እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃረጉ ጎበዛይ፡ ተሸላሚት ብሉጻት ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት ኣፍሪቃ
ወይዘሮ ሃረጉ ጎበዛይ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ካብተን ኣብ ገጠራት ትግራይ ሓዳር መስሪተን፣ ቆልዑ ወሊደን፣ ካብ ኢድ ሰብኡተን እናተጸበያ ኣብ ትሑት ክፍሊ ሕርሻ ዝተደረኸ ህይወት ዝመርሓ ሓረስቶት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ'ያ ነይራ።
ኣብቲ ግዜ፡ ናይ ባዕለይ እትብሎ መውደቒ ስለ ዘይነበራ ኣብ ገዛ ወላዲታ ተጸጊዓ ትነብር'ውን ነይራ።
እንተኾነ፡ ነታ ብእቶት በዓል ቤታ ተደጒማ ብፍቓድ ኣምላኽ ሰለይ እትብል ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ናብርኣ ከይቀየርካ ክትድቅስ ዝሕሰብ ኣይነበረን።
"ቀደሙ'ውን ናብ መስኖ ቅድሚ ምእታወይ ሕርሻ ይሞኻኹር ነይረ፤ ግን ጥቕሚ የብሉን፤ ከባቢና ቆላ ስለ ዝኾነ ካብ ሓደ ሄክታር ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኩንታል ኢኻ ተእቱ። ብኲናት ዝተጠቕዐ ዶብ'ውን ስለ ዝኾነ ምድረበዳ ኮይኑ ነይሩ እዩ" ትብል።
ሓረስታይ ሃረጉ ጎበዛይ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብለኸ ከተማ ራማ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ኣርባዕተ እያ ትነብር።
ብትምህርቲ ብዙሕ ኣይደፍአትን፤ ግን ራብዓይ ክፍሊ በጺሓ እያ። ስለዚ ንሳ ነቲ ከርፋሕ ናብርኣ ዝቕይሮ ትምህርቲ ዘይኮነ እምኒ ዝበዝሖ መሬት ጥራይ እዩ ነይሩዋ።
እታ መሬት'ውን ዓው-ኢልካ ዝዝረበላ ኣይኮነትን 1.5 ሄክታር ጥራሕ እያ።
ብወዐዓል ሕደር ህይወት ኣይትድፋእን'ሞ፡ ሃረጉ ብ1997 ዓ.ም ነዛ ቑንጣሮ መሬት ሒዛ ናብ ልምዓት ሕርሻ ክትኣቱ ትውስን።
እንተኾነ ብቐሊሉ ተሓሪሱ ዝልስልስ መሬት ኣይኮነን ነይሩዋ። እኳ ድኣ ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ከውሒ ኣእማን ዝወረሮ መሬት እዩ ጸኒሑዋ።
ኣብቲ ከባብ መስኖ ተጠቒምካ ምልማዕ ልሙድ ከም ዘይነበረ እትዛረብ ወይዘሮ ሃረጉ፡ ከም ምሸላ፣ ዳጉሻን ዓተርን ዝበሉ ዘራእቲ ወጻኢ፡ ካልእ ዝፍለጥ ዓሌት ዘራእቲ ከም ዘይነበረ ትዛረብ።
"ትግራይ እምኒ እምበር ሕርሻ ዘይብሉ ዓዲ ገይሩ ዝወስዶ ሰብ ብዙሕ'ዩ፤ እንተሰሪሕካ ግን ዘይቕየርን ዘይርከብን የለን። ፍራምረ ብመስኖ ምልማዕ ዝብል ድማ ቅድሚ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ ከባቢና መሬት ተኻርዮም ካብ እስራኤል ቀወምቲ ተኽሊ እናምጽኡ ብመስኖ የልምዑ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን'የ ወሲደዮ" ኢላ።
