እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃባል ማራግሃ፡ ዘይሕጋዊ ዓደንቲ ወርቂ ታሪኻዊ ቦታ ሱዳን ኣዕኒዮም
ኣብ ሱዳን፡ ዘይሕጋዊ ዓደንቲ ወርቂ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ጥንታዊ ቦታ ከም ዘዕነው ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሱዳን በረኻ ሰሃራ ዝርከብ ምዃኑ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
እዚ ካብ 350 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 350 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝነበረ ዝእመን ጃባል ማራግሃ ንኡሽቶ ነቝጣ መቆጻጸሪ ነይሩ ተባሂሉ'ዩ ዝግመት።
ሓለፍቲ ቤተ መዘክርን ጥንታዊ ሓድግታትን ሱዳን ከም ዝበሉዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ካብ ካርቱም 270 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ክበጽሑ ከለው ክልተ ሜካኒካል ኮዓቲትን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ስራሕ ረኺብና ኢሎም።
17 ሜትሮ ንውሓቱ ከባቢ ከም ዝኮዓቱ'ውን ተዛሪቦም።
በቲ ኩነታት ዝሰንበደት ክኢላ ስነ ኳዕቲ ሃባብ ኢድሪስ ኣሕመድ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብዚ ሓንቲ ዕላማ'ያ ዘላቶም፤ ወርቂ ምርካብ። ግዜ ንክቑጥበሎም ድማ ዓብዪ ማሽን ሒዞም'ዮም መጺኦም" ኢላ ።
ንሳ ካብ 1999 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ ሰሪሓ።
ሱዳን ማእከል ኣማኢት ፒራሚዳትን ጥንታዊ ቦታታትን ከም ዝኾነት ይእመን።
ካብ ናይል 12 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሳይ፡ ኣብ ግዜ ፎርዖናት ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መቓብራት በቶም ዘረፍቲ ዓንዩ ኣሎ።
"ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ፍሉጣት ታሪኻዊ ቦታታት፡ ብውሑድ እቶም 100 ዓንዮም ወይ'ውን ጉድኣት በጺሑዎም'ዩ" ኢሉ ዳይሬክተር ቤተ መዘክርን ጥንታዊ ሓድግታትን ሱዳን ሃቴም ኣል-ኑር።
ወሲኹ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕጽረት ሓይልታት ጸጥታ ንስርቂ ዝተቓልዑ ክኾኑ ገይሩ'ዩ ኢሉ።
ሱዳን ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ኣፍራይት ወርቂ ኮይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጋናን ይቕድምኣ።
ከም ጸብጻብ ኤኤፍፒ፡ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዓድን ጥራሕ 1.2 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።
ግን ድማ ዘይህጋዊ ዕደና ብሰፊሑ ከም ዝርኣይ ይእመን።
ኣብዚ ዙርያ ዘሎ ትግባረ ሕጊ'ውን ጽኑዕ ኣይኮነን፤ እቶም ጃባል ማራግሃ ዘዕነው ሰባት ክሲ ከይተመስረቶም ብናጻ ተፋንዮም። ምክንያቱ'ውን ኣይተገለጸን።
"ንሳቶም ክእሰሩ፤ ዝሓዙዎ መሽን ድማ ክህገር ይግብኦ ነይሩ፤ ሕጊ ኣሎ'ዩ" ትብል ክኢላ ጥንታዊ ሓድግታት ሱዳን ነበር መሓሙድ ኣል-ጣይብ።
ብቐጻሊ ታሪኻዊ ቦታታት ንምዕቃብ ግን፡ ዜጋታት ኣብ ንእስነቶም ብዛዕባ ታሪኽ እታ ሃገር ክመሃሩ ክግበር ኣለዎ ኢላ ፕሮፌሰር ሃባብ ኢድሪስ።
መሰል ዋንነት ኩሎም ስእልታት ሕልው'ዩ።