ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ቤት ፍርዲ ነጻ ሰዲድዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቤት-ፍርዲ ኡጋንዳ ንህቡብ ሙዚቀኛ ቦቢ ዋይን ከምኡዉን 32 ብክህደት ሃገር ዝተኸሰሱ ፖለቲከኛታት ብዋሕስ ለቒቑ።
ንሳቶም ኣብ ልዕሊ መኪና ፕረሲደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ እምኒ ደርቢኹም ብዝብል ክሲ እዮም ተኸሲሶም።
'ጌቶ ፕረሲደንት' ብዝብል ቕጽል ስም ዝፍለጥ ቦቢ ዋይን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ምርኩስ ሒዙ ተራእዩ።
እቲ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎ ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ቦቢ ዋይን ዝኾነ ማህረምቲ ከምዘይተኻየደ ብምግላጽ፡ ነቲ ዉንጀላ "ሃተዉቀጠዉ" ኢዩ ይብል።
ትኽክለኛ ስሙ ሮበርት ኪያጉላኒ ዝኾነ ቦቢ ዋይን፡ ብ13 ነሓሰ ኣብ ምዕራባዊተ ከተማ ኣሩዋ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ መረጻ ጎስጓስ ኢዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣብቲ ዉድድር ዝተዓወት ተሓባባሪ ቦቢ ዋይን ካስያኖ ዋዲሪ እዉን ብክሕደት ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ከሎ፤ ብዋሕስ ከም ዝተለቕቀ እንተኾነ ግና ብዘይ ፍቓድ ቤትፍርዲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ናብታ ምዕራባዊት ዞባ ከይዛወር ተኸልኪሉ።
ሓደ ካብቶም ዝተኸሰሱ፡ ወዲ 51 ዓመት ኣብቲ ቤት ፍርዲ ሓለዋቱ ኣጥፊኡ ምስ ወደቐ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝተሃወኸ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብቲ ስፍራ ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



