ቦርድ ምርጫ፡ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 29 ግንቦትን 5 ሰነን ከምዝካየድ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንትግራይ ክልል ዘየካትት ሰሌዳ ግዜ ናይቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ሃገራውን ክልላውን ሓፈሻዊ ምርጫ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ናይ ሻዱሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ድምጺ ዝወሃበሉ ዕለት 28 ግንቦት 2013 ዓ.ም (ኣ.ኢ) ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ከተማታ ኣዲስ ኣበባን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን፡ ድምጺ ዝወሃበሉ ዕለት ድማ 5 ሰነ 2013 ዓ.ም ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ሰሌዳ ግዜ ምርጫ ንክልል ትግራይ ዘየካትት ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ ዘሎ ህጹጽ እዋን ንምርጫ ብዝጥዕም መልክዑ ምስተመዓራረየ ነቲ ክልል ሰሌዳ ግዜ ምርጫ ከም ዝዳሎ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።
ካብ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ወጻኢ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ዕለት "ናይ ደቡብ ምዕራብ ህዝበ ውሳነ" ክካየድ ምዃኑ እቲ ቦርድ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ግዜ ሰሌዳ ሓቢሩ።
እዚ ህዝበ ውሳነ ንክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብሓድሽ መልክዕ ምስ ምቛም ዝተሓሓዝ እዩ።
እቲ ቦርድ ንሓፈሻዊ ከይዲ እቲ ምርጫ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጊዜ ሰሌዳ፡ ምዝገባ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዕለት 8 ክሳዕ 21 ከም ዝካየድ ተፈሊጡ።
እቶም ተወዳደርቲ ናይ ምረጹኒ ጎስጓሳቶም ካብ ለካቲት 8 ክሳዕ 23 ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።
እቲ ምርጫ በቲ ዝተመደበሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ እንተተኻዪዱ፡ ውጽኢት እቲ ምርጫ ኣብ ናቑጣታትን ክልልን ብዝተፈላለዩ መዓልትታት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ቦርድ ምርጫ ግና ነቲ ውጽኢት ግንቦት 29 ከፍልጥ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክካየድ ከም ዘይኽእልን ቦርድ ምርጫ ምፍላጡ ይዝከር።
ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ቦርድ ብዘዳለዎ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ነቲ ምርጫ ምክያድ ከም ዘጸግም ንቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብዘቕረቦ ሓሳብ፡ እቲ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል ሓደ ዓመት ክካየድ ተወሲኑ ነይሩ።
እዚ'ውን ንኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያን ዓለምን ኣመልኪቱ ብትካላት ጥዕና ንዝወሃብ መረዳእታ በብእዋኑ እናተገምገመ ነቲ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ኩነታት ተራእዮም ውሳነ ከም ዝወሃብ ተገሊጹ ነይሩ።
በዚ መሰረት ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለምን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ዘቐመጥዎ ምኽረ ሓሳብ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ስጉምትታት ብምውሳድ እቲ ምርጫ ኣብ 2013 ክካየድ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







