ፕረዚደንት ቺለ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባሩ 3500 ዶላር ተቐጺዑ

ፕረዚደንት ቺለ ሰባስችያን ፒነራ ነቲ በታ ሃገር ዝወጽአ ሕጊ ጥሒሱ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሰብ ኣብ ዘለዎ ስእሊ ስለዝተሰኣለ 3500 ዶላር ከምዝተቐጸዐ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሰባስችያን ፒነራ ድሕሪ እቲ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ መሸፈንን ኣፍን ኣፍንጫን ምስኣሉ፡ እቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሰብ ብብዝሒ ክቀባበሎ ተራእዩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ስእሊ ኣብ ጥቃ ኣብ ከተማ ካቻግዋ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኮይኑ ከምዝተሰኣሎ ብምሕባር፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ምስኡ ክትስኣል ምስ ሓተተቶ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ከምዝነበሮ ተኣሚኑ።

ቺላ ሓንቲ ካብተን ንመሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝምልከት ጽኑዕ ሕጋጋት ዝኽተላ ሃገራት ምዃና እዩ ዝንገር።

ሰብ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምስ ዝርከብ፡ ብገንዘብ ክቕጻዕ ወይ ክእሰር ዘገድድ ሕጊ ኣለዋ።

ኣብ ቺለ፡ መጠነ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ መዓልታዊ ብናህሪ እዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኸአ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት እያ።

ብመሰረት ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 581,135 መልከፍቲ ከተመዝግብ እንከላ 16,051 ሰባት ኸኣ ሞይቶማ ኣለዉ።

ቺለ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚራ መዓልታዊ ልዕሊ 1000 ሓዲሽ መልከፍቲ ከተመዝግብ ጸኒሓ ኣላ።

ፕረዚደንት ሰባስችያን ፒነራ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ን 90 መዓልታት ኣናዊሕዎ ኣሎ።