ኮሮናቫይረስ፡ ምስጢር ናይቶም 'ብሰላሕታ ዝዝርግሑ' ሰባት

እዚ ቅልውላው እናስፋሕፈሐ እንከሎ፡ ኪኢላታት ሳይንስ ዘሻቐሎም ሓደ ናይ ኮሮና ቫይረስ ዘደንጹ ባህሪ ኣጓኒፉዎም።

ብዙሓት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ: ሰዓልን፡ ረስንን ክገብረሎም እንከሎ ምስኡ ከኣ ጨናን መቐረትን ከጥፍኡ እንከለዉ፡ ገለ ሰባት ግን ዝኾነ ምልክት ዝበሃል ኣየርእዩን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ኮቪድ 19 ከምዝሓዞም'ዉን ኣይፈልጡን።

ተመራመርቲ ብኸምዚ መንገዲ ክንደይ ሰባት ከምዝተለኽፉ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ እዞም 'ብሰላሕታ ዝዝርግሑ' ዝበሃሉ ነዚ ለበዳ የጐሃህሩዎ ከይህልዉ ምርዳእ ኣመና ኣገዳሲ ኮይኑ'ሎ። ሰባት ብ19 ጥሪ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ክእከቡ እንከለዉ፡ ኣገዳስነት ናይታ ኩነት ኣብ ናይ ዓለም ናይ ኮሮናቫይረስ ዝርጋሔን ዘምጽኦ ሳዕቤንን ዝተገንዘበ ወላሓደ ሰብ ኣይነበረን።

ሰንበት ስለዝነበረ፡ ከም ወትሩ፡ ሓንቲ ካብተን ቅዳሴታት ብቋንቋ ማንዳሪን ኢያ ተካይድ ኔራ።

ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ምእመናን፡ ካብ ቻይና ዝመጹ ክልተ ደቂ 56 ዝኾኑ መጻምድቲ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ነይሮም። ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ይመስሉ ስለዝነበሩ፡ ተሰከምቲ ቫይረስ ከምዝነበሩ ዘጠርጥር ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣይነበረን።

ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ናይ ኮቪድ 19 ፍሉይ መለለልዪ፡ ዘየቋርጽ ሰዓል ከምዝኾነ፡ ናይ ሰብ መረዳእታ ከኣ ብኸምኡ መንገዲ ከምዝመሓላለፍ'ዩ ኔሩ።

እቶም መጻምድቲ እቲ ቅዳሴ ምስ ተወደኣ ብኡ ንብኡ ንገዝኦም ተመሊሶም። እንተኾነ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ነገራት ናብ ዝኸፍኣን ዘደናግርን ኩነታት ተቐያዪሩ።

እታ በዓልቲ ቤቱ ነቲ ሰብኣይ ብ22 ጥሪ ክትሓምም እንከላ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ተጸሊኡዎ። ካብ ናይቲ ለበዳ ሕምብርቲ ዝኾነት ዉሃን በሪሮም ስለዝመጹ፡ እቲ ነገር ዘገርም ኣይነበረን።

እንተኾነ ኣብቲ ዝሰዓበ ሰሙን፡ ሰለስተ ደቂ እቲ ከባቢ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት በቲ ሕማም ስለዝተለኽፉ፡ ናይ ሲንጋፖር ቀዳማይን ዘስደምምን ናይ ኮሮናቫይረስ ጉዳይ ኮይኖም። እንታይ ከም ዘጓነፈ ንምምርማር ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ እቲ ቫይረስ ከመይ ኢሉ ብቀሊሉ ክስፋፋሕ ከምዝኸኣለ ሓዲሽን ዘሰንብደካ ስውጠት ተረኺቡ።

ምዉፋር 'ናይ ሕማም ፈተሽቲ'

"ኣመና'ዩ ደንጽዩና ዘሎ" ይብል: ሓላፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሲንጋፖር: ዶክቶር ቨርኖን ሊ።

"ነንሕድሕዶም ዘይፋለጡ ሰባት ኣብ ነብሶም ናይቲ ሕማም ዝኾነ ምልክት ከየርኣዩ፡ ነቲ ሕማም ብገለ መንገዲ ከመሓላልፉ ኪኢሎም" ይብል።

