እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ትግራይ ኣትዩ ዝተጋህሱ ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ሓቲቱ
ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝኾነን፡ ናብ ምሉእ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ክኣቱን ሓቲታ።
ኣብ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ብክልቲኦም ወገናት ‘ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት’ ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ሓበሬታታት ከምዝበጽሖም እታ ሓላፊት ኣብ’ቲ ብሰሉስ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢራ።
"ዓለማዊ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታት ከምዝተጥሓሱ ዝገልጹ ክስታት ቀሪቦምልና እዮም፤ እዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሎም ከባብታት ደብዳብ ምክያድ፣ ንሰላማውያን ሰባት ኮነ ኢልካ ዒላማ ምግባር፣ ፋሉል ቅትለታትን መጠነ ሰፊሕ ዘመተን ዝሓውስ እዩ” ይብል እቲ መግለጺ።
እታ ሓላፊት ከምዝበለቶ፡ ብ 21 ታሕሳስ ንጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ዘጽንዑ ክልተ ልኡኻት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ዝተፈቐደሎም’ኳ እንተኾነ፡ መራኸብታት ተዓጽዩ ብምህላዉ ዘይሻራዊ ሓበሬታ ንምርካቡ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ጠቒሳ።
እቲ ጎንጺ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሕዳር ኣርባዕተ እዩ ጀሚሩ።
ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።
ሓላፍነት መንግስቲ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ 29 ሕዳር ምስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ትካላት ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣትዉን ነዚ መስርሕ ከሳልጥን ተሰማሚዑ።
እንተኾነ፡ ውሃቢ ቃል ሓይሊ ዕማም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ትግራይ፡ ሬድዋን ሑሴን ግን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምውዳድ ኮነ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ምምርማር ሓላፍነት ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ጥራይ እዩ ኢሉ።
ውሃቢት ቃል ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሊዝ ትሮሴል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ናብ ትግራይ ክኣትዉ ዝሃቦ ፍቓድ “ዘተባብዕ” እኳ እንተኾነ፡ እቲ ትካል ግን “ሰላማውያን ሰባት ናብ ዝተሃሰዩሎምን ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዘድልዮምን ኩሎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ቦታታት” ክኣቱን ምጽራይ ክገብርን ከምዝደሊ ገሊጻ።
እቲ ትካል ዛጊድ ኣብ ጉዳያት ግህሰት መሰላት ምጽራይ ንምግባር ናብ ዝኾነ ክፋል እታ ክልል ክኣቱ ተፈቒድዎ ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ እታ ወሃቢት ቃል “ኣይተፈቐደልናን፡ ንሱ ክንገብር ኢና ንሓትት ዘለና” ዝብል መልሲ ሂባ።
“በቲ ዘሎ ገደብ ንሕና ክንገብሮ ዝጸናሕና ነገር እንተሎ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓበሬታታት ምእካብ እዩ፤ እዚ ድማ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ምስ ዝሰገሩ ስደተኛታት ዝተገብረ ቃለ መሕተት ዝሓውስ እዩ፣ ብርሕቐት ክትትል’ውን ንገብር ነይርና፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ንብዙሓት ሰባት ረኺብና ኣዛሪብና ኢና… መታን ብዛዕባ’ቲ ዝኸውን ዘሎ ዝሓሸ ርድኢት ክህልወና” ኢላ።
ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኩናት ኣብቂዑ እዩ ኢሉ ዝኣወጀ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ትግራይ ገና ውግኣት ይቕጽል ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝበጽሖም እታ ውሃቢት ቃል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
“እቲ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፤ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ፣ ማእከላውን ደቡባውን ክፋላት ትግራይ” ክትብል ተዛሪባ።
ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተስዓሩን፡ እቲ ጎንጺ ከምዘብቀዐን ኣዊጁ ነይሩ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ’ውን “ኣብ ትግራይ ኩናት ኣሎ ዝብል ፍጹም ሓሶት እዩ።” ኢሉ ነይሩ።
ብመንግስቲ ፌደራል ዝቖመ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ገለ ቦታታት ትግራይ መሓውር ከምዝዘርገሐ ይግለጽ።
ኣብ ከተማ መቐለን ገለ ካልኦት ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዝርከብ ቦታታትን ኣገልግሎት ቴሌፎን ክሰርሕ ጀሚሩ’ሎ።
እንተኾነ ኣብ ካልእ ቦታታት ትግራይ ሕጂ’ውን መራኸብታት ተዓጽዩ ብምህላዉ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይርዎ’ሎ። ኣብ ባይታ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ ዝብል ንምጽራይ’ውን ዓንቃፊ ኮይኑ’ሎ።
ሰብኣዊ ሓገዝ
ጉዳይ እቶም ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ብሰንኪ’ዚ ጎንጺ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣሻቓሊ እዩ።
ብሰሉስ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መዳርግቱን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቶም ካብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት “ኣገደስቲ ሰብኣዊ ድልየታት” ንምምላእ 156 ሚልዮን ዶላር ጠሊቦም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ልዕሊ 52,000 ሰባት ካብ ትግራይ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።
እቲ ዓለማዊ ትካል፡ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣሻቒሉዎ ከምዘሎ ይገልጽ።