ናዕቢ ንደገፍ ቦቢ ዋይን፡ ሰራዊት ኡጓንዳ ንጋዜጠኛታት ብምህራሙ ይቕሬታ ሓቲቱ

ተቃወምቲ ጎማ ናይ መኪና እናኣቃጸሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ ኣብ ካማፓላ ኣባል ባይቶ ቦቢ ዋይን ንክፍታሕ ዝጽውዕ ተቃውሞ ተኻይዱ

ሰራዊት ኡጓንዳ፡ ነቶም ብሰኑይ ኣባል ባይቶ ዝኾነ ቦቢ ዋይን ንክፍታሕ ዝጽውዑ ዝነበሩ ዜጋታት ኡጓንዳ ዝስንድ ዝነበረ ጋዜጤኛ ብምህራሙ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ካልኦት ነቲ ተቓውሞ ዝስንዱ ዝነበሩ ጋዜጤኛታት'ውን ብወተሃደራት ኡጓንዳ ተሃሪሞም እዮም።

ሰራዊት ኡጓንዳ፡ ነቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ወተሃደራቱ "ዘይሞያዊ" ብምባል ንተግባራቶም ብምኩናን፤ ክእሰሩ ምኳኖም ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ድሕሪ ቦቢ ዋይንን ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ናይ ተቓዋሚ ሰልፊ ብምእሳሮም ኣብ ኡጓንዳ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

ፍሉጥ ደራፊ ዋይን፡ ዝሓለፈ ዓመት ብብሕቱ ተውዳዲሩ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ነቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሶቨኒ ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ናይ መጀመርታ ተቐዓውሞ ዝመርሕ ዘሎ መንእሰይ እዩ ክትብል ጋዜጤኛ ቢቢሲ ካተሪን ብያሩሃንጋ ትገልጽ።

ዝበዝሑ እቶም ብሂወት ዝርከቡ ኡጓንዳውያን ድሕሪ ፕረዚደንት ይወሪ ሙሶቨኒ ኣብ 1986 ናብ ስልጣን ምምፅኡ ዝተወለዱ እዮም።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ተጣባቖ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች፡ ፖሊስን ሰራዊትን ኡጓንዳ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጤኛታትን ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ድው ብምባል፡ ንመሰል ተቓወምቲ ከኽብር ጸዊዑ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርገሐ ተንቀሳቀሲ ስእሊ፡ ጋዜጤኛ ሮይተርስ ጀምስ ኣከና ብክልተ ወተሃዳት ኡጓንዳ ኣብ ማእክል ጎዶና ካማፓላ ብበትሪ እናተሃረመ ዘርኢ ኮይኑ፡ ዋላ ተምብርኪኹ ኢዱ ናብ ላዕሊ ኣብ ዘበለሉ'ውን እቲ ምህራም ኣየቋረጸን።

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post

"ባህርያት ናይዞም ፖሊስ ወይ ኣባላት ጸጥታ ከምዚ ኣይነበረን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምንታይ ከምዚ ክኸውን ክኢሉ ንኽትገልጾ ከቢድ እዩ" ክብል ጋዜጤኛ ጀምስ ኣከና ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ናዕቢ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ልዕሊ ሚእቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ቦቢ ዋይን ምስ ደገፍቱ ሓጎሱ እናገለጸ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቦቢ ዋይን ዝሓለፈ ዓመት ብውልቁ ኣብ ዝተወዳደረሉ ንቀንዲ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ብምስዓር'ዩ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ

ቦቢ ዋይን ቀንዲ ስሙ ሮበርተ ክያጉላኒ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ፡ ብምኽንያት ምውናን ዘይሕጋዊ ብረት ተኽሲሱ ዝመጽእ ሓሙስ ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሶቨኒ፡ 'ቦቢ ዋይን ብርቱዕ መጉዳእቲ በጺሕዎ' ንዝብል ሓበሬታ "ናይ ሓሶት ዜና" ክብል ገሊጽዎ እዩ።