በቲ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ናይ ኮቪድ 19 ሓበሬታ፡ እዚ ዝተራእየ ጉዳያት ፈጺሙ ክኸዉን ዘይክእል ኢዩ ነይሩ።

ስለዚ ዶክቶር ሊን መሳርሕቱ ናይ ሳይንስ ተመራመርትን ምስ ፖሊስን ናይ ሕማም ሃደንትን ኮይኖም፡ ዝተለኽፉ በዓል መን ምዃኖም፡ ኣበይን መዓስን ከምዝነበሩ ብደቂቕ ዝድህስስ ሓደ ካርታ ዝፈጠረ መርመራ ኣበጊሶም።

እዚ ከኣ እቲ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክካየድ ጀሚሩ ዘሎ ናይቲ መስርሕ ዝበለጸ ተግባር ተባሂሉ ዝተሰምየ መደብ "ክትትል ለኸፋ" "contact tracing"፡ ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ.

እዚ ንኹሎም ዝተለኽፉ ኣብ ምርካብን ካብ ሱሩ ንምምሓዉን ዝሕግዝ ስርዓት ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም፡ እቲ ኣገዳሲ ተባሂሉ ዝተራእየ መስርሕ ኢዩ፡፡ ሲንጋፖር ከኣ በዚ መስርሕ ዘርኣዩዎ ቅልጣፈን ክእለትን ዝተፈልጡ ኮይኖም።

እቲ ዘገርም፡ መርመርቲ ኣብ ዉሽጢ ዉሑዳት መዓልታት፡ ካብ 191 ዘይዉሕዱ ኣባላት ናይታ ቤተክረስትያን ምስ ኣዛረቡዎም፡ 142 ካብኦም፡ ኣብታ ሰንበት እቲኣ ኣብኡ ከምዝነበሩ ፈሊጦም።

ብቕልጡፍ ከኣ ክልተ ካብቶም ዝተለኽፉ ደቂ ሲንጋፖር፡ ምስቶም ካብ ቻይና ዝመጹ ጽምዲ፡ ኣብቲ ቅዳሴ ከምዝነበሩ ኣረጋጊጾም። "ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን ቅዳሴ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ከኣ ኣዕሊሎም፡ ሰላም ተበሃሂሎም ይኾኑ" ይብል ዶክቶር ሊ።

እዚ ብዘይካ ሓንቲ ቀንዲ ዝኾነት ረቋሒት ገዲፍካ፡ እቲ ነቲ ለበዳ ክመሓላለፍ ዘኽኣሎ ምኽንያት ዝገልጽ ጠቓሚ ክልሰ-ሓሳብ ኢዩ ነይሩ።

ንሳ ከኣ፡ ከመይ ኢሉ እዚ ቫይረስ በቶም ክልተ፡ ክሳብ ኣብቲ እዋን እቲ ጥዑያት ዝነበሩ ቻይናውያን ክመሓላለፍ ክኢሉ? ትብል ወሳኒት ዝኾነት ሕቶ መልሲ ክርከባ ኣይተኻእለን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ'ዚ ካልእ ዝዓበየ ግድል ነይሩ። እታ ሳልሰይቲ ዝተለኽፈት ዕድሚኣ 52 ዓመት ዝኾነት ጓል ሲንጋፖር፡ ከምቶም ካልኦት ኣብቲ ቅዳሴ ኣይነበረትን። ኣብ ክንድኡ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብቲ ቤተ ክረስትያን ዝተገብረ ካልእ ቅዳሴ ኢያ ተሳቲፋ። ስለዚ ከመይ ኢላ ነቲ ቫይረስ ክትቅበሎ ኪኢላ?

ወላሓደ ዘይተጸበዮ መርትዖ

መርመርቲ ገለ ኣመት እንተረኸቡ፡ ነቲ ናይታ ሰንበት ኣብ ቤተክረስትያን ዝተቐርጸ ቪድዮ ኣብ ምፍታሽ ኢዮም ኣትዮም።

በጋጣሚ ከኣ ዘይተጸበዩዎ ገለ ነገር ረኺቦም። እታ ደሓር፡ እቶም ቻይናውያን ምስ ተበገሱ ቅዳሴ ዝተሳተፈት ሰበይቲ፡ ኣብቲ ቅድሚ ብርክት ዝበለ ሰዓታት ንሶም ዝተጠቀሙሉ ኮፍ መበሊ ኢያ ተቐሚጣ ነይራ።

