‘ኣብ 2020፡ ልዕሊ 50 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2020 ኣብ ምሉእ ዓለም 53 ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ንመሰልጋዜጠኛታትዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ትካል ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሃገረ ሜክሲኮ 8 ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉላ ሃገር ኮይና ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ኮይና፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ድማ ኣብ ነብሲወከፍ ሃገራት 4 ጋዜጠኛተት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ ሶማልያን ናይጄርያን’ውን ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ስርሖም ተቐቲሎም እዮም ይብል እቲ ትካል።
ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት
ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ከምዝብሎ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም 264 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።
ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣሲራ ዘላ ሃገር ድማ ቻይና እያ። ኣብ’ታ ሃገር በብ 2020 ጥራይ፡ 76 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ይግለጽ። ቻይና ምስ ኣስላም ማሕበረሰብ ዩገር ብዝዛመድ፡ ምስሊ ናይ’ታ ሃገር ዘጸልም ዜና ሰሪሕኩም ንዝበለቶም ጋዜጠኛታት እያ ኣሲራ።
ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቻይና ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ዜጋታት ናይ’ታ ሃገር ኮይኖም ንናይ ወጻኢ መራኸብቲ ብዙሓን ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ይርከብዎም።
ካብ ቻይና ቀጺላ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣሲራ ዘላ ሃገር ድማ፡ ኣፍሪቃዊት ሃገር ግብጺ እያ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ 20 ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ኢራን ድማ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ 2020 ከምዝተኣሰሩ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቱርኪ 13፣ ኣብ ሶሪያ ድማ 12 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ምህላዎም እቲ ትካል ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ድማ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝተዳለወሉ እዋን፡ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ስርሖም ተኣሲሮ ምምህላዎም እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ንኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኡዲ ሙሳ፣ ንናይ ዓረብኛ ጋዜጣ ኣል-ዓለም ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኣብርሃ ሓጎስ፣ ንጋዜጣ ኢትዮጵያ ሄራልድ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ሃፍቱ ገብረእግዚአብሔርን ፀጋይ ሓድሽን
ቅድሚ መዓልታት ከምዝተኣሰረ ዝተገልጸ ጋዜጠኛ ሮይተር ኩመራ ገመቹ፡ ከምኡ ድማ ጋዜጠኛ ኣውራምባ ታይምስ ዳዊት ከበደ ኣብ’ቲ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣይተኻተቱን።
ካልእ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 7 ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ስርሖም ከምዝተኣሰሩ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኤርትራ
ኣብ ኤርትራ ድማ 11 ጋዜጠኛታት ዛጊድ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣፍሊጡ’ሎ።
ንጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቅ ሓዊሱ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።
ኣካላዊ ኮነ ኣእምሮኣዊ ጥዕነኦም ኣብ ከመይ ከምዘለዉ’ውን ሓበሬታ የለን።
ኤትራ፡ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ፕሬስ ብደረጃ ዓለም ኣብ ድሕሪት ካብ ዝሰረዓ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ንናጻ ፕሬስ ዝኾነ ዕድል ዘይትህብ ሃገር ከምዝኾነት እቲ ትካል ይሕብር።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ፕሬስ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን ድማ ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







