እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣስመራ ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ተገሊጹ
ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከቢድ ነትጒ ከም ዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ቢቢሲ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ከተማ ሓቲቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ ነትጒ ምሸት ከም ዝተሰምዐ'ኳ እንተገለጹ ኣበየናይ ኣንፈት ከም ዝዓለበ ግን ርግጸኛታት ኣይኮኑን።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ሰዓት 8፡24 (2፡24) ናይ ምሸት ድምጺ ከቢድ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ብምግላጽ፡ መበገሲኡ ድማ ካብታ ከተማ ወጻኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ እዚ ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ መጥቃዕቲ ሮኬት እዩ ክብል ንዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።
ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ ብተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ከቢድ ነትጒ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ከም ዝወሰደሉ ይዝከር።
ኤርትራ ብዛዕባ እዞም ቅድም ኢሎም ዝተተኮሱ ሮኬታት ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበት ጸኒሓ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ዜና የማነ ገብረመስቀል እቲ ተግባር ክፉእ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኣቓልቦ እንህበሉ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ብትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብቲ ንሰሙናት ዝዘለቐ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰብ መዚ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ዝኸሰሱ ኮይኖም፡ ኤርትራ ግን ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ኢደይ የብለይን ትብል።