ብገለ ምኽንያት፡ እቶም ክልተ ቻይናውያን ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንባዕሎም ዝኾነ ናይ ሕማም ምልክት ከየርኣዩ እንከለዉ፡ ነቲ ቫይረስ ክዝርግሑ ኪኢሎም።

ምናልባሽ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ኢዶም ስለዝነበረ ነቲ ኮፍ መበሊ ተንኪፎሞ ይኾኑ፡ ምናልባሽ'ዉን ትፋኦም ናብቲ ኮፍ መበሊ ነቲ ቫይረስ ሒዙ ዓሊቡ ይኸዉን፡ እዚ ንጹር ኣይኮነን ነይሩ።

ዶክቶር ሊ፡ ንኹሉ ደቀቕቲ ሓበሬታ ናብ ሓደ ኣኪቡ ምስ ኣቀናበሮ፡ ናብ ሓደ መደምደምታ ጥራይ ኢዩ ክብጻሕ ዝከኣል ነይሩ። ንሱ ከኣ እቲ ቫይረስ ንነብሶም ከም ዝሓመሙ ብዘይፈልጡ ሰባት ከምዝመሓላለፍ ዝብል መደምደምታ ኢዩ።

እዚ ኸኣ፡ ንምሉእ ዓለም ዘገድስ ጉዳይ ኮይኑ ተረኺቡ፡ ምኽንያቱ እቲ ናይ ኩሉ እዋን ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝወሃብ ህዝባዊ ናይ ጥዕና ምኽሪ፡ ኣብ ነብስኻ ይኹን ኣብ ካልኦት ንዝረኣ ምልክታት ምክትታል ኢዩ ነይሩ።

ግን ከኣ እቲ ቫይረስ ብዝኾነ ምልክት ዘይብሎም ሰባት፡ ሰላሕ ኢሉን ከይተራእየን ይመሓላለፍ እንተሎ፡ ከመይ ጌርካ ነዚ ሕማም ጠጠው ከተብሎ ትኽእል? ሽዑ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ፡ ዕብየት ናይቲ ዝተረኽበ ሓቂ፡ ስጋብ ክንደይ ከምዝነበረ ከምዝተፈለጦ ይዝክር።

"ሓደ ናይ ስነ-ፍልጠት ርኽበት ኣብ ዝገበርካሉ ግዜ፡ ብብርቱዕ ጻዕሪ ናይ ብዙሓት ዉልቀሰባትን ጉጅለታትን ሓደ ኣገዳሲ ነገር ከምዝረኸብካ ትርደኣሉ ግዜ ኢዩ" ይብል።ዝርጋሐ ቅድሚ ምልክት ምርኣይ

ሽዑ ዝበርሀ ነገር እንተነይሩ፡ እቲ ከም "ቅድሚ ምልክት ምርኣይ ዝግበር ምትሕልላፍ" (pre-symptomatic transmission) ዝፍለጥ፡ ማለት ሓደ ሰብ ከምዝሓመመ ከይፈለጠ እንከሎ፡ ሰዓል፡ ረስኒ ይኹን ካልእ ፍሉጥ ምልክታት ከየርኣየ እንከሎ ዝገብሮ ምትሕልላፍ ኢዩ። ምስ ብዙሕ ካልእ ዝተገብረ መጽናዕትታት ተጸንቢሩ፡ እዚ መጽናዕቲ'ዚ፡ ነተን ካብ 24-48 ሰዓታት ቅድሚ ዝኾነ ምልክታት ናይቲ ሕማም ተርእየሉ፡ ምናልባሽ'ዉን እቲ ዝለዓለ በካሊ ትኾነሉ ግዜ ክኸዉን ይኽእል ዝብል ግምት ተገይሩ። ከምኡ ምዃኑ ምፍላጥ ናይ ብሓቂ መዘና ዘይብሉ ነገር ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ከምዝሓመምካ ኣብ ዝፈለጥካሉ ዝቐልጠፈ ህሞት፡ ኩሎም ምሳኻ ዝቐረቡ፡ ኣብ ገገዞኦም ንኽዉሸቡ ክጥንቀቑ ስለዘኽእለካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ቀቅድሚ ምልክታት ምርኣዮም፡ ኣብቲ ቀንዲ ነቲ ለበዳ ከመሓላልፉሉ ዝኽእሉሉ ግዜ ክዉሸቡ ይኽእሉ ኣለዉ ማለት ኢዩ።

ግን ከኣ ብዘይ ዝኾነ ነቲ ቫይረስ ከሕልፍ ዝኽእል ነጠብጣብ ዝሓዘ ሰዓል፡ ከመይ ኢሉ እቲ ሕማም ብልክዕ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ጌና ኣብ ክትዕ ኢዩ ዘሎ።

ሓደ ኣማራጺ፡ ብምስትንፋስ ወይ'ዉን ምስ ዝሓመመ ሰብ ምዝራብ፡ ነቲ ሕማም ከሕልፎ ይኽእል ይኸዉን። እቲ ቫይረስ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ ምስትንፋስ ጎሮሮና ይፋረ እንተሎ፡ ገለ ካብኡ ከነስተንፍስ እንከለና ክወጽእ ይኽእል ይኸዉን።

ዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዉሽጢ ገዛ ዘሎ ሰብ ብቐሊሉ ክስሕቦ ይኽእል።

ካልእ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኸኣ ብምትንካፍ ክኸዉን ይኽእል፡፡ እቲ ቫይረስ፡ ኣብ ኢድ ናይ ገለ ሰብ ይዓልብ፡ እቲ ሰብ ከኣ ንኻልእ ሰብ ወይ መትሓዝ ማዕጾ፡ ወይ ከኣ ኣብ ቤተ-ክረስትያን ንዘሎ ኮፍ መበሊ ይትንክፍ።

እቲ ናይ ምትሕልላፍ መንገዲ ዝኾነ እንተኾነ፡ እቲ ቫይረስ ግን ብንጹር ሰባት ከምዝሓመሙ እንተዘይፈሊጦም ዝወሓደ ጥንቃቐ ከምዝገብሩ ዝምዝምዝ ዘሎ ኢዩ ዝመስል።

ገለ ሰባት ዝኾነ ምልክት ዝበሃል ኣየርእዩን

እዚ እቲ ኣመና ምስጢራዊ ዝኾነ፡ ንባዕሎም ናይ ሳይንስ ተመራመርቲ ፍሉጥ መልሲ ክህቡሉ ዘይክእሉ ተርእዮ ኢዩ።

ሰባት ቅድሚ ዝኾነ ምልክት ምርኣዮም፡ ነቲ ሕማም ከሕልፉ ይኽእሉ ምባል ሓደ ነገር'ዩ፡ እንተኾነ፡ ሓሚሞም እንከለዉ ዝኾነ ምልክት ከየርኣዩ ይጸንሑ ማለት ግን ፈጺሙ ዝተፈልየ ነገር'ዩ።

እዚ ኢዩ ኸኣ "ምልክት ሕማም ዘይብሎም ሕሙማት" ዝበሃሉ ምኽንያቱ ናይቲ ሕማም ተሰካሚ እንከለኻ፡ ግን ከኣ ንስኻ ብዝኾነ ምኽንያት እቲ ሕማም ኣየጥቅዓካን።

እቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበን፡ ኣብ ኒውዮርክ ዘጋጠመ ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ ጉዳይ ናይ ሓንቲ ከም ከሻኒት ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ጓል ኣየርላንድ ነይሩ።

ኣብ ዝኾነ እዋን መሪ ማሎን ዝተቖጽረትሉ ገዛ፡ ሰባት ብታይፎይድ ይሓሙ ኔሮም። ብዉሑዱ ኸኣ፡ ሰለስተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ብሰንካ ሞይቶም። እንተኾነ ንሳ ፈጺማ በቲ ሕማም ኣይተጸልወትን።

ኣብ መጨረሻ ነቲ ነገር ምስ ኣተኣሳሰሩዎ፡ እታ ብዘይፍላጥ ነቲ ሕማም ተመሓላልፍ ዝነበረት ንሳ ምዃና ክረጋገጽ ተኻኢሉ።

ጋዜጠኛታት "ታይፎይድ መሪ" ዝብል ንሳ እትጸልኦ ዝነበረት ሳጓ ኣጠሚቖማ። ሰበስልጣን ግን ነቲ ነገር ሸለል ክብሉዎ ስለዘይደለዩ፡ ስጋብ ግዜ ሞታ፡ ን23 ዓመት ንበይና ወሺቦማ።

