እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈሊፕንስ፡ ግዳያት ሓደጋ ምህማም መሮት ናይ ርድኡና መልእኽቲ ይሰዱ
እዚ ኣብ ፈሊፕንስ ዘጋጠመ ምህማም መሬት 21 ሰባት ክቐትል እንከሎ ካልኦት ሓያለ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሮም።
እዚ ምህማም መሬት ብሓሙስ ኣብ ዞባ ሰቡ ናይ ፍሊፕንስ ዘጋጠመ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቶም ብሓመድ ተደብዮም ዘለዉ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ናብ ፖሊስ ይመጽእ ኣሎ።
ሰሜናዊ ክፋል ፍሊፕነስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ልዕሊ 80 ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።
እዚ ምህማም መሬት ኣብ ካብ ሓደ ጎቦ ዝተበገሰ ኮይኑ ነታ ኣብ ትሕቲ እቲ ጎቦ ተዶኪና ዝነበረት ዓዲ ብኽፋል ከምዝደፈና ተሓቢሩ።
ሓንቲ ካብ ተቐመጥቲ እታ ዓዲ ዝኾነት ክሪስቲታ ቪላርባ "ልክዕ ከምዚ ምንቅጥቃጥ መሬት እዩ" ክትብል ን ኤፒ ሓቢራ።
ክሪስቲታ ቪላርባ ብተወሳኺ " ብዙሓት ካብ ጎሮባብትና የእውዩን ንሓገዝ ይሓቱን ነይሮም፡ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክንሕግዞም ኣይክኣልናን ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሓመድ ተደፊኖም እዮም ነይሮም፡ ሓወይ ክኣ ምስኦም ኣሎ" ትብል።
ብመሰረት ናይ ማዕከናት ዜና ፍሊፕነስ ልዕሊ 600 ስድራቤታት ካብቲ ቦታ ኣልጊሶም ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታ ከምዝለዉ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ፖሊስ ሮደሪክ ጎንዛለዝ ንቡዙሓት ሰባት ካብቲ ብሓመድ ዝተደፈነ ገዛውቲ ከምዘድሓኑ ብምሕባር "ምልክታት ናይ ብሂወት ተደፊኖም ዘለዉ ሰባት ኣሎ፡ ብሞባይል ናይ ርድኡና መልእኽቲ ይጽሕፉልና ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ።