ልዕሊ 200 መራሕቲ ፖለቲካ፡ ቻይና ዘርቀቐቶ ሕጊ ኮኒኖም

መንግስቲ ቻይና ኣብ ሆንግኮንግ ክትግበር ዝሓሰቦ ሓድሽ ሕጊ ድሕነት፡ ብልዕሊ 200 ላዕለዎት መራሕቲ ዓለም ተኾኒኑ።

ካብ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ሰሜን ኣመሪካን ክታሞም ዘዕርፍሉ ዘለዉ እዚ መግለጺ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ትልሚ መንግስቲ ቻይና ፡ "ናይ ከተማ ሆንግኮንግ መስል ርእሰ-ምሕደራ፣ ልዕልና ሕግን መሰረታዊ ነጻነትን ዝግህስ እዩ" ብምባል እዩ።

መንግስቲ ቻይና ኣብ ተግበር ከውዕሎ ይዳለወሉ ኣሎ ዝተብሃለ ሕጊ፡ ኣብ ግዝኣት ሆንግኮንግ፡ 'ክሕደት፣ ምንጻል፣ ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓልን ምውፋርን' ዝእግድ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ሕጊ ጉንበት 28 ናብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ድምጺ ክወሃቦ ዝቐርብ ኮይኑ፡ ካብኡ ሕጊ ኾይኑ ቅድሚ ምትግባሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቲ እቲ ባይቶ ከምርሕ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ዝስማዕ ዘሎ ተቓውሞ እዚ ስጉምቲ ዝነቅፍ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ማይክ ፖምፔ፡ ነቲ ትልሚ 'ነጻነት'ታ ከተማ ናብ ገደል ዘእቱ' ክብል ኮኒንዎ እዩ።

ሃገራት ዩከይ፣ ኣውስትራልያን ካናዳን ድማ ብተመሳሳሊ 'ሻቕሎተን' ገሊጸን ኣለዋ።

ምስ ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ ማእኸላይ መንግስቲ ቻይና ዝሻርኽ ተባሂሉ ዝሕመ፡ መራሒ ሆንግኮንግ ኬሪ ላም፡ ነቲ ሕጊ ዘለዎ ድጋፍ ብምግላጽ፡ ኣብ ናጽነት እታ ከተማ ዘብጸሖ ሳዕቤን ኣይክህሉን ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ'ታ ግዝኣት ዝርከብ ቢሮ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኢንቨስተራት ወጻኢ ዘስዕቦ ስግኣት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ኢደን የአትዋ ኣለዋ ዝበለን ሃገራት ካብ ተግባረን ክቑጠባ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጊ ተቓውሞ ዘስምዑ ጎስጎስቲ፡ ንሎሚ ሰንበት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጸዊዖም ኣለዉ።

እቲ መግለጺ ተቓውሞ እንታይ ይብል?

እቲ ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታት ዝፍርምዎ ዘለዎ ናይ ተቓውሞ ፊርማ፡ ብነባር ገዛኢ ሆንግኮንግ ክርስቶፎር ፓተንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እንግሊዝ ነበር ማልኮለም ሪፍኪንድ እዩ ተጻሒፉ።

ሕዚ ግን ከካብ 23 ሃገራት ዛጊድ 186 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ፊርኦም ኣዕሊቦምሉ ኣለዉ።

እቲ መግለጺ ተቓውሞ፡ መንግስቲ ቻይና ዝርቅቖ ዘሎ ኣብ ግዝኣት ሆንግኮንግ ሓድሽ ናይ ድሕነት መሓውራት ክዝርግሕ ዘኽእል ምኳኑ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ስጉምቲ ድማ፡ ሆንደግ ኮንግ ኣብ 1997 ናብ ቻይና ክትጽምበር እንከላ ዝተፈረመ ሓበራዊ ውዕል ዘፍርስ ምዃኑ የረድእ።

"ቻይና ኣብ ጉዳይ ሆንግኮንግ ዝኣተወቶ ቃል ትዓጽፍ እንተኾይና፡ ኣብ ካሊእ ጉዳያት'ውን ሰብ ኣይክኣምናን" ዝብል ይርከቦ እቲ መገለጺ ተቓውሞ።

ክታሞም ካብ መንጎ ዘዕለቡ ገለ 17 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣመሪካ ዝርከብዎም ኮይኑ ብፍላይ ድማ፡ ሓለፍቲ ቀዋሚ ኮሚተ ድሕነትን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢን ኣለውሉ።

ኣብ ብሪጣንያ ድማ፡ 44 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝፈረሙ ኮይኖም፡ ሓላፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻእን ገለ ኣባላት ካቢኔን ይርከብዎም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ብሰንኪ ጉዳያት ንግድን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ርክብ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን እዩ።

ትራምፕ፡ መንግስቲ ቻይና እዚ ሕጊ ዘጸድቕ እንተኾይኑ፡ ኣመሪካ ቅድም ክትብል ንሆንግኮንግ እትህባ ዝነበረት ጥቕማ ጥቕምታት ንግዲ ጠጠው ከብል ከምዝኽእል ኣንፊቱ ኣሎ።

ቻይና እዚ ሕጊ ንምንታይ እያ ኣንቂላቶ?

ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበረትን ንቻይና ገዲፋትላ ዝወጸት ሆንግኮንግ፡ ብርትዕቲን ዓብዪ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዋን ርአሰ-ምምሕዳር ዝወነነት ዓዲ እያ።

መንግስቲ ቻይና፡ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ኣብ 1997፡ ተግባረዊ ክገብር ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ወጺኡ ተቓውምኡ ኣስሚዑ እዩ ደው ኣቢልዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ቻይና ምምሕዳር እዛ ግዝኣት 'ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ምሃብ' ዝብል ሕጊ ክተጽድቕ እንትብል ንወርሓት ዝኣክል ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም።

መንግስቲ ቻይና ንሓዋሩ ከምዚ ዓይነት ሰልፍታት ተቓውሞ ከይድገም ንምኽልካል ዝዓለመ ሕጊ እዩ ሒዙ መጺኡ ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ።

መንግስቲ ቻይና ኣብ መጻኢ ዓመት ወርሒ መስከረም ዝካየድ መረጻ ሆንጎኮንግ'ውን ዘስገኦ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ከባብያዊ መረጻ ዝተርአየ ዓወት ተቓወምቲ ሰልፍታት እንድሕር ተደጊሙ፡ ዝኾኑ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝነቕሉ መንግስታዊ ሕግታት ብቐሊሉ ክንጸጉ ይኽእሉ እዮም።