ምድኻም ናይ ዝተዋህበ ግምት

ኣባል ኣላዪት ሕክምና ኣመልያ ፓወል፡ ካብቶም ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት ምንባራ ምስ ፈለጠት ሰንቢዳ። ዶክቶር ኣብ ሚያዝያ ደዊሉ ዉጽኢት ናይ ዝተገብረላ መርመራ ክነግራ እንክሎ፡ ኣብ ከምብሪጅ ዝርከብ ኣደንብሩክ ሆስፒታል ኢያ ትሰርሕ ኔራ።

ንሳ ብነብሳ፡ ምስቲ ሕሙማት ክትኣሊ ኢላ መሊሳቶ ዝነበረት መከላኸሊ ናይ ኮቪድ 19፡ ከም ወትሩ ወላ ሓንቲ ዝተሰመዓ ነገር ኣይነበረን።

እንተኾነ ብሃንደበት ናይቲ ሕማም ኣወንታ ምልክት ከምዘርኣየት ምስ ፈለጠት፡ ኩሎም እቶም ብዛዕባ'ቲ ሕማም ዝነበሩዋ ግምታት ፈጺሞም ተዳኺሞም።

"ልክዕ ከም ሓደ ካብ ስድራይ ዝሞተ ሰብ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ናይ ብሓቂ ዘባህርር ሕልሚ ኢዩ ኔሩ፡ 'እዚ ፈጺሙ ክኸዉን ኣይክእልን፡ ጌጋ ክኸዉን ኣለዎ፡ ኣነ ደኣ ፈጺመ ጽቡቕ እንዲየ ዘለኹ' ኢለ ሓሲበ" ትብል ጓል 23 ዓመት ዝኾነት ኣመልያ።

ብኡ ንብኡ ስራሓ ገዲፋ፡ ኣብ ገዝኣ ክትዉሸብ ተገዲዳ።

"እቲ ኻልእ ወገን ርእየዮ ስለዝነበርኩ ተረቢጸ ነይረ፡ ብፍላይ ሕሙማት ቀልጢፉ ክኸፍኦም ምስ ረኣኹ፡ እዚ ነዓይ የጋጥመኒዶ ይኸዉን ኢለ ይሻቐል ነይረ"።

እንተኾነ ዘይተጸበየቶ፡ ዝኾነ ነገር ክስመዓ ኣይከኣለን። "ወላሓንቲ ነገር ኣይተሰመዓንን፡ ኣብ ገዛ ይወሳወስ፡ ከም ንቡር ከኣ ይበልዕን ይድቅስን ነይረ" ኢላ።

ኣብዚ እዋን እዚ ክንደይ ሰባት ተታሒዞም፡ ግን ከኣ ከይተፈልጡ ተሰዊሮም ከምዘለው ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ኢዩ።

ኣመልያ፡ ተታሒዛ ከምዝነበረት ዝተፈልጠ፡ ምስ ኩሎም እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ መሳርሕታ፡ ኣካል ናይ ሓደ ሽዑ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ስለዝነበረት ኢዩ።

ኣብቲ ዝተገብረ መርመራ፡ ዘይተጸበዩዎ ስጋብ 3% ሚእታዊት፡ ማለት ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ሰባት፡ ዝኾነ ይኹን ምልክት ከየርኣዩ ኣወንታ ኮይኖም ተረኺቦም።

ኣብታ ዳያሞንድ ፕሪንሰስ ዝተባህለት፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ኣብ ገማግም ጃፓን ትጓዓዝ ዝነበረት መዛወሪት ዓባይ መርከብ፡ ዝለዓለ መጠን ምልክት ሕማም ዘየርኣዩ ሕሙማት ተረኺቦም።

