እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ዶብ ኢራንን ዒራቕን ምኽንያት ሞትን ዕንወትን ኮይኑ
ንኢራንን ዒራቕን ኣብ ዘራኽብ ምዕራባዊ ዶብ ብዘጋጠመ 7.3 ማግኒትዩድ ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ብዉሑድ 348 ሰባት እንትሞቱ፡ ኣሽሓት ቆሲሎም።
ሓደ ወኪል ረድኤት ኢራን ከምዘፍለጦ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብውሑድ 70,000 መፅለሊ የድልዮም።
ካብቶም ዝሞቱ ዝበዝሑ ካብ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬርማንሻህ እዮም። ኣስታት 6,300 ሰባት ከምዝቖሰሉ'ውን ተገሊፁ።
ኣብ ባግዳድ ዝነብራ ኣደ ሰለስተ ቖልዑ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብኦ ቃል "ምስ ደቀይ ንድረር ነይርና፤ ሃንደበት ድማ ገዛና ተነቓኒቑ" ክብላ ተዛሪበን።
"ፈለማ ቦምብ መሲሉኒ ነይሩ። ደሓር ግን ኩሉ ሰብ 'ምንቅጥቃጥ መሬት' እናበለ ከእውይ ሰሚዐ" ኢለን።
ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ኣብ ኢራን
- ወኪል ዜና እታ ሃገር ንሰበ-ስልጣን ምክልኻል ሓደጋ ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ፡ ኣብ ኢራን ጥራሕ 5,953 ሰባት ቆሲሎም
- ዋና ኣዛዚ ኣገልግሎት እዋን ሓደጋ ሁሰይን ኮሊቫን ከምዝበልዎ፡ መብዛሕቲኦም ግዳያት ኣብ ንኢሸተይ ከተማ ሳርፖል-ኤ ዛሃብ ዝነብሩ እዮም።
- ሆስፒታል እታ ከተማ'ውን በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ሓደጋ ስለዝበፅሖ፡ ንግዳያት ሓደጋ ኣድላዪ ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብር ከምዘይከኣለ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ፀብፂቡ።
- ሓንቲ ኣደ ምስ ህፃን ወዳ ካብ ፍርስራስ ተሳሒቦም ምውፅኦም ኢራናዊ ማዕኸን ዜና ገሊፁ።
መብዛሕቲኦም ገዛውቲ እቲ ከባቢ ብሕጡብ እምኒ ዝተሰርሑ እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት እንተጋጥም ንምፍራስ ዝተሳጥሑ እዮም።
ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ፡ ስርሖም ብሰንኪ ምህማም መሬት ተኣጓጒሉ'ዩ።
ብወገን ዒራቕ፡ እቲ ዝሐፍአ ዝበሃል ሓደጋ ኣብ ከተማ ደርብንዲክሃን ዘጋጠመ እንትኸውን፡ ሚንስትር ጥዕና ኩርዲሽ ሬክዋት ሃማ ራሺድ ንሮይተርስ ከምዝገለፁሉ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ።
321 ሰባት እንትቖስሉ፡ ቱርኪ ረድኤት ልኢኻላ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ራሚ ሩሃየም ካብቲ ቦታ ከምዝፀብፀቦ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ንልዕሊ ሓደ ደቒቓ ፀኒሑ'ዩ።
"ኣብቲ ፈላማ ንውሱናት ደቓይቕ፡ ብውሱን ክፍለጥ ዝኽእል ነይሩ። ቅልል ዝበለ ምንቅጥቃጥ ወይ ድማ ውሽጠይ ዝፈጠሮ ስምዒት ኣብ ዝብል ርግፀኛ ኣይነበርኩን" ኢሉ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ህንፃታት ምፍርራስ ብምጅማሮም፡ ብቕሉዕ ምፍላጥ ከምዝተኽኣለ ሓቢሩ።
ስምዒታት እቲ ምንቅጥቃጥ ክሳብ ቱርኪ፣ እስራኤልን ኩዌትን ከምዝተሰምዐ ይግለፅ።
ኣብ 2003 ኣጋጢሙ ዝነበረ 6.6 ማግኒትዩድ ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ኢራን ንዝነበረት ታሪኻዊት ከተማ ባም ኣዕንዩ፤ 26,000 ሰባት ቀቲሉ።
ብሰንበት ዘጋጠመ ድማ ካብ 2012 ንደሓር ንኢራን ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍአ ተባሂሉ።