መግለጺ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ?

ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ብምክያድ፡ "ታሪኻዊ " ዝበሎም ውሳነታት ከምዘሕለፈ ወላ እኳ ዕላዊ መግለፂ እንተዘይሃበ: ኣባላት መሪሕነት እቲ ሰልፊ ኣብ ውልቀ መረባ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፆም እዮም።

ትማሊ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ: ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረምካኤል ኣብ ዝሃብዎ መንግስታዊ መግለፂ: "መንግስቲ ፈደራል ሓይሊ ክጥቀም ይዳሎ ኣሎ" ብምባል ህዝቢ ንመኸተ ክዳሎ ፀዊዖም እዮም። ብዛዕባ እዚን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪትና ንኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቲትና ኣለና።

ቢቢሲ ትግርኛ: ቀንዲ መበገሲ እቲ መግለፂ እንታይ እዩ? መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንምውሳድ ዝሃቀኖ ወይ ድማ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣሎ ዶ? ሓይሊ ክጥቀም ይዳሎ ኣሎ ዘብል መበገሲ ኣበይን መዓዝን ስለዝተርኣየ እዩ ህዝቢ ንመኸተ ተፀዊዑ ዘሎ?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ: ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ መገዲ ምዕፃው ኣትሒዙ ንትግራይ ኣብ መፃብብ ንምእታው: ብሰፊሑ ይካየድ ነይሩ። ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን እውን ዝተሰርሑ ሽርሕታት ነይሮም። እዚ ኹሉ ፀይርናን ክኢልናን መፂና ኢና።ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን በቲ ኣብዪ ኣሕመድን ጉጅልኡን ዝደልይዎ መንገዲ ከምዘይንኸይድብፍላይ ሓደ ግዜ ኮምሽን መንነት ይብሉ: ንሱ ክጥብሮም ዝደልዩ ሓይልታት ትምክሕቲ: ከምዘይንኸይድ ምስተፈለጠ: ምርጫ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣናዊሖም።

ናይ ሓደ ሰብኣይ ውልቀ መላኽነት ዘረጋገፀ ስርዓት ከጣይሹ ኣብ ኣደባባይ ስራሕ ጀሚሮም ኣይተቐበልናዮምን:: ንሕና መረፃ ኣካይድና።ሽዑ ይፍክሩ ነይሮም:: መረፃ እንተካይድኩም ሓደ ነገር ክንገብረኩም ኢና ኢሎም:: ብድሕሪኡ ከምዘይከኣል እናፈለጡ ምስ መጽኡ ሓሳቦም እናቐየሩ ከይዶም።

ሕዚ ግን ብግልፂ ባዕልና ዝኣከብናዮን ተመሊሱ ናባና ዝመፅእን በጀት ምንካይ: መደብ ሴፍትኔት ምኽልካል: ናብ ትግራይ ናብ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽልካል: ሕሉፍ ሓሊፉ ድሕር መስከረም 25 ሕጋዊ ስልጣን ከምዘይብሎም እናፈለጡ ናይ 'ኣስመላሽ ኮሚቴ ኣጀንዳ ከፈፅም ዝኽእል ሓድሽ' 'ሰሜን ምዕራብ' ወተሃደራዊ እዚ ኣጣይሽና ሓደሽቲ መሪሕነት መዲብና ኢሎም እቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝጀመርዎ ክባ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘብፅሕሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

ኣብዪ ኣሕመድን ጉጅልኡን በጀት ካብ ምኽልካል ብተወሳኺ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ዝብል ኣብ ኣደባባይ ዝጀሃርሉ ብርኪ እውን በፂሕና ኣለና። እዚ ድማ ሕዚ ብዕሊ ምዝራብ ተዘይኮይኑ ቅድሚ ዝነበረ እምበር ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።ስለ'ዚ ቅድሚ ሕዚ ደርግ ካብ ዝሓሰቦ ብዝገደደ መንገዲ ህዝቢ ንምብርካኽ: ናብ ድከትን ፀልማት ንምእታው ዝግበር ምንቅስቓስ ብተግባር ይረአ ስለዘሎ: ነዚ ክንዳሎ ይግባእ።

ከም ውድብን መንግስትን ዝገበርናዮ ምድላው ከምዘለዎ ኮይኑ: እቲ ኵናት ህዝባዊ ኵናት ስለዝኸውን ሕድ ሕድ ቁሸትን መንደርን ፀላኢ ዘይትቕበል ክንገብራ ኢና። ካብ ሰሜን ይኹን ካብ ደቡብ ክቐብሩና ዝመፅኡ ፀላእቲ ኣለዉና: ክቐብሩና ኣይኽእሉን የግዳስ ንሳቶም እዮም ክቕበሩ ዝብል ምድላው ሒዝና ኢና ንንቀሳቐስ ዘለና።