እታ ደሓር "ናይ ለበዳ መመርመሪ ድስቲ" ኢሎም ዝሰመዩዋ መርከብ፡ ልዕሊ 700 ሕሙማት ተረኺቦማ።

ተመራመርቲ፡ ሰለስተ ርብዒ ናይቶም ብኣወንታ ዝተፈልጡ ሰባት፡ ዝኾነ ምልክት ዝበሃል ከምዘይነበሮም ይሕብሩ።

ኣብ ሓደ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ መእለዪ ኣረጋውያን፡ ፍርቂ ናይቶም ተቐማጦ ኣወንታዊ ምልክት ከርእዩ እንከለዉ፡ ዝኾነ ምልክት ናይቲ ሕማም ግን ኣየርኣዩን።

'ሓደ ፍሉጥ ዘተኣማምን መጽናዕቲ የለን'

ዝተፈላለዩ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ናይ ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት ከምዘለዉ ግምት ይህቡ። በቲ ዝተገብረ ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ካብ 5% ክሳብ 80% ናይ ጉዳያት ዝብል ዝተፈላለየ ግምታት ከምዘሎ ኢዩ ዝፍለጥ።

ነዚ፡ ናይ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር ዝኾነ ካርል ሀነጋን ምስ ብጾቱ ኮይኖም፡ ነቲ ዝተገብረ 21 ዝተፈላለየ ናይ ምርምር መጽናዕትታት ኣኪቦም ዝገበርዎ መርመራ ዝተበጽሐ መደምደምታ ኢዩ ነይሩ።

እዚ፡ "ቁጽሪ ናይቶም ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት ንምፍላጥ ሓደ ዘተኣማምን መጽናዕቲ ከምዘየሎ ኢዩ ዘረጋግጽ" ኢሎም።

ብመሰረት ናይቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ቀንዲ ኣተኩሮ፡ ናይ ኮቪድ 19 መርመራ ኣብ ልዕሊ እቶም ምልክት ሕማም ዘርኣዩ ጥራይ እንተተገሩ፡ ብዙሓት ሕሙማት ከይተረኽቡ ክተርፉ ምዃኖም ጠቒሶም።

ሳዕቤን ናይቶም 'ብሰላሕታ ዘመሓላልፉ'

እቲ ዝዓበየ ሻቕሎት ናይታ ኣመልያ ዝተባህለት ነርስ፡ ከይተፈለጣ ነቶም መሳርሕታ ዝኾኑ ሓኻይም ከምኡ'ዉን ነቶም ክትኣልዮም ዝተባህለት ሕሙማት ኣሕሊፋትሎም ከይትኸዉን ኢዩ ኔሩ።

"ንዝኾነ ዘሕለፍኩሉ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ኩሎም መሳርሕተይ ኣሉታ ምልክት ስለዝሃቡ፡ እንተኾነ ንኽንደይ ግዜ ዝኣክል ኣወንታ ከምዝነበርኩ ክሓስብ እንከለኹ የሻቕለኒ" ኢላ።

"ስጋብ ሕጂ እቶም ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት፡ ነቲ ሕማም የሕልፉዎ ዲዮም ኣይኮኑን ንፈልጦ ነገር የለን፡ እቲ ጉዳይ ስግንጢር ኮይኑ ብዛዕብኡ ዘሎ ሓበሬታ ኸኣ ዝወሓደ ኢዩ" ትብል።

ሓደ ኣብ ቻይና ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ምልክት ዝነበሮም፡ እቶም ምልክት ዘይነበሮም ከምዝበዝሑ ረኺቡ።

እዚ መጽናዕቲ ንሰበ ስልጣን ከም መጠንቀቕታ ይኾኖም። "እቶም 'ብሰላሕታ ዘመሓላልፉ' ከም ብዘይ ምልክት ዘመሓላልፉ ተሰከምቲ መጠን እኹል ኣተኩሮ ተዋሂቡዎም ኣካል ናይቲ ሕማም ንምክልኻል ዝግበር ቁጽጽርን ዝዉሰድ ስጉምትን ክኾኑ ኣለዎም" ኢሎም ጽሒፎም።

እታ ንዳያሞንድ ፕሪንሰስ ዘጽነዔት ጉጅለ ከምዝጸብጸበቶ፡ እቶም ምልክት ዘየርእዩ ሕሙማት ካብቶም ምልክት ዝነበሮም ዝወሓደ ሕማም ናይ ምትሕልላፍ ዕድል ከምዝነበሮም፡ እንተኾነ ንሶም'ዉን ከይተረፉ ብርክት ዝበለ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ከምዝፈጠሩ ይግምቱ።

