እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያን መሻርኽታን ፖሊሲታት ቻይና ኣብ ሆንግ ኮንግ 'ኣዝዩ ከም ዘሻቐለን' ገሊጸን
ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳን ኒውዚላንድን፤ ቻይና ኣብ ሆንግኮንግ ንዝርከቡ ነቐፍቲ ጸጥ ንምባል ትገብሮ ዘላ ዝተወሃሃደ ወፍሪ ንኣህጉራዊ ግዴታኣ ዝጥሕስ ምዃኑ ከሲሰን።
ቤይጂን ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሃውሪ ዝተሰጎጉ፡ ብምርጫ ኣብ መዝነት ዝጸንሑ ኣባላት ባይቶ እታ ግዝኣት፡ ናብ መዝነቶም ዳግም ክትመልስ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ጸዊዖም።
ቻይና ኣብ ልዕሊ ሆንግ ኮንግ መሪሕነታ እናኣደልደለት ትኸደሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኣህጉራዊ ሻቕሎት ይወስኽ ኣሎ።
ብሪጣንያን ኣርባዕተ መሻርኽታን፡ ሓድሽ ሕግታት ቻይና "ኣዝዩ ዘሻቕል" ምዃኑ ገሊጾም።
እዞም ሕግታት ንገለ ኣባላት ናይቲ ብህዝቢ ዝተመረጸ ሓጋጊ ቤት-ምኽሪ ሆንግ ኮንግ ዝግልፍ እዩ።
እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እዚ ብንጹር ምጥሓስ ናይቲ፡ ቻይና ንነጻነትን ርእሰ ምምሕዳርን እታ ግዝኣት ንምኽባር ዝኣተወቶ ሕጋዊ መብጽዓታት ምዃኑ ገሊጾም።
ቤይጂን ህዝቢ ሆንግ ኮንክ ወከልቱ ናይ ምምራጽ መሰሉ ብምንእኣስ፡ ንነቐፍቲ ትም ንምባል ዝተወሃሃደ ወፍሪ ተካይድ ምህላዋ እቶም ሚኒስተራት ከሲሶም።
ንርግኣትን ብልጽግናን ሆንግ ኮንግ፡ ሰባት ሕጋዊ ሻቕሎቶም ክገልጹ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ገሊጾም።
በዚ ድማ ቻይና ከም መራሒት ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ነቶም ኣባላት ሓጋጊ ቤት-ምኽሪ ናብ መዝነቶም ክትመልሶምን ንመብጸዓታታ ክተኽብርን ተማሕጺኖም።
እዚ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ብቑጠባዊ እገዳ ዝድገፍ እንተኾይኑ ኣብ መጻኢ ዝርአ እዩ።