እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብነታዊት #4፡ ምስ ሕሳብ (ቁጽሪ) ፍቕርና ሃንደበታዊ'ዩ
ብትምህርቲ ሕሳብ ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤች ዲ] ንምሓዝ ትሰርሕ ኣላ። ብዙሓት ደፊኦም ኣብ ዘይኸድሉ ዓይነት ትምህርቲ፡ ከመይ ውጽኢታዊት ክትኸውን ከም ዝኸኣለት ኣውጊዓትና ኣላ።
ኤቢሴ ኣዱኛ'የ። ኣብ ከተማ ነቀምት ተወሊደ ዓብየ። ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርተይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ፡ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ወዲአ።
ሕጂ ድማ፡ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርተይ ኣብ ዩኒቨርስቲታት ዴንማርክን ሃዋሳን ይመሃር ኣለኹ።
ህይወተይ ምስ ሕሳብ ዝተኣሳሰረ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ፈለማ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ከለኹ፡ ክፍሊ ትምህርቲ ሕሳብ ምርጫይ ኣይነበረን።
ድሕሪኡ ግን ተፋቒርና። ኣነ ድየ ሓርየዮ ወይ ንሱ ግን ዝፈልጦ ነገር የብለይን።
ንሕሳብ ቀደሙ'ውን ፈሪሐዮ ኣይፈልጥን። ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተኹ ግን፡ ክፈትዎ'ውን ስለ ዝጀመርኩ እመስለኒ ጽቡቕ ውጽኢት የመዝግብ ነይረ።
እዚ ዓይነት ትምህርቲ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ከቢድ'ዩ፤ ንወዲ ተባዕታይ ግን ምቹው እዩ ዝብል ኣረኣእያ የብለይን።
ሓደ ሰብ ንዝኾነ ነገር ድልየት እንተሃሊይዎ፣ እንተጽዒሩን ብግብሪ እንተ ደጊፉዎን ይዕወት'ዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ፡ ነዚ ዓውዲ ኣጽኒዐ ብምሓዝ ኣብዚ በጺሐ ኣለኹ።
ሕሳብ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝፈትዎም ዓይነታት ትምህርቲ፡ እቲ ዝለዓለ ቦታ ዝሓዘ እዩ።
ተምሃሪት ቀዳማይ ዲግሪ እንከለኹ፡ ኣቦይ መምህር ሕሳብ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ኣረዳድኣ ንክህልወኒ ሓጊዙኒ'ዩ።
ረብሓ ሕሳብ ዝተፈላለየ'ዩ። ከም ኣብነት፡ ሕሳብ፡ 'ፕዩር ማቴማቲክስን ኣፕላይድ ማትማቲክስን' ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቀል።
ኣነ ዝመሃሮ 'ኣፕላይድ ማትማቲክስ'፡ ብግብሪ ዘለውና ጸገማት ንምፍታሕ ዝጠቅም'ዩ።
ኣነ ዝመራመረሉ ዘለኹ ስልሒት ሕሳብ ኤች ሲቪ ንዝተባህለ ቫይረስ ጸላም ከብዲ፡ ፍታሕ ንምርካብ ዝሕግዝ'ዩ።
ስለ ዝኾነ፡ ሕሳብ ኣብ ህይወትና ንዘለው ጸገማት ጭቡጥ ፍታሕ ንምሃብ ዝሕግዝ ዓይነት ትምህርቲ'ዩ።
ጽባሕ ብዛዕባ ዝፍጠር ነገር ንምትንባይ፡ ሕሳብ ጸገማትና ብቑጽሪ ኣስሊሕና ንክነቐምጥ ከም ዝሕግዘና'የ ክዛረብ ዝኽእል።
ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰብ፡ ኣብ ስራሕ ይኹን ናብራይ ውጻእ ውረድ ይገጥመኒ'ዩ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ጸገም ክንደየናይ'ዩ ብዝብል ዘይኮነ፡ ኣነ ምስ ዘለኒ ዓቕሚ'የ ዝግምግሞ።
እዚ ከም ዘበርትዐኒ ስለ ዝፈልጥ፡ ኩል ግዘ መዋጽኦ እየ ዘናዲ። ገለ ሰባት፡ ገጸይን ዕድመይን ርእዮም ይግምቱኒ። ገለ ሻብ፡ ብጾታይ ክመዝኑኒ ይፍትኑ።
ከምዚ ዓይነት ነገር ምስ ዝገጥመኒ፡ መን ከም ዝኾንኩን ድልየተይ እንታይ ከም ዝኾነን ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ፡ ኣብ ዝኸነ ቦታ ይዛረብ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ህይወተይ ዝደልዮ ነገር ብሙሉኡ ክረክብ ሓጊዙኒ'ዩ።
ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ክትመሃር ከለኻ፡ ግዘ ኣዝዩ ይውሕደካ። ትምህርቲ ፒኤች ዲ እሞ፡ መግቢ እትምገበሉ ሰዓት'ውን'ዩ ዘይህበካ፤ የጨንቐካን ጽዕንዕንታ ይፈጥረልካን።
ግን፡ ዘላትኒ ግዘ ኣጻቢበ ምስ መሓዙተይን ስድራይን እኹል ግዘ የሕልፍ'የ። ግዘኻ ብኣግባቡ ምጥቃም እንተኽኢልካ፡ ዘይተዐውቶ የለን።
ፍቕን ፒኤች ዲን
ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና፡ ጓል ኣንስተይቲ በሊጻ ክትርከብ ከላ ደቂ ተባዕትዮ ሕጉሳት ኣይኮኑን፤ ኩሎም'ኳ እንተዘይኮኑ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግን ኣሎ'ዩ።
ብኹሉ መልክዕ ወዲ ተባዕታይ ጎሊሑ ክርአ ዝደልዩ ኣለው። ከም ናተይ እምነት ግን፡ ደረጃ ትምህርትን ፍቕርን ዝተፈላለዩ'ዮም።
ናተይ ዓወት ዘይፍተዎ እንሃልዩ፡ ነዚ ዝኸውን ቦታ የብለይን። ስድራይ ደገፍተይ'ዮም። ፍቕረኛይን ዝፈትዎ ሰብን ዝብሎ'ውን ከምኡ ዝሕግዘኒ ክኸውን ኣለዎ።
ስለምንታይ ትበልጸኒ ዝብል ክኸውን የብሉን። ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዘለና ዓቕሚ ብኣግባቡ እንፈልጦ ኣይመለስለንን።
እኽእሎ'የ እንተይልና ካብ ዓቐዕማ ንላዕሊ ክኸውን ዝኽእል ነገር የለን። በዚ እንተኣሚንና፡ ብጽባቐ፣ ሓዳርን ገንዘብን ክንግደብ የብልናን። ኣብ ካልእ ናይ ዓወት ቦታ ክንበጽሕ ከም እንኽእል ክንሓስብ ኣለና።