ሽልማት ግራሚ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ንካልእ እዋን ተሰጋጊሩ

ሽልማት ግራሚ 2021 ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ኣዳለውቲ እቲ ሽልማት ገሊፆም፡፡

ካብቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎም ሽልማት ሓደ ዝኾነ ግራሚ፡ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 31 ጥሪ ክካየድ'ዩ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ሎስኣንጀለስን ግዝኣት ካሊፎርንያን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ሽልማት ግራሚ ናብ 14 መጋቢት ተናዊሑ ኣሎ፡፡

ነቲ ኣብዚ ዓመት ዝወሃብ ሽልማት፡ ቢዮንሴ፣ ተይለር ስዊፍትን ዱዋ ሊፓን መሪሕ ሕጹያት ኮይነን ኣለዋ፡፡

ነቲ ሽልማት ዘዳሉ ትካል ‘‘ካብ ድሕነትን ጥዕናን ማሕበረሰብ ሙዚቃን ደኺሙና እንተይበሉ ነቲ መደብ ዘዳልዉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባትን ንላዕሊ ዘገድሰና ነገር የለን’’ ክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

ነቲ መደብ ክመርሕ ተመዲቡ ዝነበረ ተዋዛዪ (ኮመዲያን) ትሬቨር ኖህ፡ ድሕሪ ምንውሑ እውን ክመርሖ ምዃኑ ኣይተነጸረን፡፡

ሽልማት ግራሚ ተናዊሕሉ ዘሎ መዓልቲ፡ ምስቲ ንተዋሳእቲ ዝወሃብ ሽልማት ጊልድ፡ ብምድራቡ ግን ማሕበር ተዋሳእቲ ቅሬትኡ ገሊጹ ኣሎ፡፡

እቲ ምድርራብ መዓልቲ ንምዕራይ ድማ ምስ ኣዳለውቲ ግራሚ ይዘራረቡ ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ'ሎ፡፡

ሽልማት ግራሚ እዚ ዓመት፡ ከም ሽልማት ቢልቦርድን ኤምቲቪን ብኢንተርነት ክካየድ እዩ ተባሂሉ ነይሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ሽልማት ኦስካር፣ ዘ ጎልደን ግሎብን ብሪትን እውን ንካልእ እዋን ተሓላሊፎም እዮም፡፡

ኣብታ ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ዝተሃሰየት ግዝኣት ካሊፎርንያ እትርከብ ከተማ ሎስኣንጀለስ: ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ፡ ናይ ምድሓን ዕድል ንዘይብሎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ከየጓዓዕዙ ተኣዚዞም ኣለዉ፡፡