እቲ 'ስዉር ነገር' ናይ ምልክት ዘየርእዩ ለበዳ

ኣብ ኖሪች ዝርከቡ ናይ ሳይንስ ተመራመርቲ መልሲ ንምርካብ፡ ኩሎም ኣብቲ ከተማ ዘለዉ ተቐመጥቲ ክምርመሩ መታን ይደፍኡ ኣለዉ።

በባሃህላ ናይ ኤርልሃም ኢንስቲቱት (Earlham Institute) ሓላፊ ኮይኑ ነቲ ተበግሶ ዝመርሖ ዘሎ፡ ናይ ሂወት ሳይንስ ተመራማሪ ዝኾነ ፕሮፈሰር ኒል ሆል "ናይቶም ምልክት ዘየርእዩ ዘለዉ ጉዳይ እቲ 'ስዉር ነገር' (dark matter) ናይዚ ለበዳ ከይኮነ ኣይተርፍን ኢዩ ይብል።

'ስዉር ነገር' (dark matter) ዝበሃል፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጠፈር ዝርከብ ዘቕዉም፡ ስጋብ ሕጂ እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ዘይረኤ ነገር ኢዩ።

ፕሮፈሶር ሆል፡ ናይቶም ምልክት ዘየርእዩ ጉዳያት ወላኳ እቲ ዝዉሰድ ህዝባዊ ናይ ጥዕና ስጉምቲ እንተሎ፡ ነቲ ለበዳ ከምዝቕጽል ክገብሮን መሊሱ ከየጋድዶን ይስከፍ። "ሰባት ሓሚሞም ከምዘለዉ ከይፈለጡ፡ ናይ ሓባር መጓዓዝያ ይኹን ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እንድሕር ተጠቂሞም፡ ነቲ ምምሕልላፍ ከራብሑዎ ግድን ኢዩ" ይብል።

ዝኾነ ዝግበር ጻዕርታት ኣብቶም ናብ ሕክምና ሓሚሞም ዝመጹ ጥራይ እንድሕር ኮይኑ ዝዉሰን፡ ፍርቂ ናይቲ ሽግር ጥራይ ኢዩ ክሽፈን" ኢሉ።

ሓደ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ጉጅለ ናይ ሳይንስ ተመራመርቲ፡ መን ነቲ ቫይረስ ተሰኪሙ ከምዘሎ ዘይምፍላጥ፡ ቀንዲ ድኽመታት ናይቲ ቃልሲ ኣንጻር እዚ ለበዳ ዝካየድ ክኸዉን ይኽእል'ዩ ኢሉ ይኣምን።

ብናቶም ኣረኣእያ፡ እቲ ሓደ ነዚ ሕማም ካብ ምስፍሕፋሕ ጠጠው ከተብለሉ ትኽእል መንገዲ፡ ወላ'ኳ ሰባት ኣይሓመምናን እንተበሉ፡ ንኹሉ መርሚርካ መን ሓሚሙ ከምዘሎ ምፍላጥ ኢዩ።

ንሱ ኸኣ'ዩ እቶም ናይ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ሳይንስን ተክኖሎጂን ኮሚቲ ዝኾኑ ሚኒስተራት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ዝሃቡዎ ምሕጽንታ።

ንሶም፡ እቲ ናይ ምልክት ዘይብሎም ዝፈጥርዎ ምትሕልላፍ፡ ነቲ "ናይ ለበዳ ምቁጽጻር ዓሚቚ ሳዕቤን ኣለዎ" ክብሉ ጽሒፎም። ብተወሳኺ፡ ንተነቀፍቲ ዝኣልዩ ሰባት፡ ከም ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ወይ ከኣ ኣረግቶትን ስንኩላንን ዝኣልዩ ሰራሕተኛታት፡ ብስሩዕ መንገዲ መርመራ ክካየደሎም ኣለዎ ኢሎም።

ኣብታ ናይቲ ለበዳ ማእከል ዝኾነት ናይ ቻይና ከተማ ዉሃን ብዝዓበየ ደረጃ ተመሳሳሊ ዝኾነ ኣቀራርባ ተጠቂሞም።

ኣብቲ ነቲ ሕማም ንምርካብ ኣብ ዉሽጢ ትሸዓተ መዓልቲ ዘይኣክል ዝተገብረ ናይ ጃምላ ስርዓተ መርመራ፡ እንከላይ እቶም ዘይሓመሙ ዝበሃሉ ዝተሳተፉዎ ክሳብ 6.5 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ተመርሚሮም።

