እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑድያዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ላውጀይን ኣል ሃቱል ልዕሊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ
ስዑድያውያን ደቂ ኣንስትዮ መኪና ንኽመርሓ ክፍቀደለን ትካታዕ ዝነበረት ስዑድያዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።
ጓል 31 ዓመት ላውጀይን ኣል ሃቱል ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቤት ምእሰርቲ እያ ትርከብ።
ንሳን ካልኦት ተጣበቕቲ መሰላትን፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ምስ ናይ ግዳም ተጻባእቲ ትካላት ርክብ ኣለወን ብምባል ኣብ 2018 ከምዝኣሰረን ይፍለጥ።
ዓለምለኻውያን ትካላት ምእሳር ናይተን ተጣበቕቲ ብምቅዋም ንኽፍተሓ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም።
እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ንግብረሽበራዊ ገበናት ፍርዲ ክህብ ዝቖመ ፍሉይ ገበናዊ ቤት ፍርዲ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ፡ንላውጀይን ኣል ሃቱል ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ዝብል ዝርከቦ ክስታት ኣቕሪቡላ።
በቲ ዝቐረበላ ክሲ ኸኣ ገበነኛ እያ ብምባል ንሓሙሽተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ክትእሰር ፈሪድዋ። ንሳን ስድራ ቤታን ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ነጺገሞ ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ስድራኣ፡ ላውጀይን ኣል ሃቱል ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ትሳቐ ነይራ እያ ኢሎም ንዘቕረብዎ ጥርዓን እቲ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ።
ላውጀይን ኣል ሃቱል፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑድያ መኪና ባዕለን ክመርሓ ቅድሚ ፍቓድ ምርካበን ኣብ ዝነበረ ሳምንታት እያ ኣብ 2018 ተኣሲራ።
ንሳ፡ ካብ ቀንዲ ትፍለጠሉ ዝነበረት ቃልሲ ከኣ ስዑዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን መኪና ክመርሓ ክፍቀደለን ዝብል እዩ።
ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ግን ምእሳራ ምስቲ ንሳ እተካይዶ ዝነበረት ቃልሲ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ እዮም ዝሕብሩ።
ላውጀይን ኣል ሃቱል፡ ምስ ተኣሰረት ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣበይ ኣላ ኣብ ዘይትፍለጠሉ ቦታ ተኣሲራ ምነባራን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኤለትሪክ ትሳቐ፡ ብኹርማጅ ትህረምን ጾታዊ መጥቃዕቲ ይብጽሓ ምንባሩን እዮም ስድራኣ ዝሕብሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣይተሃረምኩን ኣይተሳቐኹን ኢላ እንተተዛሪባ ነጻ ከምትወጽእ ሕቶ ቀሪብላ ምንባሩ'ውን ስድራ ላውጀይን ኣል ሃቱል ይሕብሩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምእሳር ናይ ላውጀይን ኣል ሃቱል ዓለምለኻዊ ሕግታት ዘየማለአን ዝጠሓሰን ምዃኑ እዮም ዝማጎቱ።
ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጉዳይ ላውጀይን ኣል ሃቱል ናብ ፍሉይ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ምሕላፉ ብምኹናን "ንጭካነን ግብዝናን ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ዘቃልዕ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ጉዳይ ላውጀይን ኣል ሃቱል፡ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዓለም ዝጸነሖ ጽቡቕ ስም ካብ ዝደበነ ሓደ እዩ።
መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብታ ሃገር ለውጥታት ከተኣታቱ እየ ብምባል ካብ ዝወሰዶ ሓደ ስጉምቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ከይዝውራ ዝኸልክል ሕጊ ብምእላይ ስዑድያውያን ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክመርሓ ዘፍቕድ ሕጊ ኣተኣታትዩ።
እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝወስዶ ስጉምትታት ኸኣ ወትሩ ምስ ተነቐፈ እዩ።
ምስቲ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ስዑድ ዓርብ ዝተቐተለ ውሩይ ጋዜጤኛ ጀማል ካሾጊ ተተሓሒዙ'ውን ስሙ ብጽቡቕ ኣይልዓልን እዩ።