ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክታበት ዝጻወር ከይኸውን ተሻቒሎም

ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራትን ዝማዕበለ ክታበት ዝጻወር ከይኸውን 'ገለ ምኽንያታዊ ሻቕሎት' ከምዝሓደሮም ገሊጾም።

ነቲ ኦክስፎርድ-ኣስትራዘነካ ዝበሃል ክታበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፍትን ዘሎ ፕሮፌሰር ሻቢር ማዲ፡ "ኣብ ክልስ ሓሳብ ዝተመስረተ ሻቕሎት'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝስፋፋሕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣዝዩ ተጻዋርነት ዘማዕበለ ዓይነት ከይኸውን ስግኣት ኣለና" ኢሉ ንቢቢሲ።

እቲ ፕሮፌሰር፡ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያንን ካልኦት ሳይንቲስትን ንዝተውሃቡ ርእይቶታት እዩ ምላሽ ዝህብ ዘሎ።

ንሱ፡ ርግጽ ናይ ሰሙናት ጉዳይ እዩ ኢሉ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ መርምራ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ጉዳይ ከብርህ ከምዝሕግዝ ተዛሪቡ።

እቲ ሻቕሎት ካብ ምንታየይ'ዩ ዝብገስ?

እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርአየ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ካብቲ ኣብ ዓዲ ብሪጣንያ ዝተርኣየ ሓድሽ ዓሌት፡ ኣዝዩ ደጋጊሙ ዝቐያየር ባህሪ ከም ዘለዎ'ዩ እቶም ተመራመርቲ ዘመልክቱ።

እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ማዕቢሉ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝጀመረ ክታበት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።

ክታበታት፡ ሰውነት ተፈጥሮኣዊ ምላሽ [ኣንቲ ቦዲ] ክፈጥር እዮም ዝሕግዙ።

እንተኾነ፡ እቲ ሕማም ምስቲ ክታበት እንተደኣ ተለማሚዱ ወይ ከኣ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ እንተኣጥርዩ፡ እቲ ክታበት ኣብ ሰውነትና ብግቡእ ኣይሰርሕን እዩ።

ፕሮፌሰር ማዲ፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ነቲ ዛጊድ ዝማዕበለ ክታበት ካብ ረብሓ ወጻኢ ክገብሮ እዩ ዝብል ግመት የብሉን። እንተኾነ፡ ውጽኢታዊነት እቲ ክታበት ከትሕቶ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።

ኣብ ዊትስ ዩኒቨርሲቲ በዓል ሞያ ክታበታት፡ ፕሮፌሰር ሄለን ሪስ ብወገና፡ ብሰንኩ እቲ ዘሎ ክታበት ምምሕያሽ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ'ኳ፡ እቲ ዘሎ ቴክኖሎጂ ትሕዝቶ እቲ ክታበት ለውጢ ንምግባር ዘኽእል ምዃኑ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።

ካብ ብሪጣንያ ዝቐርቡ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተረኺቡ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ፡ ካብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ኣዝዩ ብፍጥነት ይመሓላለፍ እዩ ዝብል ሓሳባት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣይትቕበሎን።

ፕሮፌሰር ሪስ ከም እትብሎ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ሻቕሎት፡ ብዛዕባ እቲ ክታበት ኣብ ዓለም ክህልዎ ዝግባእ ተበጻሕነት'ውን ዝምልከት ምዃኑ ኣብሪሃ። "እቲ ሻቕሎት ብዛዕባ ሃብታም ሃገራት ጥራይ ኣይኮነን" ኢላ።

ገለ ኣብ ምምዕባል'ቲ ክታበት ዝርከቡ ተመራመርቲ ግና፡ እቲ ሓድሽ ቫይረስ ካብቲ ክታበት ዘምልጥ ኣይከውንን፡ ይብሉ ዝተኻየዱ ቀዳሞት ፈተነታት ብምጥቃስ።