"እዛ ሰበይቲ ትዓብድ ኣላ ይብሉኒ ነይሮም"
ኣብ መጀመርታ ሓሙሽተ ዓመታት ኮሚደረ፣ ሽጉርቲ፣ ጉዕን ካልእ ኣታዊ ክትረኽበሎም እትኽአል ፍርያት ክተፍሪ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነዚ ሓመድ ዘይነበሮ መሬት ሓመድ ድሕሪ ምልባስ ተኺላ ከተብቁለሉ ጀሚራ።
"ኣብ እስራኤል ሓመድ ካብ ካልእ ዓዲ እናምጻእኻ እዩ መሬት ዝለምዕ ክብሃል ብቴሌቪዥን ክሰምዕ ከለኹ ነዚ ናተይ'ውን ክልወጦ እየ ብዝብል ደፊረ ኣትየዮ። ሓመድ ዝብሃል ኣይነበሮን፤ ድሓር ሜትሮን ፈረቓን ኩዒትና ካብ ካልእ ቦታ ሓመድ ኣምጺእና መሊእናዮ። ድሕሪኡ ቀወምቲ ተኽሊ ተኺልናዮ ጽቡቕ ተሰማሚዑዎ" ትብል ሓረስታይ ሃረጉ ጎበዛይ።
ከምዚ እናበለት፡ እቲ መሬት'ውን ናብ 12 ሄክታር ክዓቢ ብምግባር ብኣሕምልቲ ዝጀመረ ኣፕል፣ ኬንት፣ ቶሚ፣ ኪት፣ ዳዶ ዝብሃሉ ዓይነታት ማንጎ ዝርከቦም ሸውዓተ ዓሌታት ማንጎ ተኺላትሉ።
"እቲ ናተይ ከባቢ ፍልይ ዘብሎ ከውሒ እምበር ተሓራሳይ መሬት ኣይኮነን ነይሩ። ብ1982 ዓ.ም ተዓዲሉ ሰብ ከይሓረሶ ከፍ ኢሉ ዝጸንሐ ቦታ'ዩ። ዳሓር ብ1997 ዓ.ም ክፍትኖ ኢለ እምንን ዕሾኽን ኣርየ ናብ ልምዓት ኣትየ። ሽዑ እዛ ሰበይቲ ፎቖዶ በረኻ ትኸይድ ዘላ ትዓብድ እያ ዘላ፣ ካልእ ስራሕ እንዶ ግዳ ኣይትሰርሕን ይብሉኒ ነይሮም። ሕጂ ተለዊጠ ምስ ርኣዩ ከኣ ሽዑ ምስኣ ከይንጎዪ ነበርና ዝብሉ ኣለው" ብምባል ኣውጊዓትና።
ከውሒ ፈንቂለ እምኒ ለቒመ ዕሾኽ'ውን ኣርየ መሬት ከልምዕ እየ ክትብል እንከላ፡ ዘባጭወላን 'ናይ ኣንሽቲ ግዳ ዘይትሰርሒ' ኢሉ ዘስተናዕቓን ውሑድ ከም ዘይነበረ እትዝክር ሓረስተይቲ ሃረጉ፡ ሕጂ ግን ኩሉ ኣብታ ኣነ ዝበጻሕኹዋ ክበጽሕ ይጎዪ ኣሎ ትብል።
ነዚ ምልዕዓል ምፍጣር ዝኽኣለት መርኣያ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ድማ ትሕበን።
ኣብ ሓደ እዋን ናይ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ሒዙ ብምኻድ ነዚ ተኣምራዊ ስርሓ ዝርኣየ መምህር ህጸት ዝናብ ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን ዶክተር ዳዊት ገብረእግዝኣብሄር፡ "እምኒ ናብ ፍራምረ ዝቐየረት ጓል ኣንስተይቲ" ዝብል ሽም ኣጠሚቑዋ እዩ።
ንሳ'ውን፡ "ቀደም ንስሕቓ ዝነበርናስ ነዚ ለውጢ'ዩ ዝብሉ ኣለው። በዓል ሓዳረይ'ውን ፖሊስ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ዳርጋ በይነይ እየ ዝቕመጥ ነይረ። በቲ ግዜ ካብ ተቓወምተይ ሓደ ሰብኣየይ እዩ ነይሩ፤ 'በረኻ ንበረኻ ካብ ትጎዪ ካልእ ስራሕ ግዳ ዘይትሰርሒ . . . መዓዝ ኢኺ ክትልወጢ?' ይብለኒ ነይሩ" ብምባል ነቲ ዝሓለፈቶ ብምልሰት ትዝክሮ።
እንስሳት ድማ ካልእ ኣብ ሞንጎ ስርሓ ጣልቃ እናኣተዋ ይፈታተንኣ ነበራ።
ጉምብሕ ጥልዕ ኢልካ ዘፍረኻዮን ክጥጥዕ ዝርኣኻዮን ብእንስሳት ክብላዕ ከሎ መዓንጣኻ እዩ ዝበትኽ።
መን ድኣ የተባብዓ ነይሩ?
