ኣትሌቲክስ፡ ኣይጐይን ብምባላ ወለድኺ ኣምጽኢ ዝተባህለት ለተሰንበት ግደይ

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5000 ሜትር፡ 14፡06፡62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ።

እቲ ክብረ ወሰን ብካልኣይቲ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝጸንሐ እዩ።

ጥሩነሽ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ኣብ 2008 (ኣውሮጳ) 14፡11፡15 ብምእታው እያ ክብረወሰን ሒዛ ጸኒሓ ነይራ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን እታ ኣትሌት ብዝረኸበቶ ዓወት ከምዝተሓጎሰ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

"ብሓያል ስራሕን ፃዕርን ሓዱሽ ክብረወሰን ብምጭባጥ ሓዱሽ ታሪኽ ብምስራሕኺ ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ክገልፀልኪ ይፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝብና ከኣ እንኳዕ ደስ በለኩም፣ ደስ በለና ክብል ይፈቱ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ "ለተሰንበት ኣብ ውድድር 5000 ሜትሮ ሓድሽ ክብረወሰን ክተመዝግቢ ብምኽኣልኪ ተሓቢንና ኣለና። እንቋዕ ሓጎሰኪ። ብተግባር ዝረኣይ ልዕልና ማለት ከምዚ እዩ" ክብል ኣብ ፌስቡክ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ዘረባ ኣይመባልዕታን'ዩ፡ ሓሳባ ንምግላጽ ግን፡ ውሑዳትን ሓጸርትን ሙሉእ ሓሳባት ትጥቀም።

ሰሓቕን ክምስታን ድማ መሰነይታ ነፍሲ ወከፍ ወግታታ'ዮም። ሓፋርን ጽንዕትን'ውን እያ።

እንክጅመር ንስፖርት፤ እሞ ኽኣ ንጉያ ዝኸውን ኣቓልቦ ዘይነበራ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ መራሒት ነፋሪትን [ፓይለት] ሓኪምን ናይ ምዃን ራኢ ከም ዝነበራ ትዛረብ።

ተምሃሪት ቀዳማይ ብርኪ እንከላ፡ ምስ ናይ ስፖርት መምህራና 'ጉየዪ . . . ኣይጎይን'፡ ኣብ ቆይቂ ዝኣተወትሎም ኣጋጣሚታት ውሑዳት ኣይነበሩን።

"ኣድህቦይ ኣብ ትምህርቲ ስለ ዝነበረ፡ ዳርጋ ብግዲ እየ ናብ ጉያ ኣትየ" ትብል።

'እዛ ቆልዓ ግድን ተቐዳዳሚት ክትኸውን ኣለዋ' ኣብ ዝብል ውልቃዊ እምነቱ ዝጸንዐ ናይ ስፖርት መምህራ ዝነበረ ግን፡ ወላዲ ከተምጽእ ካብ ቤት ትምህርቲ ሰጒጉዋ።

"ወለደይ'ውን ከማይ ኣይኸውንን'ዮም ዝብሉ ነይሮም። ድሓር ግን እቲ መምህር፡ ወለደይ ሒዘሉ ምስ ከድኩ፡ ብዛዕባ ስፖርት ንኹላትና ዝኸውን ምህሮ ሂቡ'ዩ ሰዲዱና" [ሰሓቕ] ትብል።

መምህራና ኣብ ኣትሌቲክስ ብዝርኣይዎ ዓቕሚ ለተሰንበት ተደሪኾም ነዚ ንጥፈት ንክትደፍኣሉ ብምግባሮም ግን፡ ሕጂ ኣብ ዓበይቲ ዓለማዊ ውድድራት ስፖርት ሽማ እተጽሕፍ ዘላ ንእስቲ ኣትሌት ክትኸውን በቒዓ'ላ።

"ኣብ 2003 ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ወኪለ ኣብ ናይ ክልል ውድድር ተሳቲፈ። ድሕሪኡ እቲ ስፖርት ሰሓቢ ምኻኑ ርእየ። ንስፖርት ፍቕሪ ክሓድረኒ ምስ ጀመረ ድማ እናፈተኹዎ መጺአ"።

