ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከይፍጠር ዓለም ዝካኣላ ክትገብር ኣለዋ- ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት

ዓለም፡ ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከይፍጠር ዝክኣላ ክትገብር ኣለዋ ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ናይቲ ውድብ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ "ክልተ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት" ዘሎ ወጥሪ፡ ዓለም ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ተምርሕ ምህላዋ ኣጠንቂቑ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዳርጋ ብምልኡ ብመንገዲ መርበብ ኢንተርነት'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ኣኼባ ዝበዝሑ መራሕቲ ዓለም ብኣካል ኣብቲ ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ውድብ ተረኺቦም መደረታቶም ዘስምዕሉ'ዩ ነይሩ።

ሎሚ ግን፡ መራሕቲ ዓለም፡ መልእኽቶም ብቪድዮ መሊኦም ክሰዱ፡ ኮቪድ-19 ኣገዲዱዎም ኣሎ።

"ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣንፈት ኢና ነምርሕ ዘለና" ክብል ዋና ጸሓፊ ጉተረስ ካብ ህንጻ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ተዛሪቡ።

"ነቲ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ቁጠባ ዝኾና ሃገራት ብዝተፈጥረ ነቓዕ ዝህሉ ምምቕቓል ዓለም ክትጻወሮ ኣይትኽልን'ያ" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ'ሎ።

ጉተረስ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ ብድሆ ምዃኑ ብምስማር፡ ንዝመጽኡ ዓበይቲ ብድሆታት ናይ መጠንቀቕታ ደወል ምዃኑ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ እንታይ በለ?

እቲ ቭቪድዮ መደርኡ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ንቻይና ዝሃርም መደረ ኣስሚዑ።

ኣብ መደርኡ፡ ኮሮናቫይረስ "ካብ ቻይና ወጺኡ ንዓለም ክልብድ" ዝገበረት ቻይና ምዃና ከሲሱ።

"እታ ኣብ ዓለም ፌራ ዝፈነወት ቻይና ክትሕተት ኣለዋ" ክብል'ውን ሓቲቱ። ተላባዒ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ድሕሪ ምቕልቃሉ'ዩ ብናህሪ ዶባት ዓለም ሰጊሩ።

ኣብ ጉዳይ ዓለምለካዊ ምትሕግጋዝ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ "ሓቀኛ ምትሕግጋዝ ዝፍጠር ቅድም ንዜጋታትካ ምስ ኣለኻ ጥራይ'ዩ" ኢሉ። ንሱ፡ "ኣመሪካ ትቕደም" ዝብል ፖሊሲ ሒዙ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ይዝከር።

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ተጓናጺፈዮ ዝበሎ ዓወታት ድሕሪ ምድርዳሩ፡ ብዘይልሙድ ኣገባብ ንመቀናቕንቱ ዝኾነ ጆ ባይደን'ውን ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደረ ኣይነሓፎን።

ግብረመልሲ ቻይናኸ?

ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድሕሪ ትራምፕ መደርኡ ዘስምዐ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ብወገኑ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ "ፖለቲካዊ" ክንገብሮ የብልናን ክብል ተማሕጺኑ።

ነገራት እንተ ዘይሃዲኦም፡ "ናይ ስልጣነ ረጽሚ" ከጋጥም ከም ዝኽእል'ውን ኣጠንቂቑ።

"ንፍልልያት ንምጽባብ እናሰራሕና፡ ምስ ካልኦት ንዘለና ምስሕሓባት ብልዝብን ዘተን ክንፈትሖም ኢና። ገዛእ ርእስና ጥራይ ከነማዕብል ኣይክንህቅንን ኢና" ይብል እቲ ቻይናዊ መራሒ።

ቻይናን ኣመሪካን፡ ኣብ ጉዳያት ንግዲን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ንሓድሕደን ክሰሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።