'ፖሊስ ክቐትለካ መሰል ኣለዎ' ኡጋንዳዊ ሚኒስትር

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒስትር ፀጥታ ኡጋንዳ ኢሊ ቱምዋይን፡ ብዙሓት ሰባት ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ንተግባር ፖሊስ እታ ሃገር ደጊፉ ተዛሪቡ።
ፖሊስ እታ ሃገር፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ረቡዕን ሓሙስን፡ ንፕረዝደንታዊ መረፃ ንዝወዳደር ቦቢ ዋይን ንምድጋፍ ምስ ዝወፅኡ ደገፍቲ ድሕሪ ምጉናጹ፡ 37 ሰባት ቀቲሉ እዩ።
ሚኒስትር ቱምዋይን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ “ልዕሊ ዓቐን ናብ ዝኾነ ጎንጺ እንተደኣ ኣቲኻ፡ ፖሊስ ተኵሱ ክቐትለካ መሰል ኣለዎ እዩ። ክደግሞ’ዶ? ፖሊስ ተኵሱ ክቐትለካ መሰል ኣለዎ፡ ንበለል ኸኣ ትመውት” ኢሉ።
ቦቢ ዋይን፡ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ጎስጓስ እንተካይድ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ንዝወፅኡ መምርሕታት ጥሒሱ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ።
ኮሮናቫይረስ ብምልባዕ ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረበ ሕፁይ ፕረዝዳንታዊ ተወዳዳሪ ቦቢዋይን፡ ሎሚ መዓልቲ ብዋሕስ ተፈቲሑ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኡጋንዳ ዶን ዋንያማ “ኣካላት ፀጥታ ፋሉልነት ዓሲሉ እንከሎ፡ ኢዶም ኣጣሚሮም ክዕዘቡ ኣይክእሉን” ክብል ንቢቢሲ መደብ ፎከስ ኣፍሪካ ተዛሪቡ።
ፕረዝደንት ዮውሪ ሙሰቨኒ፡ ንመምርሕታት ጥዕና እዩ ዝሕሉ ዘሎ ክብል ዝተሓለቐ እቲ ወሃቢ ቃል፤ ፖሊስ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ዘጋጠመ ጥሕሰት እዮም መልሲ ሂቦምሉ ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "ንናሽናል ረዚስተንስ ሙቭመንት’ (NRM) ወኪሉ ዝወዳደር ፕረዝደንት ሙሰቨኒ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕናን ኮምሽን መረፃን ንዝወፅኡ መመርሕታት ኣኽቢሩ ስቕ ኢሉ እንከሎ --- ተቓወምቲ ግና፡ ብእምቢታ ንጥዕና ደገፍቶምን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ከእትዉ መሪፆም” ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