ቢቢሲ ትግርኛ: ብኣንፃሩ ድማ መንግስቲ ትግራይ ስልጣኑ ከደልድል ንህዝቢ ናብ ዝኸፈአ ጎንፅን ሽግርን ንምእታው ይሰርሕ ኣሎ ዝብሉ ሓይልታት ኣለዉ ናብ ኵናት ዘእቱ ተኹታዃይ መግለፂታት ካብ ምቕራብ ክእርነብ ድማ ዝፅውዑ ዓለምለኸ ትካላት (ንኣብነት ኣይሲጂ)እውን ኣለዉመሪሕነት ህወሓት ነዚ እንታይ መልሲ ይህልዎ?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ: እንታይ ዓይነት ተኹታዃይ መግለፂ ኣቕሪብና። እቲ ዝስመዐና ኢና ንገልፅ። ክሳብ ሕዚ ክንዋጋእ ኢና ኣይበልናን እንተመፂኦምና ግን ዓርስና ክንከላኸል ኢና:: ንሳቶም እኮ ኣብ ኣደባባይ እዮም ዝዛረቡ: ወላ ሓንቲ ዘሰክፍ ነገር የብሎምን።ንሕና ደኣ ንምንታይ ክንስከፍ ይድለ?ኣይሲጂ እውን እቲ እሱራት ይፈትሑ ዝብል ቅዋምኩም ንምፍፃሙ ብጣዕሚ ስለዝኸብድስ እንተትገድፍዎ ዝሐሸ ኮይኑ ናብ ዘተ እንተትቐርቡ እዩ ዝብል።

ቅድም ቀዳድም ምስ ውድብ ብልፅግና ዘተ ዝበሃል ክሕሰብ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ናይ ኢትዮጵያ ሽግር ህወሓትን ብልፅግናን ዝፈጠርዎ ኣይኮነን።ካብ ናይ ብልፅግና ዓቕሚ ብላዕሊ እውን እዩ።ስለ'ዚ እቲ ፀገም ክፍታሕ እንተኾይኑ መንግስቲ ትግራይ: ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝሳተፍሉ ልዝብን እማመን ክካየድ ፃውዒት ኣቕሪብና ኢና።ካብዚ ወፃኢ: ከም ቅድመ ኩነት እሱራት ፍትሑ ምባል ከመይ ገይሩ ተንኳያይ ክኸውን ይኽእል?ናይ ኢሳይያስ ሓይልታት ፀጥታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክወፁኡ ኣለዎም ምባል ተንኳያይ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣይርድአንን።

መረፃ ክነካይድ ኣለና ምባልስ ስለምንታይ እዩ ኣብ ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ከም ዕንቅፋት ገይሩ ዝተወስደ? ተኹታዃይ መግለፂ ሂብና ኣይንፈልጥን።

ሕዚ እውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ኵናት ክፍጠር ኣይንደልን። ኵናት ንምውጋድ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኵናት እንተመፂኡ ግን ብዝመፅአሉ ኣገባብ ክነተኣናግዶ ኢና።

ቢቢሲ ትግርኛ: መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ኣዛዚ ሰሜን እዝ ሓይሊ ምክልኻል: ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከምዝመለሰ ይዝከር:: ገለ ወገናት እቲ ምኽልካል ንቶም ናይቶም ጀነራላት ዓሌት መሰረት ዝገበረ እዩ ብምባል ይነቕፉ:: ብስሩ ቀንዲ ምኽንያት ምብራር ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይሊ ምክልኻል እንታይ እዩ?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ: መንግስቲ ትግራይ ድሕር መስከረም 25 ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ሓድሽ ውሳነ ክውስን ኣይኽእልን። ሰራዊት ምክልኻል ስርሑ ክሰርሕ ኣለዎ። ካብ ወገን ኤርትራ ወራር እንተሃልዩ ክከላኸል ሕገ መንግስታዊ ግቡኡ እዩ:: ብሰንኪ ሰራዊት ሰሜን እዝ እኮ ዝተዘረገ ሰላምን ዝተፈጠረ ሽግርን የለን።

ድሕሪ መስከረም 25 ምትዕሪራይ ክንገብር ኢና ኢሎም: ናይ ኣስመላሽ ኮሚቴ ግዝኣት ንሓደ ወታደራዊ እዝ ክንህቦ ኢና ኢሎም። ንሕና ድማ ኣይንቕበልን ኢልና። ብተግባር ብሃገር ደረጃ ዝግበር እውን ኣይንቕበልን። እንተወሓደ ግን ንሕና: ንትግራይ ብዝጎድእ መንገዲ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምትዕሪራይ ኣይንቕበልን ኢና ኢልና።

