እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልላዊ መረጻ ትግራይ፡ ንዓርሰ ምሕደራ'ዶ ንፖለቲካዊ ሃልኪ?
ኣብቲ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈናሉ ዝተባህለ ክልላዊ መረጻ ትግራይ፡ እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ፖለቲካዊ መሪሕነት ናይታ ክልል ዝገበተ ህወሓት፡ ዓብላላይ ድምጺ ብምርካብ ንመናብር ክልላዊ ባይቶ ብሒቱዎ'ዩ።
ብዙሓት ብዛዕባ እዚ መረጻን ውጽኢቱን ዝተፈላለየ ርኢይቶን ስምዒትን እንተሃለዎም'ውን፤ ምናልባት መጻኢ ዕጫ ኢትዮጵያ ዝውስን ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ዝሃብሉ ኣለው።
እቲ መረጻ፡ ብመንግስታዊ ሚዲያታት ፌደራል ማእለያ ዘይብሉ ጸለመ ይበጽሖ ምንባሩ ዝጠቐሰት ዋና ኣሰናዳኢት መጽሄት ኣዲስ ስታንዳርድ ጋዜጠኛ ጸዳለ ለማ፡ "ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዝግብኦን ነቲ ዘይተዛዘመ ሃገራዊ ህንጸት ቐሊዑ ዘርኣየን'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
ኣብ ድሮ እቲ መረጻ (3 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም) ቢቢሲ ዘዛረቦ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ጨንፈር ትግራይ ኣቶ ነብዪ ስሑልሚካኤል ብወገኑ፡ እቲ መረጻ ከማልኦም ዝግበእ ረቛሒታት ስለ ዘየማልአ መረጻ ተኻይዱ ምባል'ኳ እንተዘይተኻእለ "ህወሓት ግን ናይ ዴሞክራሲ ልምምድ ይግብር ከም ዘሎ ኢና ንግምግሞ" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
ንምዃኑ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረጻ ብልጫታቱን ጉድለታቱን እንታይ ነይሮም? ንመጻኢ ዘንጸፎ ሰረት ከ ይህሉ'ዶ?
መስርሕ መረጻን ውጽኢትን ትግራይ
ንምንዋሕ ሃገራዊ መረጻ ምኽንያት ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መረጻ ትግራይ'ውን፡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ባይታ ወሪዶም ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ከይዝትዩን ሓሳባቶም ከይሸጡን ዓብዪ ዕንቅፋት ኾይኑ'ዩ።
እቲ ዝነበረ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢልካ ምጉስጓስ እዩ።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እቶም ካብ ህወሓት ወጻእ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓደሽቲ ውድባት፡ ኣብ'ቲ ኮሚሽን መረጻ ንተናሓናሕቲ ዝዓደሎ ሰዓት ኣየር፡ ፍትሓዊ ድልድል ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣብ ክፍፍል ሰዓት ኣየርን ፋይናንሳዊ ስልዒት በጀትን ዝነበሮ እወንታዊ ኣመራርሓ ዝነኣድ ምዃኑ ባይቶና ይኣምን" ምባሉ ይዝከር።
እንተኾነ፡ ውልቀ ተወዳደርቲ ነዚ ዕድል ኣይረኸቡን። ወጻኢታቶም ክሽፍኑ ከም ዘይኽኣሉ ብምግላጽ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ ውልቀ ተወዳደርቲ (ካብ 11 እቶም 7) ንርእሶም ኣግሊሎም'ዮም።
መጻኢና ምስ ብዙሓት ህዝብታት ኢትዮጵያ እዩ ዝውሰን ካብ ዝብል፤ ክሳብ ኣይፋል፤ ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነታ ሓልያ ንርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ምስ እትኸውን'ዩ ዴሞክራሲን ልምዓትን ዝህልወና ዝብል ዕላማ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሓሙሽተ መድረኻት ክትዕ ኣካይዶም እዮም።
ነዚ ኣመልኪቶም፡ "ተቓዋሚ ምዃን ንህዝቢ ትግራይ ምኽሓድ ማለት ከምዘይኮነ ካብቶም መድረኻት ክትዕ ርኢና" ክብሉ ተዓዘብቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እንተኾነ፡ እቲ መረጻ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝምራሕ 'ባንዳታት ምጽራይ' ዝብል "ሓደገኛ ወፍሪ ጸለመ" ኣብ'ታ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ውድባት'ውን ዝሃሲ እዩ ነይሩ።
ተቓወምቲ ውድባት፡ እዚ ብሚድያ ዝተሰነየ ወፍሪ፡ ኣብ ውጽኢት እቲ መረጻ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ገሊጾም እዮም።
እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊኡ "ብሚድያን ሰነድን ኣደጊፉ፡ ሰፋሕቲ ፀለመን ጠቐነን" ኣካይዱ'ዩ ክብል ዝኸስስ ኣብቲ መረጻ ብ4ይ ደረጃ ዝተሰርዐ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ እዋን እቲ መረጻ'ውን "ንሕፁያት ተመረፅቲ ኣባላትናን ቤተሰቦምን ምፍርራሕን ከም ፀላኢ ክስርዑ ምሹቕራርን ነይሩ" ምባሉ ይፍለጥ።
ኩሎም ተነሓናሕቲ ውድባት፡ ብዛዕባ እቲ መረጻ ዘለዎም መርገጺ 'መሰል ዓርሰ ውሳነ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ታሪኻዊ መረጻ'ዩ' ዝብል እዩ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ናጽነት ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ "መረጻ ትግራይ 2012 ንህልውናን ምርግጋጽ መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይን ብትግራዋይ ቅዲ፣ ስርዓትን ትካላትን ዝተኻየደ ኮይኑ ንህንጸት ዴሞክራሲ ትግራይ ሰረት ዘንጸፈ'ዩ" ክብል እዩ ገሊጹዎ።
ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ኣቶ ግርማይ በርሀ ምስ ክልላዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት እቲ መረጻ "ትግራይ ዴሞክራሲያዊት ሃገር ክትኸውን ከም እትኽእል ዘርኣየ እዩ" ብምባል እዩ ገሊጹዎ።
ብተወሳኺ "እቲ መረጻ ጽቡቕ ነይሩ፤ እቲ ውጽኢ ግን ትጽቢት ዝገበርኩዎ ኣይኮነን" እንትብል ኣብቲ መረጻ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ተቃወምቲ ውድባት ጽቡቕ ድምጺ ክረኽቡ'ዮም ዝብል ግምት ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ክልላዊ መረጻ፡ ዋላ'ውን ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ውድባት ተሳቲፎም ድምጺ እንተረኸቡ፤ 31759 ድምጺ ግን ባኺኑ'ዩ።
እቲ መረጻ፡ ብምኽንያት ቕትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ካልኦት ምኽንያታትን ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ዘቕንዑ ተቓውሞታት፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ ዝበርትዕሉ ግዜ ክካየድ እንከሎ፡ ቀደሙ'ውን ኣብ ምትፍናን ዝጸንሑ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ድማ "እቲ መረጻ ሕጋዊ እዩ፤ ሕጋዊ ኣይኮነን" ናብ ዝብል ቀጻሊ ውጥጥ ምእታዎም ኣይተረፈን።
ካብዚ ብዝብገስ፡ መንግስቲ ፌደራል ብትካላቱ ኣቢሉ እቲ መረጻ እንተተኻየደ'ውን "ከም ዘይተኻየደ ዝቑጸር" ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ መራኸብቲ ብዙሓን ነቲ መረጻ ሽፋን ክህብኦ ከም ዘይብለን ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ መረጻ ዝተኻየደሉ (ማለት'ውን 9 መስከረም 2020) ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ "መረጻ ትግራይ፡ ልክዕ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ከም ዝህነጽ ገዛ እዩ" ብምባል ኣናኢሱ እዩ ገሊጽዎ።
እንተኾነ፡ ብተግባር ግን ኣንኢሱ ዝራኣዮ ኣይመስልን።
ነቲ መረጻ ክዕዘቡን ክጽብጽቡን ዝኸዱ ዝነበሩ 12 ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሰራሕተኛታት ድሕነት ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ከይከዱ ተኸልኪሎም፤ ንብረቶም'ውን ንዝተወሰነ ግዜ ተመንጢሎም ጸኒሖም።
እንተኾነ እቲ መረጻ ልዕሊ 2.7 ሚሊየን ህዝቢ ድምጺ ንምሃብ ካርዲ መረጻ ዝወሰደሉን፡ ልዑል ህዝባዊ ተሳትፎ ዝተራእዮ ምንባሩን ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ጨንፈር ትግራይ ኣቶ ነብዪ ስሑል ሚካኤል ግን እቲ መረጻ ድላይ ህዝቢ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ዝነበረ ምንቕቓሕ "ናይ ህዝቢ ኣይኮነን" ብምባል'ዩ ዝነጽጎ።
"ክትጭቆን ከለኻ ተጨቚነ'የ ንክትብል'ውን ናጽነት የድልየካ'ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ከኣ ይትረፍ እዚ ምርጫ እዚ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ ክዛረብ፡ ንህይወቱ ኣብ ዘስግእ ልዑል ዓፈና እዩ ዝነብር ዘሎ። ስለዚ ናጽነቱ ተሓልዩሉ ህዝቢ ትግራይ እንተዝሕተት ነዚ ዝግበር ዘሎ ኣይምደገፎን" እዩ ዝብል።
ዴሞክራሲያውነት እቲ መረጻ ከመይ ይግምገም?
