ዝርዝር ኣስማት ኢዶም ዝሃቡን ዝተቐትሉን መራሕትን መኮንናትን ህወሓት ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EBC
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ብዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዝተቐትሉን ኣብ ቀይዲ ዝኣተውን ዝገለጾም ወተሃደራዊ መኮንናት ዝርዝር ስማት ዕላዊ ገይሩ።
ሓላፊ ምውፋር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሪጋደር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ንመራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ፌደራል ፖሊስ ብምዃን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ እቶም መኮንናት ከም ዝተትሓዙን ዝተቐትሉን ሓቢሩ።
ብርክት ዝበሉ ምስ መራሕቲ ህወሓት ዝተሰለፉ ወተሃደራዊ መኮንናትን ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ኢዶም ምሃቦም ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ኢዶም ንምሃብ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ፡ "ከም እተደምሰሱ" ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ልዕሊ 600 ሲቪላውያን ከም ዝተቐትልሉ ዝንገር መጥቃዕቲ ማይካድራ፡ ከም ዝመርሖ ዝገለጾ ኮሎኔል የማነ ገብረሚካኤል ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ተቐቲሎም።
ብዘይካ'ዚ ኮሎኔል ኣለም ገብረመድህን፡ ኮሎኔል ቢንያም ገብረመድህን፡ ኮሎኔል እምባየ፡ ኮሎኔል ማዓሾ፡ ኮሎኔል ይርጋ ስዩም፡ ኮሎኔል ሓዱሽ፡ ኮሎኔል ኣጽብሃ፡ ኮሎኔል ተስፋዬ ገብረመድህን፡ ኮሎኔል ዮውሃንስ ካልኣዩ፡ ኮሎኔል ተኽለእግዚኣብሄር፡ ሌተናል ኮሎኔል ብርሃነ ቶላን ካልኦት ኣስማቶም ዘይተገለጸ ኣርባዕተ ኮሎኔላትን ክልተ ናይ ዞን መራሕተን ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ኢትዮጵያን ተሓቢኦም ንዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓትን ይከታተልዎም ምህላዎም ብምግላጽ እቲ ተፍትሽ "ናብ ጸቢብ ስፍራ መጽዩ ኣሎ" ኢሉ።
በቲ ዝካየድ ዘሎ ተፍትሽ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ኣብ ፈቐዶ በዓትታትን ኣብያተ ክርስትያንን ተሓቢኦም ናይ ኣቦታት ኣባያተ ክርስትያን ልባሳት ተኸዲኖም ዝተረኽቡ ምንባሮምን ጠቒሱ፡ ተሓቢኦም ዘለው መሪሕነት ህወሓት ምስ ዝኾነ ዝራኸቡሉ ዕድል የሎን ክብል ተዛሪቡ።
ካብ መንጎ እቶም ኢዶም ዝሃቡ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት፡ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ነበር ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄር፡ ሓላፊ ኦዲት ክልል ትግራይ ዝነበረ ሓዱሽ ዘውገ ገዛሀኝ፡ ሓላፊ ስልጠና ልምዓት እቲ ክልል ነበር ኣቶ ሰለሞን ሕሉፍ ንጉሰ ከምኡ'ውን ዋና ኣኽባር ሕጊ እቲ ክልል ነበር ኣቶ ኪዳነማርያም ገብረክርስቶስ ፋሲል ይርከቡ።
ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣቶ ባህታ ወልደሚካኤል፡ ኣወሃሃዲ ቢሮ ውጥን ልምዓት ቁጠባ ኣቶ ሓጎስ ወልደኪዳን ገብረማርያም፡ መምህር ሕጊ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣቶ ገብረኣምላኽ የዕብዮ ከም ዝርከብዎም እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ዶክተር ዓለም ብርሃነ፣ ኮሎኔል መብራሕቱ ገብረመድሕን፣ ኮሎኔል ሓዱሽ ሓጎስ፣ ኮሎኔል ሕሉፍ ተ/መድሕን፣ ሌተናል ኮሎኔል ተኽለህይወት አሰፋ ምስቶም ኢዶም ዝሃቡ ከም ዝርከቡ እቲ ብሪጋደር ጀነራል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ ወተሃደራውን ሲቪልን መራሕቲ ብተወሳኺ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሚሊሻን ፍሉይ ሓይሊ ኣባላትን ኢዶም ከም ዝሃቡ'ውን ኣብሪሁ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ዶክተር ደብረጽዮን ኮነ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ኣብቲ መግለጺ ኣይተሓበረን።
ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቶም መራሕቲ ህወሓት ዝሃድሙሉ ዘለው ኩነታት ብድሮን ንከታተሎ ኣሎና ኢሉ'ኳ እንተነበረ መንግስቲ ድሒሩ፡ እቶም መራሕቲ ዘለውሉ ቦታ ዝፈልጡ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሓበሬታ እንተሂቦም 10 ሚልዮን ብር ጉንዖ ከም ዘዳለወ ገሊጹ።
ብዘይካ እዞም ሕጂ ከም ዝተቐትሉን ኢዶም ከም ዝሃቡን ካብ ዝተገለጹ ኣባላት ህወሓት፡ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ነበር ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም እትርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን ሰበለልጣን ነበርን ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይርአ ኣሎ።
ሕዳር 4/2020 ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ህወሓት ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝዝከር እዩ።
በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተልዓለ ቅልውላው፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ፌደራል ኣብ ልዕሊ 167 ሰባት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውጽኡ ሓቢሩ ነይሩ።
ኮምሽን ፖሊስ ፌደራል፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ናይ ሃገር ክሕደት ገበን ፈጺሞም እዮም ዝበሎም ውልቀሰባት ሒዙ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ተደለይቲ እዮም ናይ ዝበሎም 96 ውልቀሰባት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውጽኡ'ውን ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