ከም ኣጋጣሚ እቲ ዝመለስናዮ ብርጋዴር ጀነራል ጀማል መሓመድ እፈልጦ እየ። ትግራዋይን ትግራይን ዝፈቱ ቅድሚ ዝፈልጦ ካብ ልቡ ንህዝቢ ከገልግል ዝደሊ ሰብ እዩ። ሰለ'ዚ እቲ ምኽልካል ምስ መንነት እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ ኣይተኣሳሰርን።

ብተመሳሳሊ ንሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም እውን እፈልጦ እየ። ተጋዳላይ ዝነብረ ወዲ ብሄረሰብ ኣገው እዩ። ሕዚ እውን እቲ እገዳ ምስ መንነትን ኣተሓሳስባን እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ ወላ ሓንቲ ዘራኽብ ነገር የብሉን።ትግራዋይ ጀነራል እውን እንተዝመፅእ ነይሩ ክእሰር ወይ ክስጎግ ከምዝነበሮን ክፍለጥ ኣለዎ። ምኸንያቱ እቲ ስጉምቲ መትከላዊ እዩ።

ቢቢሲ ትግርኛ: ሕብረት ኣውሮጳ ንመንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን የዛቲ ከምዘሎ ፀብፃባት ይገልፁ:: ልክዕ ድዩ? እንተኾይኑ'ኸ እቲ ዘተ እንታይ ኣፍርዩ?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ: ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ትግራይ ዝሰደዶ ጉጀለ ኣይነበረን:: ዝተጀምረ ልዝብ እውን የለን። የግዳስ ሕብረት ኣውሮጳ ምክትል ሓለፍቲ ሚስዮናት ኣባል ሃገራት ቅዋም መንግስቲ ክልል ትግራይ ክንፈልጥ ደሊና ኢሎም ብስልኪ ተራኺብና ሓደ ሰዓት ዝኸውን መብርሂ ሂበዮም። ንቐፃሊ ክንረኽበኩም ኢና ኢሎም: ወዲእና።

ካብዚ ወፃኢ ዝተጀመረ ልዝብ የለን። መርገፂ እውን ግልፂ እዩ። ምስ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብልፅግና ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ንራኸበሉ ወላ ሓደ ምኽንያት የለን።ንኹሎም ሓይልታት ፖለቲካ ዘካተተ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ልዝብ እንተዘይኮይኑ: ምስ ብልፅግና ምስ ኣብዪ (ከምቲ ፈረንጂ ንረኣዩለይ ዝግበር ዝብልዎ በለፅ) ንራኸበሉ ምኽንያት የለን።

ቢቢሲ ትግርኛ: ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝበፀሐ "ጃምላዊ ቅትለት" ኢድ ህወሓት ኣለዎ ንዝብል ክሲ እንታይ መልሲ ኣለኩም?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ: ነዚ ክሲ መልሲ ምሃብ የሕፍር እዩ። ኣብ ኦሮምያ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ቤንሻንጉል: ኣብ ደቡብ ጉራፈርዳ: ኣምሓሩ ዝቕተልሉ ብጣዕሚ ዘሰቅቕ ተግባር ተፈፂሙ እዩ። መልሲ ክህቦም ኣይደልን። ናተይ እምነት: ኣብዪ ኣሕመድ ብህውከትን ዕግርግርን እዩ ዓዲ ከመሓድር ዝደሊ።

ወከልቲ ትምክሕቲ ንህዝቢ ኣምሓራ ናብ ድከትን ሞትን እናእተዉ: ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረኽቡ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ዝፈጠርዎ እዩ። እዚኦም ከኣ ናይ ኣብዪ ኣሕመድ መሳርሒ ኮይኖም እዮም። ህወሓት ናይ ሓቂ ንኣብዪ ናይ ምግላስ ድልየት እንተዝህልዎ ህፃናት ዝቐትለሉ ምኽንያት የለን። ኣዲስ ኣበባ ከይድካ ስጉምቲ ንምውሳድ ደው ዘብል ሓይሊ የለን። ኣብዪ ካብ ህዝቢ ዝተነፀለ: ብዕርግርን ደማውነትን ዓዲ እናገዘአ ክቕፅል ዝደለየ ሰብ እዩ። ብዝኾነ ንቲ ክሲ መልሲ ምሃብ ንባዕሉ ዘሕፍርን ዘሕዝንን እዩ።

ቢቢሲ ትግርኛ: ክብረት ይሃበልና

ኣይተ ጌታቸው ረዳ: የቐንየለይ።