ኩሎም ኣብቲ መረጻ ዝተሳተፉ ተነሓናሕቲ ውድባት፡ ኣብ እዋን እቲ መረጻ ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም ምፍርራሕን ጸቕጥን ይበጽሕ ከም ዝነበረ'ዮም ዝገልጹ።
ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ግን ኣብ'ቲ ክልል ናጻ፣ ፍትሓውን ዴሞክራስያውን መረጻ ኣካይደ ኢሉ እዩ ዝኣምን።
"ነዚ ዘጠራጥር ነገር የለን፤ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ተቐቢልናዮ ኢና ምባሎም ሓደ ምስክር እዩ" ዝብል ኮሚሽነር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም፡ ካብ ምዝገባ ውድባት ጀሚሩ ክሳብ ድምጺ ምሃብ ዝነበረ መስርሕ ምስቶም ውድባት ዘትዩ ከምዝሰርሖ ይዛረብ።
ወሲኹ "ብሓደ ዝሰራሕናዮ ነገር ከኣ ጌጋ ዝኾነሉ ነገር የለን፤ እቲ ከቢድ ዝብሃል መረጻ ምክያድ ኮይኑ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝደለናዮ ፈጺምና ኢና። እዚ ብዴሞክራሲያውን ፍትሓውን ኣገባብ ከም ዝገበርናዮ ድማ ፖለቲካዊ ውድባትን ተዓዘብትን ዝሃቡዎ ቃል ኣሎ" ብምባል ብርእሰ ተኣማንነት የብርህ።
ክሳብ እቲ ውጽኢት ዘሎ መስርሕ፡ ብመሰረት 'ፖለቲካዊ ውድባት ዘትዮም ዘጽደቑዎ ኣዋጅ መረጻ' ከም ዝተመርሐ ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ውጽኢት ዝተፈላለየ ርኢይቶ ዘለዎም ሰባት ክህልው ይኽእሉ'ዮም፤ ግን ናትና ሓላፍነት እቲ ውጽኢት በቲ ኣዋጅ ዝድንግጎ መሰረት ምቕማጥ እዩ" ኢሉ።
እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረጻ ኣጣይሹ ነቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተኸልከሎ ከካይድ ምኽኣሉ ከም ዓብዪ ዓወት ዝርእዮ ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ እቲ መረጻ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዝተኻየደ ንሕንሕ'ኳ እንተመሰለ ብኣውርኡ ግን "ምግሃድ መሰል ዓርሰ ውሳነ'ዩ" ነይሩ ይብል።
እቲ መረጻ ሕጋዊ እዩ ኣይኮነን ዝብል ክትዕ እንተሃለወ'ውን ንቐጻሊ እንታይ ዓይነት ስርዓት ክንሃንጽ ንኽእል? ህዝቢ ከመይ ይሳተፍ? ዝብል ዓብዪ ተሞኩሮ ዝተረኽበሉ ፍጻመ ከም ዝነበረ እቲ ኮሚሽነር ገሊጹ።
"ንሕና ጀሚርናዮ ኣለና፤ እቲ ዝጀመርናዮ ዝጎደሎ'ውን ንፈልጦ ኢና። ንከነጠንክሮ ጥንኩር ዝኾነ ትካል መረጻ ምፍጣር ከድሊ'ዩ። ስለዚ ብቐጻሊ ኣብ ታሕቲ ቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ዘረጋግጽ ዴሞክራሲ ከመይ ኣቢልና ኢና ከነረጋግጽ? ኣብ ጣብያ ዘሎ ቀጥታዊ ዴሞክራሲ ኣብ ወረዳ'ውን ምፍጻም ይከኣል'ዶ? ዝብል መስርዓት ክንሰርሕ ባይታ ኣንጺፉልና እዩ። 94 ወረዳታት ኣለዋ፤ ዝጣየሻሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ ነዚአን'ውን ዝኸውን ተሞክሮ እናዓቀብና ንቐጻሊ ውርሲ ዝኸውን ክነንጽፍ እዩ እቱ ድልየት" ይብል ኮሚሽነር ሙሉወርቅ።
"ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ ሓደ ፓርቲ ንላዕሊ ክሓስብ ኣለዎ"
ምሁር ሕጊ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ መረጻ ዘለዎ ሓፈሻዊ ትንታነ ብኸም'ዚ ኣካፊሉና ኣሎ።
"ኣብቲ ኣነ ድምጸይ ዝሃብኩላ ናቑጣ መረጻ ሓንቲ ክፍለ ከተማ መቐለ እቲ መረጻ ነጻን ሰላማውን ነይሩ። ከም ክልል ደሚርካ ፍትሓዊ'ዶ ነይሩ ኣይነበረን ምባል ግን ከቢድ'ዩ።
