እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ውሃን ብምቕላሓ ንሓሙሽተ ዓመት ከእስራ ዝኽእል ክሲ ዝተመሰርታ ቻይናዊት ጋዜጠኛ
ብዛዕባ ኣብ ውሃን ዝጀመረ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጸብጻብ ዘቕረበት ቻይናዊት ጋዜጠኛ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክእስራ ዝኽእል ክሲ ከምዝተመስረታ ሓዲሽ ዝወጽአ ጸብጻብ ኣቃሊሑ።
እዛ ጓል 37 ዓመት ጠበቓ ዝነበረት ዝሃንግ ዘሃን ዝተብሃለት ጋዜጠኛ ኣብ ወርሒ ግንቦት እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።
እታ ጋዜጠኛ ከምቲ ንብዙሓት ቻይናውያን ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝቐርበላ ክሲ፡ ‘ባእስን ጽልእን ኣጓሃሂርኪ’ ዝብል እዩ።
ዝሃንግ ዘሃን፡ ብዛዕባ ውሃን ጸብጻብ ኣቕሪብኪ ተባሂላ ዝተኣሰረት ናይ መጀመርታ ጋዜጠኛ ኣይኮነትን፡ ብውሕዱ ምስቲ ኣብ ውሃን ዝጀመረ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ሓደ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተጨውዮም ኣበይ ምህላዎም ከምዘይፍለጥ እዩ ዝግለጽ።
ብመሰረት እዚ ወጺኡ ዘሎ ሓዲሽ ጸብጻብ፡ ዝሃንግ ዘሃን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ውሃን ብምኻድ ብዙሕ ጸብጻባት እያ ሰሪሓ።
ብመሰረት ዘይመንግስታዊ ትካል ተጣቒ ሰብኣዊ መሰላት ቻይና (ሲኤችኣርዲ) ዘወጽኦ ጸብጻብ ካልኦት ዝተኣሰሩ ናይ ውልቀ ጋዜጠኛታት ከምዘለዉን፡ ስድራ ግዳያት ብዛዕባ ምእሳር መቕርቦም ተሓታቲ ክህሉ ሕቶ ኣብ ዘቕረብሉ ምግፋዕ ከምዘጋጠሞም ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ።
ዝሃንግ ዘሃን ኣብ 14 ግንቦት ከምዝጠፈአት ሲኤችኣርዲ ይሕብር፡ ድሕሪ መዓልታተ ግን ካብ ውሃን 640 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ሻንግሃይ ተሓይራ ምህላዋ ክረጋገጽ ክኢሉ።
ዝሃንግ ዘሃን ኣብ 19 ሰነ ኣብ ሻንግሃይ ተኣሲራ ከምዘላ ብወግዒ ተሓቢሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ማእሰርታ ኣብ 9 መስከረም ምስ ጠበቓኣ ክትራኸብ ፍቓድ ተዋሂብዋ።
ሲኤችኣርዲ፡ ዝሃንግ ዘሃን ኣብ ልዕሊኣ ዝተበየነ ማእሰርቲ ብምቅዋም ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ኣካይዳ ምንባራ ብምግላጽ፡ ጠበቓኣ ዕለተ 18 መስከረም ተደዊልዎ ክሲ ከምዝተመስረታ ተሓቢሩ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ።
ዝርዝራዊ ክሲ ዝሃንግ ዘሃን ስኑዕ ዝኾነ ሓበሬታ ብጽሑፍ፡ ብቪድዩን (ዩ ትዩብን ቻትን) ብካልእ መልክዕን ኣመሓላሊፋ ዝብል ዝርከቦ’ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ናይ ደገ ማዕከናት ዜና ቃለ መሕተት ብምግባር ብዛዕባ ኣብ ውሃን ዝተኸሰተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ‘ከክፍኡ ነዚሓ’ ዝብል’ውን ይርከቦ።
ዝሃንግ ዘሃን በዚ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክትእሰር ትኽእል እያ።
ዝሃንግ ዘሃን መንግስቲ ቻይና ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን ዝጠማመታ ዘሎ።
ብመሰረት ካብ ሲኤችኣርዲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፖሊስ ሻንግሃይ ኣብ መስከረም 2019 ብዛዕባ እቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት 'ተደናጊጽክን ኣቃሊሕኽን' ኢሎም ኣሲሮማ ነይሮም’ዮም።