እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንፕረዝደንት ኣሜሪካ እንኳዕ ደስ በለካ ዘይበሉ መራሕቲ ኣየኖት እዮም?
ጆ ባይደን ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ድሕሪ ምምራፁ፡ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም፡ ናይ እንኳዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ገሊፆም እዮም።
እንተኾነ ብዙሓት ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ድማ፡ ን ጆ ባይደን "እንኳዕ ኣሐጎሰካ" ኣይበሉዎን።
ካብ መንጎ እዞም ሓጎሶም ዘይገለፁ መራሕቲ፡ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ይርከቦም።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ዶናልድ ትራምፕ ተዓዋቲ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ምስ ኮነ፡ ፑቲን ቀዲሞም እንኳዕ ደስ በለካ ካብ ዝበሉ መራሕቲ ሓደ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 2020 ጆ ባይደን ምስ ተዓወተ ግን፡ ብመገዲ ትዊተር ኮነ ብስልኪ ዝኾነ ዓይነት መልእኽቲ ኣየሕለፈን።
ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲምትሪ ፔስኮቭ፡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስበለካ ንምልኣኽ ዝደንጎየ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ውፅኢት እቲ መረፃ ክሲ ስለዝመስረተ እዩ ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ውፅኢት እቲ መረፃ ብወግዒ ክሳብ ዝንገር ይጽበዩ ምህላዎም ተዛሪቡ።
እንተኾነ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስቲቭ ሮዝንበርግ፡ ካብ ሞስኮ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለካ ዘይተልኣኸ፡ በቲ ውፅኢት ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ክትጠራጠር ዝገብር እዩ ኢሉ።
ቀንዲ ነቓፊ ሩስያ ዝኾነ ጆ ባይደን፡ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዘ ናይ ኣሜሪካ ዓባይ ፀላኢት ሩስያ እያ ኢሉ ነይሩ። ኣብ መረፃ 2016 እውን፡ ሩስያ ኢዳ ከምዘእተወት እዩ ዝኸስስ።
ካልእ ዝኾነ ዓይነት ርኢቶ ዘይሃበ ድማ፡ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን እዩ።
ፕረዝደንት ኤርዶጋን፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ስልኪ ደዊሉ እንኳዕ ደስ በላካ ዝብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ እንክዕወት እውን፡ ናይ እንኳዕ ደስ በላካ መልእኽቱ ገሊፁ ነይሩ።
ኤርዶጋን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ስጡም ርክብ እዩ ነይርዎ። ኣሜሪካ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ክግበሩ ዝነበሩ ማዕቐባት'ውን ተኸላኺላትላ እያ።
ብመሰረት እዚ ድማ፡ ፕረዝደንት ኤርዶጋን ክሳብ ሕዚ ሱቕ ዝበለ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ከየቐይም ምዃኑ ገለ ተንተንቲ ይገልፁ ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ቱርክን ጆ ባይደንን ዝህልዎም ርክብ ኣብ መጻኢ እንሪኦ እዩ።