ተሸላሚ ኦስካር ቶም ሃንክስ ምስ ሰበይቱ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

ተዓዋቲ ኦስካር ተዋሳኢ ቶም ሃንክስን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ተመርሚሮም ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ተዛሪቦም።

እዞም ጻምዲ፡ ምልክታት ቑሪ ምስ ተሰምዖም ክሕከሙ ናብ ሆስፒታል ምስ ኸዱ'ዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ምኻኖም ከም ዝፈለጡ ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፉ።

በዚ ምኽንያት፡ ንነብሶም ኣብ ገዛ ዓጽዮም ከም ዝተቐመጡ ብምግላጽ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ይገበረሎም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ቶም ሃንክስ፡ ታሪኽ ህይወት 'ኤልቪስ ፕሪስሊ' ንክሰርሕ'ዩ ናብ ኣውስትሪያላዊት 'ጎልድ ኮስት' ምስ በዓልቲ ቤቱ ከይዱ።

ሃንክስ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ከም'ዚ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ድኻም ይስመዐና ነይሩ፤ ገለ ቑርጥማት እውን ነይሩና። ሪታ ድማ ቑሪ ቑሪ የብላ ነይሩ። ንእሽቶ ረስኒ እውን ነይሩ" ኢሉ።

ነገራት ከረጋግጹ ናብ ሕክምና ከይዶም ምስ ተመርመሩ ድማ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ገሊጹ።

'ፎረስት ጋምፕ'ን 'ፕራይቬት ርያን' ብዝብሉ ፊልምታት ዝፍለጥ ቶም ሃንክስ ተዓዋቲ ሽልማት ኣካዳሚ ኣዋርድ'ዩ።

በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰን'ውን ድምጻዊትን ተዋሳኢትን እያ።

ምስ ቶም ሃንክስ ፊልሚ ዝሰርሕ ዝነበረ ኩባኒያ፡ "ንድሕነትን ጥዕናን ኣባላትና ቐዳምነት ንህብ ኢና፤ ኣብ መላእ ዓለም ምሳና ንዝሰርሑ እውን ኣቐዲሞም ጥንቃቐ ክገብሩን ክከላኸሉን ኣድላዪ ሓገዝ ክንገብር ኢና" ኢሉ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዛጊድ ልዕሊ 130 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም።