እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መዓላ ክውዕል ፈቃድ ረኺቡ
ኣብ ኦክስፎርድ ዝማዕበለ ኣስትራዘኔካ ዝተሰመየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መዓላ ክውዕል ፍቃድ ረኺቡ።
ዓባይ ብሪጣንያዝ ካብዚ ክታበት 100 ሚልዮን ብልቃጥ ኣቐዲማ ኣዚዛ ኣላ፡ እዚ ኸኣ ን50 ሚልዮን ሰባት እኹል እዩ።
ጎን ጎኒ እቲ ብፋይዘር ባዩኤንቴክ ዝውሃብ ዘሎ እዚ ናይ ኣስትራ ዘኔካ ተወሲኽዎ ምሉእ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ከኽትብ ዝኽእል ምዃኑ ሰክሬታሪ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ማት ሃንኩክ ኣፍሊጡ።
ማት ሃንኩክ ነዚ ርኽበት "ኣዝዩ ወሳኒ ኩነት" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።
ማት ሃንኩክ ምስ ቢቢሲ ብሬክፋስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት " ሕጂ ብርእሰ ተኣማንነት ንኹሉ ህዝብና ዘኽትብ ዓቕምን ትሕዝቶን ኣለና ክንብል ንኽእል ኢና" ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ "ካብዚ ትካል 100 ሚልዮን ብልቓጥ ብምእዛዝና፡ ን50 ሚልዮን ክንከትብ ከኽእለና'ዩ፡ እቲ ካብ ፋይዘር ባዩኤንቴክ ዝተረከብናዮ 30 ሚልዮን ብልቃጥ ኸኣ ን15 ሚልዮን ሰባት ክንከትብ ከኽእለና'ዩ፡ ኩሉ ነዚ ርኢና ኽኣ ንምሉእ ህዝብና ከነኽትብ ዘኽእል'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ብናህሪ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ'ዩ እዚ ዜና እዚ ዝቃላሕ ዘሎ።
ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ጥራይ 53,135 ሓዲሽ መልከፈቲ ብምምዝጋቡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቁጽሪ መልከፍቲ ተባሂሉ ኣሎ።