ፖሊስ ዩጋንዳ ንስሙይ ድምፃዊ ቦቢዋይን ኣጠንቂቑ
![ቦቢ ዋይን ን'ናሽናል ዩኒቲ ፕላትፎርም' [NUP] ወኪሉ ኣብ መረፃ ክወዳደር እዩ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/BDDE/production/_115260684_mediaitem115252859.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ዩጋንዳ፡ 'ናሽናል ዩኒቲ ፕላትፎርም' [ NUP] ብዝብል ዝፍለጥ ተቓዋሚ ውድብ ዩጋንዳ ፡ ፕሮግራሙ ንህዝቢ ከፋልጥ ኣብ ዝሓዞ መደብ፡ ንመምርሕታት ሚኒስትሪ ጥዕና ክኽተል ኣጠንቂቑ።
እዚ መፋለጢ መደብ፡ ኣብ ዝቕፅል ቀዳም እዩ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ኣብ ከተማ ምባራራ ክካየድ።
ቦቢ ዋይን ብዝብል ስሙይ ስሙ ዝፍለጥ ሕፁይ ፕረዝደንት ውድብ 'ናሽናል ዩኒቲ ፕላትፎርም' ሮበርት ክያጉላኒ ድማ፡ ነቲ መደብ ክመርሖ ትፅቢት ይግበር።
ነዚ ስዒቡ፡ ሓለቓ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብሳ ብያካግባ፡ ኣካላት ፀጥታ፡ ኣባላት'ቲ ውድብ፡ “ንስሩዕ መስርሕ ሸለል ክብሉ” ሱቕ ኢሎም ከምዘይርእዩ ገሊፁ።
ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ጎስጓሳትን ምትእኽኻባትን ክልኩላት ከምዝኾኑ'ውን ሓቢሩ።
ቦቢ ዋይን ሕፁይ ተወዳዳራይ መረፃ እታ ሃገር ኮይኑ ከምዝቐርብ ምስተፈለጠ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ከምዝተጋጨወ ይዝከር።
ዓጂበሞ ካብ ዝነበሩ ደገፍቱ ከኣ ብዙሓት ተኣሲሮም ነይሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃሙ ሓደ ተጎዲኡ።
ዩጋንዳ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥሪ፡ ሃገራዊ መረፃ ክተካይድ እያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







