ሽወደን ኣብ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣንጻር ሰበስልጣን ኤርትራ ክሲ ከም ዘይትምስርት ኣፍሊጣ

ስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, ©EU/Belga/SCANPIX/KALLE AHLS

መግለጺ ስእሊ, ስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን፡ ውጽኢታዊ መርመራ ምክያድ ከም ዘይከኣል ብምግላጽ ኣብ ጉዳይ እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተኣሲሩ ዘሎ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኤርትራ ክሲ ከም ዘይምስረት ሓቢሮም።

ኣኽባሪት ሕጊ ካሮሊና ዌስላንደር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ብመሰረት እቲ ዝቐረበልና መረዳእታ ገበናት ከም እተፈጸመን ይፍጸም ከምዘሎን እኣምን" ኢላ እንተኾነ ግና ክሲ ክምስረትን መርመራ ክጅመርን ከም ዘይከኣል ገሊጻ።

እዚ ዝተወሰነሉ ቀንዲ ምኽንያት ክተብርህ ከላ፡ ወላ'ኳ ገለ ጭብጥታት ኣብ ሽወደንን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ክእከብ ዝከኣል እንተኾነ፡ እቲ መርመራ ኣብ ኤርትራ'ውን ክካየድ ከድሊ ምዃኑን እዚ ድማ ምትሕብባር ሰብመዚ ኤርትራ ከም ዘድልዮን ተዛሪባ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዌስላንደር፡ እቶም ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ ላዕለዎት ፖለቲካውያን መራሕቲ እታ ሃገር ብምዃኖም ድማ እቲ ምትሕብባር ናይ ምርካብ ተኽእሎ ትሑት እዩ።

ዶባ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብቲ ማሕበር ንጉዳይ ዳዊት ዝከታተል ጆርን ቱንባክ "ሓደ ጥርጡር ንመርመራ ክተሓባበር ፍቓደኛ ስለዘይኮነ ምርመራ ገበን ዶ ክቋረጽ ይግባእ እዩ?" ብምባል ኣብቲ ውሳነ ዘለዎ ዕቃበታት ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ እታ ኣኽባሪት ሕጊ፡ እቲ መርመራ ነቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንዳዊት ንምፍታሕ ንዝገብሮ ጻዕሪ ዝዓናቕፍ 'ዩ ምባላ ብምጥቃስ፡ "ድሕሪ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ከምዚ ምባል ዘየእምን እዩ" ኢሉ።

ኣብ ኤርትራ ዳኛ ናይ ቤትፍርዲ ዝነበረ ኤርትራዊ ናይ ሕጊ ኪኢላ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ብዛዕባ'ቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ወሲዶሞ ዘለዉ ውሳነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ዘገርም ምኽንያት'ዮም ኣቕሪቦም ዘለዉ" ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ዝብልዎ ዝነበሩ ጉዳይ ምዃኑን ይኹን እምበር እቲ ዲፕሎማስያዊ ኣማራጺ ከም ዘይስርሕ ዝምጉት ዶ/ር ዳኒኤል፡ "ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝግበር ዘሎ ዘረባታት ክብሎ ይቐለኒ" ይብል።

ኣብቲ ናብ ኤርትራ ኣቲኻ ክግበር ዝኽእል መርመራን ምእካብ መርትዖታትን ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ደገ እኹል ጭብጥታት ክርከብ ከምዝኽእል ብምጥቃስ፡ "እቲ ሂቦሞ ዘለዉ ምኽኒት ዕባራ ምኽኒት'ዩ" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ።

ነቲ ጥርዓን ኣብ ምድላዉ ኢድ ዝነበሮ ዶ/ር ዳኒኤል፡ ቅድሚ 5 ዓመታት'ውን ተመሳሳሊ ጥርዓን ቀሪቡ ብምንባሩ ሓቢሩ።

ካልእ ኣብቲ ውሳነ ናይታ ኣኽባሪት ሕጊ ርእይትኡ ንቢቢሲ ዝሃበ ኤትራዊ-ሽወደናዊ ጠበቓ ኣቶ ሙሴ ኤፍረም ብወገኑ "ንኹሉ ሕጊ ዝተማህረ ሰብ ዝገርም'ዩ፡ ስለምንታይ? እቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ምሳኻ ስለዘይሰርሐስ መርመራ ጠጠው ተብል ማለት ኣይኮነን" ኢሉ።

ክልቲኦም ድማ እቲ ጉዳይ ይግባይ ክበሃሎ ውይ ናብ ካልእ "መድረኽ" ክውሰድ ከምዝኽእል ኣሚቶም።

ጥርዓን ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) እንታይ እዩ ነይሩ?

ንመሰል ነጻነት ፕረስ ዝጣበቕ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ክሲ 'ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ኣቕሪቡ።

እቲ ክሲ ኣብ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ-ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናት ሽወደን እዩ ቐሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቶም ካልኦት ሰብመዚን፡ ንኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ሃለዋቱ ከየፍለጡ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣሲሮምዎ ብምህላዎም 'ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ እዩ ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከሲሱ።

ኣብ ልዕሊ እዞም ሰበስልጣን፡ ኣገዳሲ ገበናዊ ምርመራ ክግበረሎምን፡ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ "ብምስቓይ፣ ብምጭዋይን ሃለዋቱ ብምስዋርን" ክሕተቱን ፍርዲ ክረኽቡን ድማ ይጠልብ።

እቶም ክሕተቱ ኣለዎም ዝተብሃሉ ሰበ-ስልጣን ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚኒስተር ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ከምኡ ድማ ካልኦት ኣርባዕተ ናይ ምምሕዳርን ጸጥታን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ከም ዝኾኑ ነይሩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ 2001 ምስ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታታት ዝተኣሰሩ ዳዊት ዝርከቦም ሓያሎ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ የሎን።

ብመሰረት ሓበሬታ ማሕበር ተሓላቒ ነጻነት ፕሬስ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኣርኤስኤፍ፡ እቶም ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ግዜ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኮይኖም ኣለው።

ዳዊት ክሲ ከይቀረበሉ ከም ዝተኣሰረ ዝገልጽ ኣርኤስኤፍ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ናብ ሰብ መዚ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ገለ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ጭውያን ምስቓያትን" ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ ናብ ሽወደን ኣብ ዝገሹሉ ብፖሊስ ክተሓዙ ጠሊቡ ነይሩ።

ዳዊት ኢሳቕ መን እዩ?

ዳዊት ኢሳቕ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ኣብ 2001፡ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዝኣሰረሉ ምስቶም ናይ ውልቂ ጋዜጤኛታት'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ክሳብ 2005 ብህይወት ከምዘሎ ጽንጽንታ'ኳ እንተነበረ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።

መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይብል?

ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ጠሊቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኤርትራ ግን ነዚ ጠለብ፡ ብሓፈሽኡ "መርዛም" ምትእትታው ክትብል እያ መልሲ ሂባትሉ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብመንገዲ ትዊተር ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እዚ ስግንጢር ትሕዝቶን ቅኒትን ዘለዎ ውሳነ፡ ካብቲ [እቲ ባይቶ] ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝፈሸለ 'ናይ ስርዓት ለውጢ' ፖሊሲታት ካብ ዘይምስላጡ ዝተበገሰ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ኤርትራ፡ ድሕሪ እተን ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጸዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ናጻ ፕረስ ዘይተፍቅድ ሃገር ኮይና ትርከብ።