቕ ጨና ግን `ሕልና ዘዕርብ` ነይሩ።
"ባኣሽሓት"
እቲ 7.5 ሬክተርስ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዓርቢ`ዩ ኣብ ደሴት ሱላወሲ ኣጋጢሙ። ሓይሊ ምንቅስቓሱ ግን ዘይከምቲ ልሙድ ሱናሚ ዘበግስ ምንቅጥቃጥ ንትኽሎ ዘይኮነ ንጋድም`ዩ ነይሩ።
ምክትል ፕረዚደንት ዩሱፍ ካላ ኣብ መወዳእታ ቁጽሪ ምዉታት ኣሽሓት ክኸውን`ዩ ኢሉ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድማ ልዕሊ ሓደን ፈረቓን ሚሊዮን ህዝቢ በቲ ሓደጋ ከምዝትንከፍ ገሊጹ።