እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳርጋ ንፈለማ እዋን፡ ጽምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደብዚዙ ይብዓል ኣሎ
ኣብ ምሉእ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰባት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክል እገዳታት ብምህለው፡ ዳርጋ ንፈለማ እዋን፡ ጽምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ደብዚዙ ይብዓል ኣሎ።
ካብ ከተማ ሲድኒ (ኣውስትራልያ) ክሳብ ኒውዮርከ፡ ርሺታት ምትኳስን ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ተሰሪዙ'ሎ።
ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ እታ ክፍለዓለም ዳርጋ ብጽምዋ እያ ተዋሒጣ ዘላ።
ፈረንሳ፡ ሰባት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክሉን ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ዝቆጻጸሩን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጸንሑ ፖሊስ፡ 100,000 ሰራዊት ኣዋፊራ ትርከብ።
ኣብ መላእ ዓለም፡ ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 1.8 ሰባት ሞይቶም ኣለው። ልዕሊ 81 ድማ በቲ ሕማም ተለኺፎም።
ኣብ ኤውሮጳ ከመይ እዩ ዘሎ
ኣብ ፈረንሳ ክሳብ ሎሚ 2.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት 64,000 ሰባት ከኣ መዝጊባ ኣላ። ፈረንሳ ብብዝሒ መልከፍቲ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብ ፓሪስ፡ ናይ ምሸት፡ ፍርቂ ካብ መስመራት ባቡር ክዕጾ እዩ። ሚኒስተር ጀራርድ ዳርማኒን ህዝባውያን መጓዓዝያታት ብደረጃ ሃገር ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ደው ክብል'ውን ጸዊዑ። ዝኾነ ቤት-መስተን ቤት-ብልዕታትን'ውን ተዓጽዩ ክጸንሕ እዩ።
እንግሊዝ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ልዑል ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ዘለዎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብምህላውን፡ ከባቢ 20 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቦሪስ ጆንሶን ተማሕጺኑ።
ዝኾነ ሰብ ምስ ኣባላት ስድራቤቱ እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ጎረበቶምን የዕሩኹቶም ከይራኸቡ መጠንቐቕታ ተዋሂቡ'ሎ።
ኣየርላንድ
ኣብታ ሃገር ዝኾነ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ከይበጽሕ እገዳ ኣንቢራ'ላ። ኩሎም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ደዃኩን ተዓጽዮም ክጸንሑን፡ ሰባት ድማ ልዕሊ 5 ኪሜ ከይጓዓዙ ተኸልኪሎም ኣለው።
ጀርመን
ጀርመን ክሳብ ዕለት 10 ጥሪ ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ እያ እትርከብ። መንግስቲ መሸጣ ርሺታት ኣጊድዎ ይርከብ። ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ቦታታት ከይተኣኻኸቡ ጽኑዕ እገዳ ኣሕሊፋ'ላ።
ጥልያን
ካብ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት፡ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ከምዘሎን፡ ኩሉም ኣብያተ-መስተን መግብን ተዓጺዮም ይርከቡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሰንኪ ናይ ምሕኵልቲ ቃንዛ ናይ ሓድሽ ዓመት መስዋእቲ ቅዳሰ ኣይክመርሕ'ዩ።
ሆላንድ
ሆላንድ ክሳብ 19 ጥሪ ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ ክትህሉ እያ። ቱርኪ ብወገና፡ ናይ ዓርባዕተ መዓልቲ ዕጽዋ ጀሚራ'ላ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ሰብመዚ ኣመሪካ ዳርጋ ኣብ ኩለን ግዝኣታትን ከተማታትን ናይ ዕጽዋ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለው። ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ርሺ ክትውልዕ እያ።
እንተኾነ፡ እቲ ቦታ ንህዝቢ ክፋት ኣይክኸውንን እዩ። ይኹን እምበር፡ ስድራቤታት ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣብ ሕጹጽ እዋን ዝሰርሑን ጥራይ ክፍቀድ እዩ። ኣብ ከተማታት ሳንፍራሲስኮን ላስቨጋስ ግን ዝኾነ ርሺ ኣይክህሉን እዩ።
ርሑቕ ምብራቕ ዘለዋ ሃገራት ኤስያ
ሓዲሽ ዓመት ዘጸንበለት ቀዳመይቲ ሃገር ኣውስትራልያ ኮይና ትርከብ። ኣብ ከተማ ሲድኒ ምርኢት ርሺ ከምዝነበረን፡ እንተኾነ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ሲድኒ ከይእከብ ተኸልኪሉ። ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ብቴሌቨዥን ክዕዘቡ ተገዲዶም።
ቻይና
ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና በጂንግ ዝኾነ ምርኢት ሓዲሽ ዓመት የለን። እታ መበገሲት ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ከተማ ውሃን ግን፡ ህዝቢ ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ኣብ ማእከል እታ ከተማ ተኣኪቦም ነይሮም።
ኣብ ጃፓን ዝኾነ ጽንብል ሓዲሽ ዓመት ተሰሪዙ። ኣብ ህንዲ'ውን ብሰንኪ ሰዓት እቶ እቶ ጽንብል ሓድሽ ዓመት የለን።
ኤርትራ
ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ምስፍሕፋሕ ቀለቤት ናይ'ቲ ለበዳ ብቕጽበት ንምብታኽን፡ ድሕነት ዜጋታትን ሃገርን ንምውሓስን፡ ዕቱብን ተሪርን ስጒምቲ ምውሳድ፡ ኣማራጺ የብሉን" ብምባል፡ ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 22 ታሕሳስ ሓደሽቲ ሕጋጋት ኣውጺኡ።
በቲ ዝወጽእ ሓደሽቲ ሕጋጋት መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ እንትርፎ ብዘይካ እቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ብዝምልከቶም ኣካል ዝተፈቐዱ "ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት" ኩሉ ምንቅሳቓሳት ደው ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ፡ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ምንቅስቓስ ሰባት ክልኩል እዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰባት ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክል እገዳታእ ብምህለው፡ ዳርጋ ንፈለማ እዋን፡ ጽምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ደብዚዙ ይብዓል ኣሎ።