ናሳ፡ ካብ ወርሒ እምኒ ንዘምጽኣሉ ኩባንያ ሓደ ዶላር ክኸፍል'ዩ

ናሳ ካብ ወርሒ እምኒ ንዘምጽኣሉ ሓደ ዶላር ክኸፍል'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናሳ፡ ካብ ወርሒ እምኒ ንዘምጽኣሉ ኩባንያ ሓደ ዶላር ክኸፍል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቅድም ኢሉ፡ ካብ ወርሒ ቅምሶ ሓመድን እምንን ንዘምጽኣለይ ኩባንያ ብርኩት ገንዘብ ክኸፍል'ዩ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ኩባንያታት ተወዳዲሮም ነይሮም።

ኣብዚ እዋን ሉናር ኣውትፖስት ዝተባህለ ዝተሓተ ዋጋ ጨረታ ዘቕረበ ተዓዋቲ ትካል ምስ ኤጀንሲ ህዋ ኣመሪካ ናሳ ክሰርሕ ተሰማሚዑ ኣሎ። እቲ ዝተዋህቦ ዕማም ምስ ፈጸመ ከኣ ሓደ ዶላር ክኽፈሎ እዩ።

ናሳ፡ ምስ ካልኦት ካብ ወርሒ ቅምሶታት ዝእክቡ ኣርባዕተ ትካላት እውን ኣርባዕተ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ተፈራሪሙ ኣሎ። ኩሎም ከኣ ብዝተሓተ ዋጋ ክሰርሑ እዮም።

ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ማስተን ስፔስ ሲስተምስ፣ ኣብ ቶክዮ ዝርከብ ኣይስፔስ ዝተባህሉ ኩባኒያታት ከኣ ካብቶም ምስ ናሳ ስምምዕ ፈሪሞም ዘለው'ዮም።

ንሳቶም ናብ ወርሒ ከይዶም ካብ 50 ክሳብ 500 ግራም ዝምዘን ሪጎሊስ ወይ ድማ ኣእማን ወርሕን ሓመድን እንተምጺኦም ነፍሲ ወከፎም ሓደ ዶላር ጥራሕ ክኽፈሎም እዩ።

እዞም ካብ ወርሒ ዝእከቡ አእማን ናይ ቢልዮን ዓመታት ዕድመ ዘለዎም እዮም።

ወሃቢ ቃል ናሳ፡ "እዞም ኩባኒያታት ቅምሶ እምኒ ወርሒ ምምጻእ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ተግባር ከም ዝፈጸሙዎ ዘርኢ ምስሊ'ውን ከቕርቡ ኣለዎም" ኢሉ።

እዚ ብ2023 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝፍጸም ክኸውን እዩ።

ሉናር ኣውትፖስት ዝተባህለ ትካል ሮቦት፡ ካብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ሓመድ ኣኪቡ ንክመጽእ ሓደ ዶላር ክኽፈል ንዝኣተዎ ስምምዕ ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ።

ስለምንታይ ግን ንክንድዚ ዝኣክል ስራሕ ብሓንቲ ዶላር?

እዞም ኩባንያታት፡ ነዚ ስራሕ ከዐውቱ እንተኽኢሎም ብርክት ዝበለ ሳይንሳዊ መኽስብ እዮም ክረኽቡ።

ኣብ ትሕቲ ወርሒ ዝርከቡ ማዕድናት ከውጽኡ ዕድል ምርካብ እቲ ሓደ ተስፋ ዝገብርሉ ጉዳይ እዩ።

ሉናር ኣውትፖስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሉ ኦሪጅን ምስ ዝተባህለ ካልእ ዓብዪ ኩባንያ፡ ናብ ወርሒ እትወስድ ናይ ኩንትራት ታክሲ ንምምችቻው ይሰርሕ ኣሎ።

ብሉ ኦሪጅን፡ ኣብ ዓለምና ኣለው ካብ ዝብሃሉ ሃብታማት ኩባንያታት ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ'ዩ። ቀንዲ ስርሑ ድማ፡ [ልክዕ ከም ሰብ ታክሲ ኣብ ምድሪ] ንሰብ ጸጋ ሰባት ናብ ህዋ ምምላስ'ዩ።

ኩባኒያ ጃፓን ኣይስፔ ድማ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዋልታ ወርሒ፡ ኣብ 2020 ንዝእክቦ እምኒ ወርሒ 5 ሽሕ ደላር ክኽፈሎ'ዩ።

ተንታኒ ጉዳያት ህዋ ሲኒየድ ኦ ሱሊቫን ከም ዝብሎ፡ እዚ ብሓደ ዶላር ክፍሊት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ቀሊል ኣይኮነን።

እቶም ኩባኒያታት ነዚ ስምምዕ ዝፈረሙሉ ቀንዲ ምኽንያት ገንዘብ ኣይኮነን።

እኳ ድኣ እቲ ኣብ መጻኢ ዝረኽቡዎ ዕድል'ዩ ዘገድሶም። እቲ ነዚ ስምምዕ ተቐቢሉ ዘሎ ኩባንያ ዝረኽባ ክፍሊት ሓደ ዶላር ብሰለስተ ዙርያ'ዩ ክኽፈሎ።

እዚ ዋዛ ክመስል ይኽእል'ዩ። ግን ድማ መጀመርታ፡ እቲ ውዑል ክፍርም እንከሎ 10 ሚኢታዊት ናይታ ሓንቲ ዶላር [ ማለት 10 ሳንቲም ኣመሪካ] እዩ ዝኽፈል።

ቀጺሉ ብመንኮራኮር ተሳፊሩ ክኸይድ እንከሎ እንደገና ዓሰርተ ሳንቲም ዶላር ይኽፈል። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ወርሒ እቲ ዝድለ ቅምሶ ጽዒኑ ኣምጺኡ ምስ ኣረከበ እቲ ዝተረፈ ሕሳብ ናይ ሓንቲ ዶለር [ እቲ 80 ሳንቲም] ይኽፈሎ። ቻይና፡ ካብ ወርሒ ቅምሶ ንምምጻእ መንኮራኹር ልኢኻ እያ።

እዛ ቼንጅ-5 ዝተባህለት መንኮርኮር ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅምሶታት ጽዒና ናብ መሬት ትምለስ ኣላ።