እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ራያን ሽረን ከምዝኣተዉ ሓቢሩ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ንሽረን ራያን ተቖጻጺሮም ናብ መቐለ ይግስግሱ ከምዘለው ገሊጹ።
ዶክተር ደብረጽየን እውን ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ፌዴራል ሽረን ራያን ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ገስጋስ ንምዕንቃፍ፡ ናብ መቐለ ዝወስዱ ድልድላት ከም ዘፍረሱ ከሲሱ።
ዶክተር ደብረጽየን ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ሽረ ብነፈርቲ ደብዳብ ብምክያድ ሲቪላት ከምዝተጎድኡን፤ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝኣተዎም ከባብታት ህዝቢ ከምዘበሳብሱን ከሲሱ።
ኣብዚ ክልተ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ጎንጺ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕበር።
ብወገን ትግራይ ኣገልግሎት ቴለፎን ተቋሪጹ ብምህላው ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሰሉስ "እቲ ናይ መወዳእታ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት ክካየድ እዩ" ብምባል ኲናት ናብ ምዝዛሙ ይቃረብ ከም ዘሎ ኣተምቢሁ ነይሩ።
ኩናት ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላው
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተሰዱ ተፈሊጡ። ሰብኣዊ ቅልውላው
ክብእስ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ሕጂ ዝግለጽ ዘሎ ምዕባለታት ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዩኤንኤችሲኣር ሓቢሩ'ሎ።
ደብዳብ ነፈርትን ሰብኣዊ ሃስያን
ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣማኻሪ ህወሓት፡ ፍስሃ ተሰማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሓይልታት ፌደራል ኣብ መቐለ ሲቪላዊ ዕላማታት ይድብድቡ ከም ዘለው ተዛሪቡ።
"[ህዝቢ ትግራይ] ዝኣበሶ የብሉን፡ ኣብ ገዝኦም ኣብ ቤተክርስትያን እዮም ዘለው" ኢሉ።
መንግስቲ ፌደራል ግና እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ንሓይልታት ትግራይ ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ክሲ፡ ነጺግዎ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ቁጽሮም ዘይገለጾም ብዙሓት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊቱ ተሰሊፎም ምህላዎም ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ መንግስቱ "ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ንዘለው ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ክቕበሎምን ዳግም ክጽንብሮምን ድልው እዩ" ኢሉ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
እቲ ጎንጺ ካብቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ዝነቐለ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነቲ ኣብ ሰነ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣሰጋገሮ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ዓሪጉ።
ህወሓት ንማከእላይ መንግስቲ ዘይሕጋዊ'ዩ ብምባል ኣቢይ ነታ ሃገር ክመርሕ ስልጣን የብሉን ይብል።
ማእከላይ መንግስቲ፡ ህወሓት ኣጽዋር ንምስላብ፡ ንወተሃደራዊ መዓስከ ከም ዘጥቅዐ እኳ እንተከሰሰ፡ ህወሓት ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዚዙ።