እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህልዊ ኩነታት ትግራይ እንታይ ይመስል?
ትማሊ ኣብ መቐለን ኣብ ገለ ኸባብታትን ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ሰሜን እዝን ብዝተላዕለ ጎንጺ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ከም ዝተቛረጸ ይፍለጥ።
ካብ ሎሚ ወጋሕታ ኣትሒዙ ድማ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ፣ ኩሎም ባንክታት ተዓፅዮም ኣለው።
ቤት ፅሕፈት ኢትዮ ቴሌኮም ዝተዓጽወ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ደው ኢሎም ይረኣዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ምንቅስቃስ ካብን ናብን ከም ዘይፍቀድ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣብ ከተማ መቐለ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ብእግሩ ክጉዓዝ ከምዝረእየ ሪፖርተር ቢቢሲ ትዕዝብቱ ገሊጹ።
በቲ ኩነታት ህዝቢ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግር ኢልዎ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።