ጓል 21 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብ ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ እያ ተወሊዳ ዓብያ።

ንስፖርት ዝነበራ ዝንባለ ተቐይሩ ናተይ ኢላ ምስ ሓዘቶ፡ ብቐሊሉ ዘይስገር ማሕበረሰባዊ

"ኣብ ገጠር እየ ዓብየ፤ ኣይኮነን'ዶ ክትጎይዪ ክዳንካ ቀይርካ ክትኸድ ባዕሉ ጽዕንቶ ኣለዎ፤ ብስክፍታ'ዩ። ኣነ ግን ድሕሪ እቲ ናይ ክልል ውድድር፡ ናይ ሰብ ነገር ገዲፈ፡ ኣብ ስርሐይ ከተኩር ጀሚረ"።

ከባቢያውን ሃገራውን ውድድራት ኣትሌት ለተሰንበት

  • ብ2005 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ኣብ ኣኽሱም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 2ሽሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ
  • ክልል ወኪላ ኣብ ሻሸመኔ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ2ሽሕን 3ሽሕን ሜትሮ ብምስታፍ፡ ብኽልቲኡ ወርቂ ሜዳሊያ
  • ብ2005 ብውድድር መሰናክል ትግራይ ወኪላ ተወዳዲራ፤ 3ይ ደረጃ ወጺኣ
  • ኣትሌት መሰረት ደፋርን ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን፡ ናተይ ኣርኣያ ኢላ ትረቑሖም
  • ኣብ 2006 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] መስከረም ስሩዕ ስልጠና ኣብ ትራንስ ጀሚራ

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ብውድድር ጉያ በረኻ ወይ መሮር እያ ትፍለጥ።

ዝዓበየትሉ ወረዳ [ሰሓርቲ ሳምረ] ወኪላ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰገናት ውድድር ክልተ ሽሕ ሜትሮ ክትዕወት ከላ፡ ነዚ ሕጂ ከትሃንጾ ዝከኣለት ዓቕሚ ኣትሌቲክስ እተዕብየሉ ኣጋጣሚ ፈጢሩላ።

ትካል ትራንስ ኢትዮጵያ፡ ብ2005 መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናይ ኣትሌቲክስ ዘፈር ክሕዝ እንትዳሎ፡ ንኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ፡ ኣሰልጣኒ ኣትሌቲክስ ትራንስ ኢትዮጵያ ገይሩ ቖጺሩ።

ሽዑ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮን ምቑጻር'ውን መደቡ ነይሩ።

ኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ፡ ነዚ መደብ ረቛሒታት ኣማሊአን ካብ ሞንጎ ዝረኸበን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኮነት።

"ኣሰልጣኒየይ'ዩ ኣብዚ ደረጃ ከብጽሐኒ ዝኽኣለ" ንእትብሎ ኣሰልጣኒኣ ሃይለ እያሱ ድማ ረኺብናዮ።

ለተ ወይ ድማ ቻይና [ኣብ ሃገረ ቻይና ንመጀመርታ ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ውድድር ጉያ በረኻ ስለ ዝስዓረት]፡ እንክብል ዝጽውዓ ኣሰልጣኒ ሃይለ፡ ካብቶም 12 ቖልዑ ኣጉሊሑ ካብ ሞንጎ ዝሓዞም ሓንቲ እያ።

"ናብ ትራንስ ክትጽምበር ፍቓዳ ክረክብ ከዘራርባ ከለኹ፡ ጌና ቜልዓ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ዝንባልኣ ናብ ትምህርቲ እምበር ናብቲ ስፖርት ኣይነበራን። ድሓር ንስድርኣ'የ ኣዘራሪበ" ዝብል ኣሰልጣኒ ሃይለ፡ "ከምቲ ዝፍለጥ ማሕበረሰብና፡ ክንወልድ ክንዝምድ እምበር ከምዚ ዝበለ ነገር ኣይደልን'ዩ፤ ንሶም'ውን ቁሩብ ስክፍታ ነይሩዎም" ኢሉ።

