ኮቪድ-19: ንምንጪ ኮሮናቫይረስ ዝምርምር ጉጅለ ትካል ጥዕና ዓለም ናብ ቻይና ኣትዩ

ምንጪታት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝምርመር ጉጅለ ትካል ጥዕና ዓለም ናብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ከም ዝኣተወን መርመራ ከም ዝጅምርን ተገሊጹ።

እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ መርመራ፡ ኣብ ሞንጎ ትካል ጥዕና ዓለምን ቻይናን ኣዋርሕ ዝወሰደ ዝርርብ ምስ ተገበረ'ዩ ናብዚ በቒዑ።

እዚ 10 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሳይንቲስታት ነቶም ኣብ ማእኸላት ምርምር፣ ሆስፒታላተን ኣብ ዕዳጋታት መግቢ ባሕሪ [ካብ ባሕሪ ዝርከቡ ከም ዓሳ ዝበሉ መግብታት]ን ዝሰርሑ ሰባት ከዘራርቡ እዮም።

ኮቪድ-19 ኣብ መዛዘሚ 2019 ንፈለማ እዋን ኣብ ማእኸላይ ቻይና ከተማ ዉሃን ከም ዝተረኣየ ይግለጽ።

እቶም ተመራመርቲ ሎሚ ሓሙስ ናብ ከተማ ዉሃን ዝኣተዉ ኮይኖም፤ እታ ከተማ ናብ ንቡር ምንቅስቓስ እንተተመለሰት'ኳ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ግን ሓድሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ምርመርኦም ቅድሚ ምጅማሮም ከኣ ንኽልተ ሰሙን ኣብ መወሸቢ ክጸንሑ እዮም።

ነቲ ጉጅለ ዝመርሕ ፒተር ቤን "ካብ መበገሲኡ እንታይ ከምዘጋጠመ ንምግንዛብ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ይክእል'ዩ" ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ቅድሚ መገሽኦም ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኣብዚ ከም መበገሲ ዝቑጸር መገሻ ንጹር ዝኾነ መልሲ ክንረክብ ኢና ኢለ ኣይሓስብን፤ ግን ከኣ ናብኡ ክንጽጋዕ ኢና" ኢሉ።

ትካል ጥዕና ዓለም ምርመራ ዘካይዱ ልኡኻቱ ናብ ቻይና ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ ኣብ መእተዊ ወርሒ ጥሪ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ቻይና ግን እቲ ኩነታት ዘጋጠመ ካብ ዘይምርድዳእ ከም ዝኾነ ብምሕባር ነቲ ምርመራ ዝምቹ ኩነታት ንምፍጣር ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ገና ዘይተወደአ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ዉሃን ይረኣይ እምበር መቦቆሉ ኣብኡ ከም ዝኾነ ንዝቀርብ ሓሳባት ግን ቻይና ንኣዋርሕ ኣይተቐበለቶን።

ኣብ ትካል ጥዕና ዓለም ንዘሎ ክፍሊ ዓለማዊ ለበዳን ግብረመልስን ዝመርሕ ፕሮፌሰር ዳለ ፊሸር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ መገሻ ከም ንሳይንሳዊ ምርመር ዝተገበረ እምበር ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዉ ክቖጽሮ የብሉን ይብል።

"እዚ ጉዳይ ፖለቲካን ምጥቅቓንን ኣይኮነን፤ ንሳይንሳዊ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ዝግብር እምበር" ኢሉ።

ንሱ ከም ዝሕብሮ ድማ መብዛሕቲኦም ተመራመርቲ ዓለም ኮሮናቫይረስ "ክስተት ተፈጥሮ" ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ።