ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ናይ ምዝካር ክእለትኩምዶ ጎዲሉ? በሉ እቲ ምኽንያት እዚ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Sean Gladwel/Getty Images
ምስ ምምጻእ ኮሮናቫይረስ፡ ዝበዛሕና ኣገባብ ኣነባብራናን ኣሰራራሓናን ተቐይሩ’ዩ፡ ማሕበራዊ ርክባት ተሪፉ ዕጽዋ’ውን ተወሲኽዎ። በሉ እዚ ንናይ ምዝካር ክእለትና የዳኽሞ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።
ድሕሪ ኣዋጃት ዕጽዋ፡ ናብ ሓደ ሰብ ‘ኢመይል’ ክትጽሕፍ ኢለካ እንተረሲዕካዩ፡ ክትብሎ ዝደለኻ ቃለ ምድማጽ እንተኣብዩካ፡ ጸባ ክትገዝእ ኢልካ ናብ ዱኳን ኬድካ ካብ ገዛ እንታይ ክትገዝእ ከምዝወጻእካ ምስ እትርስዖ፡ ኣይትጨነቕ ኣብ በይንኻ ዘጋጥም ዘሎ ክስተት ኣይኮነን።
ድሕሪ ምኽሳት ኮሮናቫይረስን ዝሰዓበ ዕጽዋን ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ጸገማት ኣማዕቢሎም እዮም።
‘ናይ ሰባት ናይ ምዝካር ክእለት ቅድምን ድሕርን ኮቩድ 19’ ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣዝዩ ደቂቕን ዓሙቕን ዝኾነ መጽናዕቲ ንምክያድ ገና ግዜ እኳ ዘድሊ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዝተኣከበ መርትዖታት፡ ካብቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተነጺሎም ክነብሩ ዝተገደዱ ሰባት ልዕሊ ፍርቆም ናይ ምዝካር ጸገም ኣማዕቢሎም ምህላዎም ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ኢርቪን ፡ ዕጽዋታት ኣብ ምስካር ዘስዓቦ ጸገማትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ዓሚቕ መጽናዕቲ ተጀሚሩ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ብዘሎ ጸብጻባት እቶም ብምዝካር ኣዝዩም ፍሉያት፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝገበርዎ ንጥፈታት ክዝክሩ ዝኽእሉ ከይተረፉ ኣብዚ ሕጂ ነገራት ክርስዑ ጀሚሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሰብ ዝተፈላላየ ናይ ምዝካር ክእለት እዩ ዘለዎ፡ ክትገዝኦ ዝሓሰብካ ምርሳዕ ካብ ስም ናይ ሓደ ሰብ ምርሳዕን ዝሓለፈ ረቡዕ ዝገበርካዮ ንጥፈታት ምርሳዕን ይፈላለ’ዩ።
ተመራመርቲ ንሓደ ነገር ንኽትዝክሮ ምስኡ ዝተሓሓዙ ሓንጎልና ዝኽዝኖም ነገራት ኣለዉ፡ ሕጂ ግን ኣብ ገዛ ተዓጺና ንውዕል ስለዘና ሓንጎልና ነቲ ንደልዩ ፈልዩ ንኸውጽኣልና ይሽገር ምህላዉ እዩም ዝሕብሩ።
እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ቀንዲ ሮቋሒ ኢሎም ዝጠቅስዎ ተነጽሎ እዩ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ማሕበራዊ ርክባት ስለዝዛሕተለ እዚ ንናይ ምዝካር ክእለትና ብኣሉታ ከምዝጸልዎ ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብቶም ኣቐዲሞም ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ሕማም ረስዒ ኣማዕቢሎም ዝጸንሑ እዚ እዋን ኣዝዩ ሃሳዩ ምኳኑ የረድኡ።
ብርግጽ እዩ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ኣይኮነን ኣብ ዕጽዋ ኣእትይዎ፡ ገለ ሰባት ሞይኦም ካብ ገዛ ወጺኦም ክሰርሑ ስለዘገድድ ካብ ገዛ ክወጽኡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
እቲ መጽናዕቲ’ውን ነዚኦም ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለዝተኻየደ፡ እቲ ናይ ምዝካር ጸገማት ኣብቶም ካብ ገዛ ወጺኦም ክሰርሑ ዕድል ዝረኸቡ ሰባት ዝሓሸ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ።
ሰባት ናብ ስራሕ ከይዶም ምስ መሳርሕቶም ወኻዕካዕ ዝብልሉ ዕድል ውሑዱ’ዩ፡ ካብ ስራሕ ተፈዲስካ ኣብ ዝመቸኣካ መዘናግዒ ቦታ ኬድካ ‘ሆ’ ምባል የለን፡ ንመሓዙትካ ጸዊዕካ እዛ ክዳን ጽብቕቲዶ ኣራእያኒ’ባ ክገዝኣ ደልየ እትብልሉ ዕድል የለን።
እዚ ደቐቕቲ ዝመስል ንጥፈታት ሓንጎልና ነገራት ንኽንዝክር ዝድርኽ ተዘክሮታት እዩ ዝኽዝን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ብዙሓት ሰባት ሰለዘይንራኸብ ንለዋወጦ ሓሳባትን ንነጋገሮ ዛንታታትን ውሑድ እዩ፡ ዓበይቲ ዓመታውያን በዓላት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣይተኻየዱን፡ መርዓታት ተናዊሖም እዮም፡ ሙዚቃዊ ምርኢትን ንጥፈታት ስፖርትን ብዘይ ተዓዘብቲ እዮም ዝካየዱ ዘለዉ፡ እዚታት ዘይምሃዉ ኸኣ እቲ ምስ ሰብ ነዕልሎ ዛዕባታት ይውሕድ እዩ።
'ብማሕበራዊ መራኸቦታት እንደሞ ንራኸብ ኣለናን' ትብሉ ትኾኑ፡ እንተኾነ እዚ ምስቲ ብኣካል ተራኺብካ ትዝትዩ ኣይወዳደርን፤ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ክኢላ ስነኣእምሮ ደይሊ ፋንኮርት ምስ ጉጅለኣ ብምኳን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከቡ ሰባት ምስ ክስተት ኮሮናቫይረስ ሰባት ከመይ ኣለዉ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ትርከብ።
ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ ሻቕሎትን ጭንቐትን ሰባት ከምዝወሰኸ ብምሕባር ቀስ እናባለ ክጎድል ተራእዩ እዩ እንተኾነ ናይቶም ልዕሊ ፍርቂ ካብቲ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምጅማሩ ዝነበሮ ክብ ኢሉ ከምዘሎ እየ እትሕበር፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ በይኖም ዝነብሩ፡ ምስ ህጻናት ዝነብሩን ኣብ ገጠራት እናነበሩ ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን እቲ ሻቕሎትን ጭንቐትን ክብ ከም ዝበለ ትሕብር።
ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ዓባይ ብርጣንያ ዝገበሮ መጽናዕቲ’ውን ድሕሪ ኮሮናቫይረስ መጠን ቅዛነት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ እዩ ዝሕብር።
ቅዛነትን ጭንቐትን ብቐጥታ ኣብ ናይ መዝካር ክእለት ኣሉታዊ ጽልዋ ስለዘለዎም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንሱ ምዃኑ ይሕበሩ።
ሓደ ነገር ክንዝክረ ምስ እንደሊ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮን ንሕና ከይተረደኣና ነቲ ነገር ንኽንዝክር ዝሕግዙ ኣብ ውሽጢ ሓንጎልና ሓንጎልና ይኽዘኑ እዮም።
እዚ ነቲ ክንዝክሮ ዝደለና ነገር ንኽንዝክር ከም ኮድ ኮይኑ ብልጭ ይብል እሞ ናብቲ ክንዘክሮ ዝደለና ነገር ይወስደና።
ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ሰብ ኣብ ገዛ ኮይኑ ይስርሕ ስለዘሎ ምስ ጆን እናኣዕለለ ኣብታ ሰድያ፡ መስ ጁልያ እናኣዕለለ ኣብታ ሰድያ፡ ምስ ኣዲኡ ከዕልል ኣብታ ሰድያ፡ ምስ ሓፍቱ ከዕልል ኣብታ ሰድያ ኩሉ ብማሕበራዊ ሚድያ እዩ።
ስለዚ ነቲ ምስ ክሎም ዘዕለሎ ክፈላልየሉ ዝኽእል ምስቲ ዕላል ዘተሓሕዝ ዝተፈለየ ነገር ኣብ ሓንጎሉ ንኸኽዝን ዝሕግዝ ሃዋሁ የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ዕላል እናኣዕለልና ኣብ ከባቢና ንርእዮ ነገር ሓንጎልና ኣብ ተዘክሮና ንኽኽዝኖ ምስኦም የተኣሳስሮ’ዩ።