ብፍላይ ኣብ ገጠር ከባቢታት ተዓዘብቲ መረጻ መን'ዩ መሪጹዎም? ዝብል ሓበሬታ ስለ ዘይብልና ርኢይቶ ንምሃብ ከቢድ እዩ።
ግን ድማ እቲ መረጻ ኣካል ዓርሰ ምሕደራ ምስ ምዃኑ ብውሕድ ህዝቢ ዝፈልጦ ሕጋዊ መንግስቲ ምጥያስ ግን (ብህዝቢ ክንደይ ዝኣክል ቅቡልነት ኣለዎ ዝብል ገዲፍና) ነቲ ሐዚ ዘሎ ተጻብኦታት ሓደ ዓብዪ ምዕራፍ እዩ።
በዚ ክትሪኦ ከለኻ ድማ እቲ መረጻ ዓብዪ ዓወት'ዩ።
ብዓይኒ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ኣርባዕተ ዝኣኽሉ ውልቀ ተወዳደርትን ተሳቲፎምሉ'ዮም። እዚ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ብብዝሒ ንፈለማ እዋን እዩ ምባል ይከኣል።
ኮሮናቫይረስ ካልእ ከቢድ ጸገም ጥዕና'ኳ እንተነበረ መረጻ ንምንዋሕ ግን እኹል ምኽንያት ከም ዘይኮነ ዝርኣናሉ መረጻ'ውን ነይሩ።
ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ብጣዕሚ ሓጺር ግዜ ኣትዮም ይብዛሕ ይውሓድ ድምጺ'ውን ረኺቦም'ዮም። እዚ ኣብ ናይ ትግራይ ዴሞክራሲ ዓብዪ በሪ ዝኸተፈ እዩ ምባል ይከኣል።
ብኻልእ ወገን ግን፡ እቲ መረጻ መግለጺ ምትፍናን መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ኮይኑ'ዩ። መንግስቲ ፌደራል 'ዘይሕጋዊ ከም ዘይተካየደ ዝቑጸር' ኢሉ ስለ ዝወሰነ፡ ካብ ፈለምኡ ዘይሕጋዊ ከም ዝኾነ እዩ ቅዋም ሒዙ ዘሎ።
መንግስቲ ትግራይ ድማ ብናይ ባዕሉ ቤት ምኽሪ ኣቢሉ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ውድቂ ገይሩ "ኣነ እየ ሕጋዊ" እዩ ዝብል ዘሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ መን'ዩ ሕጋዊ መንግስቲ ዝብል፡ ካብ 25 ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ዝርኣይ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ግን ኣነ እየ ሕጋዊ ንስኻ ሕጋዊ ኣይኮንካን ናብ ዝብል ውጥጥ ክኣትው ከም ዝኽእሉ ካብ ሕዚ ጀሚርካ ምግማት ይከኣል።
ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ከይዲ እንታይ ዓይነት ባህሪ የምጽኡ ወይ ናይ ስኒት ዝብሃል ባህሪ የርእዩ ዝብል ንቕድሜና እንሪኦ ኮይኑ ካብ ቃላት ዝሓለፈ ምትፍናን'ዶ ክመጽእ ይኽእል ዝብል'ውን ግን ኣሎ።
ግን ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ነዚ መረጻ ኣፍልጦ ሂቡ ( ከም በዓል ሞያ ሕጊ ኣካል ዓርሰ ውሳነን ሕጋዊ ስርዓት ዝተኸተለን'ዩ ኢለ ስለ ዝኣምን)፤ እቲ መረጻ ፍትሓዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ገዲፍና ህዝቢ ይብዛሕ ይውሓድ ድምጺ ሂቡ ስለ ዘሎ እዚ ተኸቢሩ መንግስቲ ፌደራል ተቐቢሉዎ ምስ'ቲ ንትግራይ ዝመርሕ ገዛኢ ሰልፊ ሓቢርካ ንምኻድ ዘለዎ ቅሩብነት ጽቡቕ እንተኾይኑ፡ ሃገር ናብ ሰላም ክትመጽእ ትኽእል'ያ።
ኣብ ትግራይ ግን ኣፋፍኖት ዴሞክራሲ ይመጽእ ኣሎ ምባል ዝከኣል'ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደ ፓርቲ ንላዕሊ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ። እዚ እንተዘይሃልዩ እቲ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ሓጺርን ዘይሳገርን ከይኸውን የስግእ እዩ።