ሓረስተይቲ ሃረጉ ጎበዛይ፡ ነዝን ካልእ ካብ ሕብረሰተብ ዝበጽሓ ዝነበረ ጸቕጥን ንምብርዓን ሰናፍ ኣይነበረትን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ብቓልሰይ ዳርጋ እየ ኣብዚ በጺሐ" ትብል።
ድሕሪ ግዜ ደጋፊኣ ዝኾነ በዓል ቤታ'ውን ናይ ፖሊስ ስርሑ ገዲፉ ናብ ሕርሻ ክኣቱ ከም ዝገበረቶ ትገልጽ።
እቲ ጸገም፡ ሰባት ብዛዕብኣ እንታይ ይብሉ? ነቲ ጻዕራ ከመይ ይርድኡዎ? ዝብል ጥራሕ ግን ኣይነበረን።
እቲ ከባቢ ሰብ ይኹን መጓዓዝያ ክሰግረሉ ዝኽእል ጽርግያ፣ ነቲ ልምዓት ዝሕግዝ ተወሳኺ ማይ ንምርካብን ብዘይ ጸገም እኹል ማይ ንምርካብን ።
ነዚ'ውን ሓደ ሜላ ተበላሒታትሉ።
1.2 ሚሊየን ብር ዝወድአ ናይ መስኖ ካነል ሰሪሓ ነቲ ዝባኽን ዝነበረ ማይ ናብ ረብሓ ብምቕያር፡ ብተወሳኺ እቲ ከባቢ መኪና እትኣትወሉ መገዲ ስለ ዘይነበሮ ፍርያታ ንምጉዕዓዝ ኮነ በጻሕቲ እንትመጽኡ ምቹእነት ንምፍጣር 820 ሽሕ ብር ወጻኢ ብምግባር ድልድል ሰሪሓ።
ድሕሪ'ዚ ብናይ መገዲ ጸገም ኮነ ብሕጽረት ማይ ኣብ ናብርኦም ዝጽገሙ ዝነበሩ መራሕቲ ስድራ ከባቢኣ ሩፍታ ክረኽቡን፡ ተጠቀምቲ ክኾኑን ብምግባር፡ ኣብ ህይወታ ዓብዪ ዝላ እተመዝግብ ጓል ኣንስተይቲ ሓረስታይ ክትከውን በቒዓ ኣላ።
"ቅድሚ ሰብ ሞያ ሕርሻ ክመጽኡኒ ከለው ጽርግያ ብዘይምህላዩ ብእግሮም ይመጽኡ ነይሮም። ኣነ ድማ ነዞም ኩሎም ጸገማት እናርኣኹ ተስፋ ቖሪጸ ኣይፈልጥን። ሓደ መዓልቲ ነዚ ጸልማት ክቕንጥጦ እየ ዝብል ተስፋ ስለ ዝነበረኒ፡ እነሆ ድማ ኩሉ ብርሃን ኮይኑለይ ኣሎ" ብምባል ብጻዕራ ሕጉስቲ ምዃና ትዛረብ።
ትሕዝቶኣ እንታይ'ዩ?
ወይዘሮ ሃረጉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሸውዓተ ዓሌታት ማንጎ ናብ ዕዳጋ ተቕርብ።
ብቐንዱ ነቲ ካብ እስራኤል ዝመጽእ ኣፕል ማንጎ መሪጻ ድማ ብብዝሒ ተፍሪ።
ጎና ጎኒ ከም ዴስሞዲየም፣ መግሃጫ እንስሳትን ሳዕሪ ሓርማዝ፣ ተፈጥሮኣዊ ጸረ ባልዕ ኮይኑ ዘገልግል ቖጽሊ ኒምን ካልኦትን ተኺላ እያ።
ነዚ ኹሉ እንትርፊ ተፈጥሮኣዊ ድኹዒ፡ ዘመናዊ ድኹዕን ካልእ ጸረ ባልዕን ኣይትጥቀምን።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ፡ እቲ ዘለዋ ተሓራሳይ መሬት ሙሉእ ፍርያት ክህባ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ ካብ 6 ሽሕን 700 ቀዋሚ ተኽሊ ዓመታዊ ከባቢ 2500 ኩንታል ፍረምረ ከም እትረክብ ትዛረብ።
"ዓማዊለይ መብዛሕትኦም እንትርፎ ብስልኪ ብኣካል ኣይፈልጦምን። ኣብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ግን ብዙሕ ዓሚል ከም ዘለኒ ይፈልጥ። ኣፕል ማንጎ ብጣዕሚ ጽቡቕ ዕዳጋ ስለ ዘለዎ፡ ሎሚ ዘበን እኳ ኤፍ ኤስኣር እናልኣኹ ኣዲስ ኣበባ እዮም ወሲዶምዎ" ኢላ።
ከባቢ ራማ፡ ዶብ ኢትዮ- ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን ጽቡቕ ዕዳጋ ረኺባ ምንባራ እያ ትገልጽ።
"ሽዑ ንኪሎ 80 ብር ይሸይጥ ነይረ፤ ሓጺር መዓልቲ ነይሩ ግን ጽቡቕ ተጠቒምና ነይርና። እቲ ዶብ ምኽፋቱ ንኩላትና ጠቒሙና ነይሩ፤ ግና ኣብ ሓጺር እዋን ተዓጽዩ። ኩል ግዜ ሰላም እንተዝኸውን እየ ዝብል፤ ከምኡ ምኾነ ሓረስታይ'ውን ምተለወጠ፣ ተጠቃማይ'ውን ብቐሊሉ ምረኸበ" ዝብል እምነት ኣለዋ።
