መረጻ ትግራይ፡ ብስመ ለውጢ ንህወሓት ዋንጫ ዘዕተረ ስርዓት መረፃ ትግራይ

ባይቶ ትግራይ፡ መረፃ ክካየድ ኢሉ ምስ ወሰነ፡ እቲ ስርዓት መረፃ፡ በቲ ዝፀንሐ "ዝበዝሐ ድምፂ ዝረኸበ ፖለትካዊ ሰልፊ ስልጣን ይሕዝ" ዝብል ኣገባብን መስርሕ ሕግን ከም ዝትግበር ዘዘራርብ ኣይነበረን።

ኰይኑ ግና ባይቶ ትግራይ ሃንደበታዊ ህጹጽ ኣኼባ ፀዊዑ፡ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ 48 ብምምሕያሽ ስርዓት መረፃ ንምቕያር ተሓሲቡ'ሎ ብምባሉ፡ ብራቕ ተስፋ ከም ዝረአ ተኣመነ።

ባይቶ ትግራይ፡ ዓንቀፅ ሕገ መንግስቲ ብምምሕያሽ፡ 'ሕንፋፅ ተመዓዳዊ" ዝተባህለ ስርዓት መረፃ ኣፅዲቑ።

ሻቡ ኣብቲ ባይቶ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ምምሕያሽ ኢህወዴግ ብህይወት እንከሎ ክፍፀም ተሓሲቡ ዝነበረ እምበር ሕዚ ብር ኣቢልካ ዝመፀአ ከም ዘይኰነ ንኣባላት ባይቶ ተዛሪቦም።

ሕንፋፅ ተመዓዳዊ ስርዓት መረፃ እንታይ ማለት እዩ?

ተመሓይሹ ዝወጽአ ኣዋጅ መረፃ ትግራይ ቁፅሪ 355 ከምዚ ይብል፡

  • ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ስርዓት መረፃ እዚ ክልል ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓት ይኸውን
  • ብመሰረት እዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (1) ብሕጊ ካብ ዝተወሰነ ቁፅሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ (መቐመጢ ወናብር) ሰማንያ ሚእታዊ ተወዳደርቲ ብኣብዝሓ ድምፂ ሰዓርቲ ብዝኾኑሉ ስርዓት መረፃ ዝትሓዙ ኾይኖም፤ ካብዞም ጠቕላላ ወናብር ዕስራ ሚእታዊ ድማ ተወዳደርቲ ውድባት ፖለቲካ ዝተዓሸገ ዝርዝር ሕፁያት ውድብ ብምቕራብ ንተመጣጣኒ መረፃ ዝተመደቡ ወናብር ኣብ ዝርዝር ንክፍፍል መቐመጢ ብዝተቐመጠ መመዘኒ ይከፋፈሉ፣
  • ንተመጣጣኒ ውክልና ዝተመደቡ ወናብር ንምሓዝ ተወዳደርቲ ውድባት ፖለቲካ ዝተዓሸገ ዝርዝር ሕፁያት ውድብ ብምቕራብ ይወዳደሩ ይብል።

እዚ ስርዓት መረፃ ምስ ቀረበ፤ ዝበዝሕ ሰብ" እሞ እምበኣር ዝሰዓረ ይስዓር፡ እቲ ባይቶ ብኣባላት ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ጥራይ ኣይውነንን ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ቅድሚ ሎሚ 152 መናብር ዝነበረ እንትዀን 38 ወሲኹ 190 ክኸውን እዩ ስለ ዝተበሃለ እቲ ባይቶ ዝተፈለየ ቅዋምን ድምፅን ዘለዎም ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከተኣናግድ እዩ ዝብል ርድኢት'ዩ ኣሕዲሩ።

እቲ ኣዋጅ ቅድሚ ምጽዳቑ መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምዝታይ ናብ መኣዲ ምይይጥ ኣቕረቦ።

እቶም ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ዝቐረቡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ድማ፡ ኣብተን 80 ሚእታዊ ዝሕዛ 152 መናብር ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ኣብቲ ን20 ሚእታዊ ዝውክል 38 መናብር ክጫረት የብሉን ዝብል ቅዋሞም ብግልፂ ኣቕሪቦም።

ኰይኑ ግና እዚ ሓሳብ ብወገን ገዛኢ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ተቐባልነት ኣይነበሮን - ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ነፀግዎ።

ኣብዚ ጉዳይ፡ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ሕግን ፖለቲካን ከም ዝብልዎ፡ ህወሓት፡ ኣብቲ ኣብዝሓ ድምፂ ዝሕዝ 152 መናብር ክጐድለኒ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፡ ካብተን 38 መማልእቲ ንምርካብ እዩ እቲ ሕጊ ኣመቻቺኡዎ ይብሉ።

ብፍላይ ኣብ ገለ ከተማታት ትግራይ (ብፍላይ ኣብ መቐለን ዓዲግራትን) ክሰዓር እየ ዝብል ፍርሒ ኣሕዲሩ ነይሩ ይብሉ።

ብሰንኩ ድማ ኣብታ 80 ሚእታዊ ዝሓዝካዮ ድምፂ ሒዝካ ኣብቲ 20 ሚእታዊ እውን ምጭራት ስለ ዝከኣል፡ ህወሓት ካብተን 190 መናብር ነተን 189 ብሒቱወን።

ኣብዚ ንኣዳም ገረሞ ዝመሰለ ድንፅው ውሳነ ከኣ ዓብዪ ምስ ንኡስ ትግራዋይ ክዝትየሉ ቀንዩ።

ነቲ ኣዋጅ ብደመ ነብሱ ዘይተረድእዎ ሰባት ድማ፡ እሞ እምበኣር ህወሓት 152 መናብር ካብ ሓዘት እተን 38 ነቶም ተነሓናሕታ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ትሃቦም ይብሉ ኣለዉ።

ብኣንፃሩ እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ድማ፡ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ምጽዳቑ ተዛቲና፡ ሓሳብና ብግልፂ ነጊርናዮም ክሰምዑና ኣይከኣሉን።

ንስሙ እዮም ንዛተ ኢሎምና እምበር፡ ንሕና ዝሃብናዮ ርእይቶ ክብሪ ሂቦም ወላ ሓንቲ ሓሳብ ኣይተቐበሉናን ይብሉ።

ስለ'ዚ ወላ ዝተጋገየ ይንበር እቲ ዝፀደቐ ሕጊ ክትግበር ኣለዎ። ልዕልና ሕጊ ይከበር። ህዝቢ ዘይሃበና ድምፂ ኣይንቕበልን ዝብል ተሪር ቅዋም ሒዞም ኣለዉ።

ብዙሓት ሰባት ሕዚ'ውን ህወሓት ምስቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምልዛብ እተን 38 መናብር ትግደፈሎም ይብሉ ኣለዉ።

ወዮ ህወሓት እውን ኣይተጫኑን፤ እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት እውን ትሕረደና ይብሉ ስለ ዘለዉ እንታይ ከምዝስዕብ ምግማት ኣፀጋሚ እዩ።

መንፈስ እቲ ኣዋጅ ብዙሓት ኣይተረድእዎን ነይሮም።

ወላ እውን ኮሚሽን መረፃ ትግራይ፡ ነቲ ኣዋጅ ብኣግባቡ ተረዲኡ ነቲ ናይ መወዳእታ ውፅኢት መረፃ ዕላዊ ኣብ ምግባር ተደናጕዩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ነተን ዝተረኸባ ድምፅትታ ገቢጡን ቀሚሩን 189 መናብር ንህወሓት እዩ ዝግባእ ሓንቲ መንበር ድማ ንባይቶና ኢሉ ኣዊጁ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና) ከኣ፡ ንሕና ብዝተረደአና እንተዀይኑ፡ ብሕጊ እታ ሓንቲ መንበር ኣይትግበአናን፤ ኮምሽን መረፃ ብሕጊ ኣደጊፉ እንድሕር ኣረዲኡና ግና ክንቅበላ ንኽእል ኢና ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም ኣለዉ።

ህወሓት ተማህሊላ ዝረኸበቶ ፖለቲካዊ ክሳራ

መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ ኢህወዴግ ዝነበሮ ዙፋን ስኢኑ ናብ ትግራይ ምስ ተመለሰ፡ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ህወሓት ዝተሰለፈሉ ምስጢር፡ ' ካብ ናብ ዘይፈልጦ መልኣኽ ናብ ዝፈልጦ ሰይጣን' ክጽጋዕ ስለዝደለየ እዩ ይብሉ ብዙሓት ፖለቲከኛታት።

ደሓር እውን ነገራት እናገደዱ ምስ መፅኡ፡ ህዝቢ ትግራይ ሞት ንሞቱ ንህወሓት ምድጋፍ ዘዋፅእ ኰይኑ ስለዝረኸቦ፡ መሪሕነት ህወሓት ምስቲ ኩሉ ዝንቀፍ ኣካይዳኦም፡ ናይ ህዝቢ ደገፍ ረኺቦም።

ብፍላይ ድማ ወላ እኳ ለበዳኮሮና ይሃሉ፡ ብምሉእ ጥንቃቐ መረፃ ከነካይድ ኢና ዝብል ቅዋም ህወሓት ካብ ተቓወምታ እንከይቀረየ ልዑል ደገፍ ረኺባትሉ።

ነቲ መረፃ ዝፈታተኑ ካብ መንግስቲ ፈደራል ንዝውርወሩ ዝነበሩ ውሳነታት ሕጊ ከይተምበርከኸ ወፍሪ ቅድመ መረፃ ምክያዱ ካብ ብዙሓት ጣቕዒት ከሲብሉ።

እቲ ብቐደሙ ውልዕ ህልም እናበለን ሓጐፅጐፅን ሓሊፉ ናብ መረፃ ዝበፀሐ መስርሕ፤ እንተነኣሰ ሰላማዊ ከይዲ መረፃ ብምህላፉ ንብዙሓት አሐጒሱ እዩ።

ድሕሪ እቲ መረፃ፡ ህዝቢ ነገራት ተመሳቒሎምዎ ናብ ደንገርገር ኣተወ። እቲ ንዓመታት ዝሰምዖ ዝነበረ ንሚእቲ ሓደ ጎደል ዝብልዎ ዓወት ከምዘይተቐበሎ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ገለፀ።

ህዝቢ ኣብቲ ሕጊ ንፁር ግንዛበ ከሕድር ካልእስ ይትረፍ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ክዝረብ እውን ኣይሰማዕናን ዝብሉ በዚሖም።

ንባዕሎም ኣባላት መሪሕነት ኮምሽን መረፃ ትግራይ እኳስ፤ መባእታዊ ኢሎም ኣብ ዘውፅእዎ ውፅኢት ናይቲ 80 ሚእታዊ እምበር ናይቲ 20 ሚእታዊ ኣየካተትዎን።

ህወሓት ብዘይ ስክፍታ 99 ሚእታዊ መንበር እቲ ባይቶ ከም ዝወነነት ምስ ተገለፀ ድማ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ፡ ' ህወሓት ገባቲት ኢያ' ዝብል ዘረባ ከም ንቡር ተወስደ።

ስሞም ክለዓል ዘይመረፁ ሰባት ህወሓት ወላ እኳ ካብቲ 38 መናብር ኢዳ ክትእርንብ እንተመዓዱ ጥዑይ መልሲ ከም ዘይረኸቡ ይዛረቡ።

ብዙሓት ቅድሚ መረፃ ዝነበሮም ትፅቢትን እቲ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ ክሳነየሎም ኣይከኣለን።

ህወሓት 99 ሚእታዊ መንበር ምሓዙ ነቲ ኣብ ትግራይ ተሃኒፁ ዝፀነሐ ሓድነት ዝሃሲ እዩ ዝብሉ ይበዝሑ ኣለዉ።

"ሕጊ ስርዓት መረፃ ትግራይ ርኡይ ፀገም ኣለዎ?"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምሁር ሕጊ ገብረመስቀል ሃይሉ፡ ኣብዚ ጉዳይ ሞያዊ ርእይቶ ሂቦምሉ ኣለዉ።

