እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝለዓለ ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ
ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብቲ ዝጸንሐ ዝለዓለ ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ።
እቲ ሓድሽ ዓሌት ነቲ ብ 'ኣር ናምበር' ዝፍለጥ ምርባሕ እቲ ቫይረስ ብ 0.4 ክሳብ 0.7 ከም ዘዕበዮ እቲ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።
ኣብ ብሪጣንያ 'ኣር ናምበር' ካብ 1.1 ክሳብ 1.3 ዝግመት ኮይኑ፤ መልከፍቲ ክጎድል እንተኾይኑ ትሕቲ 1.0 ክኸውን ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ኣክዝል ጋንዲ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዓይነታት እቲ ቫይረስ ዘሎ ፍልልይ "ኣዝዩ ልዑል" ምዃኑ ይዛረብ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣብቲ ቫይረስ ዝተርኣየ ዝሓየለ ለውጢ እዚ እዩ" ኢሉ።
ምምሕልላፍ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ እዋን ዕጽዋ ዓዲ እንግሊዝ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸን ምልባዕ እቲ ዝጸንሐ ዓሌት ግና ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝጎደለ፡ እቲ ብኢምፐርያል ኮሌጅ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣሚቱ።
እቲ ቫይረስ ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝዕድሚኦም ዝያዳ ብቕልጡፍ ይላባዕ ከም ዘሎ ኣቐዲሞም ዝተገብሩ መጽናዕትታት ይእምቱ።
እዚ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ግና ኣብ ኩሉ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት የጥቅዕ ምህላው ይገልጽ።
"ነዚ ኩነት ክገልጽ ዝኽእል ሓደ፡ እቲ ናይ ቅድም መጽናዕቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ዕጽዋ እዩ ተኣኪቡ፤ ሽዑ ኣብያተ ትምህርቲ ክፉት እዩ ነይሩ፤ ምንቅስቓሳት ዓበይቲ ድማ ዝያዳ ድሩት እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና እቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኣብ ኩሉ ክልታት ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት የጥቅዕ ምህላው ተዓዚብና" ይብል ኣባል እቲ ነቲ መርመራ ዘካየደ ጉጅለ ዝኾነ ፕሮፌሰር ጋንዲ።
ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ እንፈልጦ 10 ነገራት
1፡ ኣብ ብሪጣኒያ ብፍላይ ድማ ኣብ ሎንደንን ከባቢአን ክሳብ ሎሚ ተራእዩ ዘይፍለጥ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብምርመራ ተረኺቡ። ኣብ ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባት ዝርከብ ዘሎ ድማ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ እዩ።
2፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ነቶም ካልኦት ዓሌታት ኮሮናቫይረስ እናተከአ ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምዝርከብ ይግለጽ ኣሎ።
3፡ እዚ ዓሌት፡ ንርእሱ ዘራብሓሉ መገዲ ዝተፈለየ ብምዃኑ ንምቁጽጻሩ ከየጸግም ስግኣት ኣሎ። ካብ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ወጻኢ ንዘለዉ ዋህዮታት'ውን ቅርጹን ብህሪኡን እናለወጠ ከጥቀዖምዶ ይኸውን ዝብል ስግኣት'ውን ፈጢሩ'ሎ።
4፡ እዚ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ መስከረም እዩ ተረኺቡ። ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም ሓደ ሲሶ፡ በዚ ሓድሽ ዓሌት ዝተጠቕዑ እዮም ነይሮም። ኣብ ታሕሳስ ድማ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ እቶም 75 ሚኢታዊት በዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
5፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ምስ'ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ ምልባዕ ዕድሉ ብ 70 ምኢታዊት ዝቐልጠፈ እዩ ኢሉ።
6፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ከይዲ ድዩ ንርእሱ ቀይሩ ወይ ካብ ካልእ ቦታ መጺኡ ዝብል ንግዚኡ ኣይተፈልጠን ዘሎ።
7፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ ይዝርጋሕ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ'ዚ እዋን ግን ኣብ ከባቢ ሎንዶን እዩ ብብዝሒ ዝረኣይ ዘሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኢንግሊዝን'ውን ይረኣይ ኣሎ።
8፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብ ብሪጣንያ ናብ ዴንማርክን ኦውስትራሊያን'ውን ከምዝተላበዐ ተገሊጹ'ሎ። ኔዘርላንድን ጣሊያንን'ውን እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከምዝኣተወን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
9፡ እዚ ዓሌት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተራእዩ'ሎ እኳ ተባሂሉ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ምስ'ቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ብዓሌት ኣይመሳሰልን'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
10፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ንርእ