እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶርያ፡ ብውሑዱ 28 ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ ድብያ ተቐቲሎም
ኣብ ምብራቕ ሶርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 28 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
መንግስታዊት ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሮቡዕ ኣብ ዞባ ደይር ኣል ዙር ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ "ዜጋታትና እዮም ተቐቲሎም" ኢላ።
እንተኾነ፡ ገለ ምንጭታት ኣብታ ኣውቶቡስ ወተሃደራት ሶርያ ምንባሮም ገሊጾም።
ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቓዕቲ ኣነ'የ ፈጺመዮ ዝበለ ኣካል የለን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኤስኦኤችኣር (SOHR) ዝተሰመየ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብጅሃዳውያን ጉጅለ ኣይኤስ ከምዝተጸፈመን በቲ መጥቓዕቲ 37 ወተሃደራት ከምዝሞቱን ገሊጹ ኣሎ።
ኤስኦኤችኣር፡ ምንጭታቱ ብምጥቃስ እቲ ድብያ ብጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ከምዝተፈጸመን ንሰለስተ ሰራዊት ናይ መንግስቲ ጽዒነን ዝነበራ ኣውቶቡሳት ዒላም ዝገበረ ምንባሩን ጠቒሱ።
ሮይተርስ'ውን ምንጭታቱ ብምጥቃስ እተን ኣውቶቡሳት ሰራዊት መንግስቲ ሶርያ ጽዒነን ምንባረን ሓቢሩ።
ኣብ ሶርያ ኣብ ሞንጎ ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስን ብፕረዚደንት ባሺር ኣልኣሳድ ዝምርሑ ሰራዊትን ኣብ ከባቢ ጥንታዊ ቦታ ፓለመይራ ብቀጻሊ'ዩ ኵናት ዝካየድ።
ኣብ 2014 ሰራዊት ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ኣብ ምዕራብ ሶርያን ምብራቓዊ ሸነኽ ዒራቕን ኣስታት 88000 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓቱ መሬት ብምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ሳባት ባርባራዊ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ከርእዩ ጸኒሖም እዮም።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ብመንግስቲ ኣመሪካን ሰዓብታን ዝሕገዙ ሓይልታት ነቲ ብጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ተታሒዙ ዝነበረ መሬት ክቆጻጸርዎ ክኢሎም።
ኣይኤስ'ውን ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ሶርያን ዒራቕን ሒዝዎ ዝነበረ ቦታታት ተሳዒሩ ከምዝሓደጎ ተኣሚኑ።
እንተኾነ ኣብቲ ኵናት ሓድሕድ ዘለዎ ቦታታት ናይ ሶርያ ህላወ ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ገና ኣየብቐዐን።