ምዝላቕ ምዉሻብ

ነቲ ናይ ምዉሻብ ዝተወስደ ስጉምቲ እናዘለቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀሙ፡ ስርሖም ክምለሱ ወይ'ዉን ድኳን ክገዝኡ ክኸዱ፡ ምስቲ ዘይረኤ ሳዕቤን ክገጥሙ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መን ካብ ኩሉ እዚ እኩብ ህዝቢ ነቲ ቫይረስ ብዘይ ፍላጥ ተሰኪሙ'ሎ ምፍላጥ ዘይከኣል ኢዩ።

ብኡኡ ምኽንያት ኢዩ ናይ ዓለም መንግስታት ኩሎም፡ ዝኾነ ሰብ፡ ምስቲ ነቲ ቫይረስ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ክተሓባበርን ምስ ተረኽበ ኸኣ ብቕጽበት ነብሰ ምዉሻብ ክገብርን ዝሓቱ ዘለዉ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ምዃኑ፡ ስለዚ'ዉን ብዝተኻእለ ካብ ሓድሕድ ምርሕሓቕ ምዝውታር።

እንተኾነ ንሱ ኣብ ዘይከኣለሉ ግዜ፡ እቲ ምኽሪ ገጽካ ወላ'ዉን ኣብ ገዛ ብዝተሰርሐ ማስኬራ ጌርካ ምሽፋን ኢዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ፖሊሲ ምስ ኣቃልሐ፡ ነቲ ኣብታ ናይ ሲንጋፖር ቤተክረስትያን ብጥሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣስሚሩሉ። እቲ ስነ-መጎት ነብስኻ ንምክልኻል ዘይኮነ፡ ኣጋጣሚ ብዘይ ፍላጥ ሓሚምካ እንተለኻ ንካልኦት ካባኻ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተገብረ ስጉምቲ ኢዩ።

ብዙሓት ናይ ጥዕና ኪኢላታት፡ ማስኬራ ሰባት ኢዶም ንኸይሕጸቡን ካብ ሰብ ንኸይርሕቁን ከስግሎም ወይ'ዉን ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ናይ ምብካል ሳዕቤን ከይዉስኽ ይሻቐሉ። እንተኾነ፡ ብርክት ዝበሉ መንግስታት፡ እንከላይ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ጥቕሚ ከምዘለዎ ኢዮም ኣሚኖም ዘለዉ።

መሸፈኒ ገጽ ንበይኑ ግን ነቲ ለበዳ ጠጠው ከብሎ ይኽእል ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ብዛዕባ ምልክት ከየርኣዩ ዘመሓላልፉ ሕሙማት ዘሎ ፍልጠት ዉሑድ ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ተወሳኺ ተግባር ክሕግዝ ይኽእል ይኸዉን። ኣብ ምሉእ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሓኻይም ከተዛርቦም እንከለኻ፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ኣድካሚ ዕንወት ናይ ኮቪድ 19 ደጋጊሞም ዝብሉዎ ሓረግ እንተሎ "ከምዚ ቅድሚ ሕጂ ፈጺምና ርኢና ኣይንፈልጥን ኢዩ" ነይሩ።

ሕዲሽ ሕማም ይመጽእ ከምዘሎ ይፈልጡ ነይሮም፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ንዝተራእየ፡ ዘይተፈልጠ መጀመርታ ኣብ ቻይና ዝተቐልቀለ ናይ ምስትንፋስ ረኽሲ፡ ንዝነበሮም መሳርሕታት ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘዋጥር ተረዲኦሞ ነይሮም።

ባርባራ ማይልስ ዝተባህለት ኣብ ግላስጎ ሮያል ኢንፈርመሪ ዝርከብ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ክሊኒክ ሓላፊት ዝኾነት ሓኪም ከም ዝበለቶ "ልክዕ ከምቲ ናብ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ዲ ደይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጽንኩር ኩነታት ንቕረብ ዘለና ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ኢላ።