ሕንፋፅ ተመዓዳውን ሕንፋፅ ተመጣጣንን ስርዓታት መረፃ ከመይ ይትግበሩ ኣብ ዝብል መምህር ገብረመስቀል ትርጓመ እንትህቡ፡ ኣብ ተመዓዳዊ ኣብዝሓን ተመጣጣንን ነንባዕሎም ኣይጓድኡን።

ንኣብነት፡ ኣብ ትግራይ 152 መናብር ብኣብዝሓ ድምፂ እንትውሰን፡ ኣብ ሕድ ሕድ ጣብያ መረፃ ሓደ ሰብ እዩ ዝምረፅ።

ሓደ መራፂ ድማ ክልተ ድምፂ እዩ ዝህብ። እቲ ሓደ ድምፂ፡ ኣብታ ከባቢኡ መን እዩ ዝውክለኒ ኢሉ ድምጹ ይህብ። ብኻልኣይ ድማ ብሓሳብ ንዝውክሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ይመርፅ።

ኣብተን 152 መናብር ዝተረኸበ ውፅኢት፡ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሕርያ ኣይፀልዎን።

ብመሰረት ኣካይዳ እዚ ስርዓት መረፃ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ኣብተን 152 ዝረኸበን ድምፂ፡ እንትድመር ኣብቲ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሕርያ ዝረኸቦ ድምፂ ተደሚሩ ካብ 100 ይሕሰበሉ።

ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት እዛ ዕድል ይረኽቡ ብምባል የብርሁ መምህር ገብረመስቀል ሃይሉ።

"ኣብ ትግራይ እቲ ኣዋጅ ክልተ ድምፂ ንምሃብ ኣይፈቐደን። እቲ ኣዋጅ ሕንፋፅ ተመዓዳዊ ኢልና ክንፅውዖ ኣይንኽእልን። ኣብቲ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ንኡስ ዓንቀፅ፡ ብትርጉም ኣብቲ 20 ኢድ ሚኢታዊ ዘይካፈሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኣለዉ ዝብል ትርጉም ይህበካ። ስለ'ዚ እቲ 80 ሚእታዊ ዝሰዓረ ድዩ ኣብቲ 20 ሚእታዊ ዘይማቐል? ዝብል ሕቶ የልዕል" እንትብል ይትንትን።

ብኻልእ ገፅ፡ ሕንፋፅ ተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ እንተዝኸውን ነይሩ ድማ፡ እቲ ናይ ከባቢ ውክልና ድምፅን፡ ነቲ ውድብ ዝሃብካዮ ድማን ይፀላለዉ እዮም።

ንኣብነት፡ ህወሓት ኣብቲ 152 መናብር ዘትሕዝ ድምፂ 70 ሚእታዊ ረኺቡ እንተዝኸውን ነይሩ ኣብቲ 20 ሚኢታዊ ግን ኣይማቐልን።

በቲ ኣብ ትግራይ ዝወፀአ ኣዋጅ ግና፡ ህወሓት 152 መናብር ንምሓዝ ኣብ 80 ሚኢታዊ ዝረኸቦ ድምፂ፡ ኣብቲ 38 መናብር ዘትሕዝ 20 ሚኢታዊ ከይዱ ደጊሙዎ።

"ህወሓት ነቲ 152 መናብር፤ ንምሓዝ ዝወሰዶ ቀመር ኣብቲ 38 መናብር ንምምቓል ዝተጠቐመሉ ቀመር በበይኑ እዩ።

ህወሓት ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዝረኸቦ ድምፂ ን152 ክምቀል እንከሎ ከባቢ 16 ሽሕ ይኸውን።

ኣብቲ 38 መናብር ንምምቓል ዝተሰርሐ ቀመር ግን 2.7 ሚልዮን ህዝቢ እንትምቀል ብ38 ዋጋ ሓደ ወንበር 71 ሽሕ ይኸውን። እዚ ፍትሓዊ ኣይኾነን" ይብል።

ካብዚ ወፃኢ ተቓወምቲ ውድባት ንውፅኢት እቲ መረፃ ስዒቦም ዝሃብዎ ቅዋም፡ እቲ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ ክዕረ ዝኽእል ምንባሩን ሕዚ ግን ዝፈሰስ ማይ ኣይሕፈስን ዝዓይነቱ መርገፂ ሒዞም ኣለዉ።