ፕሮፌሰር ካትሪን ላቭደይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዌስትሚስተር ክኢላ ስነ ተገንዝቦን ኔሮሳይንስን እያ “ኣብ ፕያኖ እቶም ጸሊም ጸሊም ዝጥወቁ ኣበይ ንሃርም ኣለና ንኽንዝክር ዝሕጉዙ እዮም እሶም ዘይብሉ ግን ፕያኖ ምጽዋት ኣዝዩ መጸገመና፡ ንጥፈታትካ ሓደ ካብ ሓደ ዝፈላሊ ኣብ ዘይብሉ ንዝሓለፈ ነገራት ክትዝክር ምፍታን ከኣ ልክዕ ከምኡ እዩ” ትብል።
ሰብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዝእከበሉ ቦታ ፍሉጥ፡ ሻሂ ዝሰትየሉ ዝተፈለየ፡ ኮፍ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዝተፈለየ እዚ ድማ ናብ ጣውላኻ ከይድካ እንታይ ትገብር፡ ኣብ ኣኬባ ክትከውን እንከላኻ ዝተዛረብካዮን ካልኦት ዝተዛረብዎን ምስቲ ሽዕኡ ትርእዮ ንጥፈታት ተሳንዩ ሓንጎልና መዘከሪ ዝኾኖ ጨንፈር ክረኽበሉ ኣይጽገምን እዩ።
ምስ ሓላፊኣኻ ኣብ ኣፍደገ እቲ መአከቢ ኣዳራሽ ኮይንካ ዘዕለልካዩ እቲ ደው ኣባሃህላኹም ነቲ ተበሃሃልክሞ ንኽትዝክሮ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Robert Reader/Getty Images
ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግን ዝበዝሐ ኣኼባታት ‘ብዙም’ ዝብሃል መተግበሪ ይካየዱ ስለዘለዉ ሓንጎልና ሓደ ካብ ክልተ ክፈላልየልና ይጽገም ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኩሉ እንገብሮ ኣኬባታት ኣብ ሓንቲ ቦታ ኮይናን ኢና ነካይዶ፡ ኣብ ውሽጡ ገዛና።
ፕሮፌሰር ካትሪን ላቭደይ ኣነባብራና ኣብ ሓደ ዕጹው ነገር ኮይኑ ተደሪቱ ስለዘሎ ንናይ ምስካር ክእለትና ኣዝዩ ሃስይዎ ምህላዉ እያ ትሕብር።
ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ስራሕ ኣብ እንኸደሉ ካብቲ ንቤተ እጽሕፈት ኢና ኢልና ክዳን ምቕያር ኣትሒዝና ክሳብ ኣብ ስራሕ ውዒልና ናብ ገዛ ንምለሶ ኣብ ሓንጎና ብዙሕ ነገር እናኸዘንና ኢና ንኸይድ። ሎሚ ሎሚ እዚ የለን።
እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንናይ ምዝካር ክእለትና የዳኽሞ ከምዘሎ ከኣ እዞም ተመራመርቲ ይሰማምዑ።
ፍታሕ ዘይብሉ ግን ከይመስለኩም
እቲ ጽቡቕ ነገሩ ድሮ ንኸምዚ ዓይነታት ጸገም ተቃሊዕና እንተሃሊና እቲ ፈውሱ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ።
ቅድሚ ሕጂ ከይድክሞ ዘይትልጡ ጎደናታት ምኻድ ንናይ ምዝካር ክእለትኩም ከሐድሶ እዩ።
ብዙም ኣኬባ ኣብ እትገብርሉ ንምንታይ ኣብ ሓንቲ ጣውላ ኮይንኩም ነቲ ኣኬባ ተካይድዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ገዛ ውጽእ ኢልኩም ብእግርኹም እናተንቀሳቀስኩም ነቲ ኣኬባ ኣካይድዎ ወይ ነቲ ኣኬባ ተኸታተልዎ።
ቴሌፎን ኣብ እትደዋወልሉ’ውን ብተመሳሳሊ ተንቀሳቐሱ።
ኣብ ሞንጎ ቀዳመ ሰንበትን ናይ ስራሕ መዓልታትን ዘሎ ፍልልይ ኣኽብረዎ፡ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እንተኾይኑ ከተዕርፉ ፈትኑ።
ፕሮፌሰር ካትሪን ላቭደይ ካብ ገዛ ክንወጽእ ዘይንኽእል እንተኾይንና ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜና ዝተፈለየ ንጥፈታት ምክያድ ንነብስና ነላምዳ እያ ትብል።
እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንናይ ምዝካር ክእለትና ናብ ንቡር ከምዝመልሶን ክብ ከምዘብሎን ድማ እዞም ተመራመርቲ ይሰማምዑ።
ካብዚ ብተወሳኺ ንሎሚ ክትገብርዎ ዝሓሰብኩሞ ንጥፈታት ብጽሑፍ ምስፋሩ እውን ሓጋዚ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