እዚ ስራሕ ካብ እትጅምር ንነጀው ኣብ ዘለው ዓመታት፡ መሬታ ረቂቕ ስለ ዝኾነ፡ ሞተር ምስባር፣ ዕዳጋ ምኽሳር ዝበሉ ኣጋጣሚታት እኳ እንተበሩ፡ ሰሪሐ ክልወጥ ኣለኒ ብዝብል ጽኑዕ እምነት ተስፋ ከይቆረጸት ክትዕወት ክኢላ እያ።
"ክኸስር ከሎ ነቲ ዝስኣኖ ክትክእ እየ ብዝብል ናብ ስደት ዝኸይድ ነይሩ እዩ። ኣነ ከምኡ ኣይመረጽኩን፤ ኩሉ ክኢለ ስለ ዝሓለፍኩ ኣብ መነባብሮይ ምንም ዘይነበረኒ ሕጂ ኣብ ሰለስተ ኣርባዕተ ቦታ ገዛ ሰሪሐ ጽቡቕ መነባብሮ ይነብር ኣለኹ" ትብል።
ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑት ወይዘሮ ሃረጉ፡ ክሳብ ኮሌጅ ዝበጽሑ ቖልዑ ኣለውዋ።
ኩሉ ኣባል እዛ ስድራ ናይ ባዕሉ ብጽሒት ወሲዱ ንቐጻሊ ለውጢ ይተግህ ኣሎ።
ብተወሳኺ ን16 ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ክትፈጥር ከላ፡ መዓልታዊ ካብ 50 ክሳብ 60 ዝኾኑ መናእሰይ ተመሃሮ'ውን ብሰዓት ንክሰርሑ ትገብር።
እዚኦም፡ ብሕጸረት ገንዘብ ትምህርቶም ከየቋርጹን ንካልእ ማሕበራዊ ቅልውላው ተቓላዕቲ ንከይኾኑን ብዝብል ቀዳምነት እትህቦም ሰራሕተኛታት እዮም። በዚ ክሳብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለን ዓዲግራትን ዝበጽሑ ምህላዎም ትዛረብ።
ነዚ ኹሉ ጻዕርታታ ክከታተልን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለም ጻዕራ ከጉልሑ ዝጸንሑ ከም ዶክተር ሃይሉ ኣርኣያ ዝበሉ ሙሁራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮን ምስጋንኣ ኣቕሪባ'ያ።
ዶክተር ዳዊት ድማ፡ በቲ ካብ "እምኒ ናብ ፍራምረ ዝቐየረት ጓል ኣንስተይቲ" ዝብል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተሸላሚት ብሉጻት ሓረስቶት ኣፍሪቃ ንክትኸውን ኣብ ምምልካት ሓጊዙዋን ዓወት ኣበሲሩዋን እዩ።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ድማ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንርእሳ ቐይራ ወናኒት ኣሽሓት ፍራምረ ኮይና ንኻልኦት ክትልውጥ ክትጽዕር ካብ ምርኣይ ንዓቐብ ዘሐጉስ የለን" ይብል።
"ኣነ በብግዝኡ ክሽለም ከለኹ ምትብባዕ'ዩ ዝፈጥረለይ፤ እዚ ግን ናተይ ጥራይ ዘይኮነ ብፍላይ ንትግራይ ወኪለ ነዚ በቒዕኪ ክብሃል ከለኹ ኩርዓት ይስምዓኒ፤ ናይ ብዙሕ መርኣያ ምዃነይ ደስ ይብለኒ። በዚ ደቀይ'ውን ሕጉሳት'ዮም። ንሕና'ውን ከምዚ ካልእ ክንሰርሕ ኢና፣ ናብ ፋብሪካ ኣሰጋጊርና ብጽማቕን ብሰደድ ምህርትን ከነዕብዮ ኢና ይብሉኒ" ብምባል ሃረጉ ባህጋ ትገልጽ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ጸጋ ተጠቒመን ንዓርሰን ክልውጣን ካብ ቁጠባዊ ጽግዕተኝነት ክናገፋን ትምዕድ።
"ክጅምር ከለኹ፡ ኣብ ከባቢና ልቓሕ ይኹን ባንኪ ስለ ዘይነበረ፡ ብ1700 ቅርሺ እየ ጀሚረ። ሎሚ ግን ብዝተፈላለየ መልክዑ ልቓሕ ስለ ዘሎ መለወጢኻ ብቐረባ ኮይኑ እዩ" ብምባል፡ ክሓልፈለይ ኣይኽእልን ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ከም ዘይብሉ ትጠቅስ።