ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪጹ

ኣብ ትግራይ ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ከም ዝተቛረጸ ተገሊጹ።

ኣብ ዙርያ ናጽነት ኢንተርነት ዝሰርሕ ኔት ብሎክ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብቲ ክልል ካብ ሎሚ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሰዓት፡ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ማዕከናት ዜና ልሙድ ፕሮግራመንን ስሩዕ ምድላዋተንን ይፍኑዋ ከም ዘለዋ ይግለጽ።

ትማሊ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዝተራእየ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ስጉምቲ ሓይሊ ክውሰድ ከም ዝኣዘዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ሰራዊት ምክልኻል ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ "ሃገር ናይ ምድሓን ልኡኽ ክፍጽም መምርሒ ተዋሂቡዎ እዩ" ኢሉ።

ትማሊ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ኣብ መቐለ ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ከም ዝነበረ ሪፖርተር ቢቢሲ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ግን ካብ ወገን መንግስቲ ትግራይ ዝተዋህበ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ የለን።

ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን "ኣሕትን ኣሕዋትን ህድእ በሉ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ ነይሩ።