ብቐጥታ ካብቲ ወረዳ ተሓርያ ናብ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትራንስ ዝተጸምበረት ኣትሌት ለተሰንበት፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ልምምድ ስለ ዘይነበራ ስፖርታዊ ዓቕማ ብዙሕ ኣይነበረን።

"ግን፡ ኣዳማጺት፣ ዝበልካያ ሰራሒት፣ ብትልሚ ናይ ምኻድ ልዑል ዓቕሚ ዘለዋ ሰብ ስለ ዝኾነት፡ ቐልጢፋ ካባይ ንላዕሊ ከይዳ። ብናተይ ስልጠናን ትልምን ስለ እትኸይድ፡ ኣነ የቸኩላ እምበር ራኢኣ ነዊሕ'ዩ። ኣነ ኩሉ ብእግርኺ'የ ዝብላ" ክብል ኣሰልጣኒኣ ይገልጻ።

ዓወታት ኣትሌት ለተሰንበት

  • ብ2015 ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ ብመናእሰይ ብሽዱሽተ ኪሎ ሜትሮ ተወዳዲራ ወርቂ ኣምጺኣ። ኣብ 17 ዓመታ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዋቲት እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣትሌት ኮይና
  • 2016፡ ኣብ ሄንግሎ ብ5ሽሕ ሜትሮ ተቐዳዲማ ብ14፡58፡44 ውድድራ ብምዝዛም ተዓዊታ
  • 2017፡ ኣብ ካምፓላ ብትሕቲ 20 ውድድር ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ጉያ መሮር ተዓዊታ ወርቂ ኣምጺኣ
  • 2018፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ5ሽሕ ሜትሮ ብምስታፍ ብ14፡30፡29 ብምእታው ተዓዊታ
  • 2019፡ ብውድድር ጉያ መሮር ብኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፋ። ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮን ሺፕ ኣትሌቲክስ ድማ፡ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ካልአይቲ ወጺኣ
  • ኣብዚ ዓመት ብ5ሽሕ ሜትር፡ ብዳያመንድ ሊግ ለተሰንበት ግደይ ካልአይቲ እያ፡ ሲፈን ሀሰን ትቕድማ
  • ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር ኣባጽሕ ሳልሳይ ሜዳሊስት'ያ
  • ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ 15 ኪሎ ሜትሮ፡ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
  • እቲ ቅድድም ንኽትዛዝም 44 ደቂቕን 21 ካልኢትን ዝወሰደላ ኮይኑ፡ እቲ ክብረወሰን ብኬንያዊት ተቐዳዳሚት ጆይሲሊን ጄፕኮስጌይ እዩ ተታሒዙ ጸኒሑ

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ቅድድም 10 ሽሕ ሜትሮ ዝተሳተፈት፡ ለተሰንበት ግደይ ንኢትዮጵያ ብሩር ከም ዘምጽአት ይዝከር።

ኣብዚ ውድድር ንምስታፍ፡ ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ መጻረዪ መን ንኢትዮጵያ ወከለ ብሉጽ ሰዓት ጎያ እያ። ኣብ ኳታር ተሰሊፋ ግን፡ ብሲፋን ሃሳን ተቐዲማ ሜዳሊያ ብሩር'ያ ምምጻእ ክኢላ።

ብ5ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት'ውን ክትወዳደር ምድላዋት ዝነበራ ኣትሌት ለተሰንበት፡ ኣብዚ ውድድር "ወርቂ እተምጽአሉ ዕድል'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ሃገራዊ ፌደሬሽን ግን ከሰልፋ ኣይከኣለን" ዝብል ኣሰልጣኒኣ ሃይለ እያሱ፡ "ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና መንፈስ ምቅድዳው የለን። ኣብ ክልቲኡ ተሰሊፋ'ኳ እንተነበረት ተመሊሳ እያ ወጺኣ" ኢሉ።

ኬኒያዊት ሄለን ኡብሪ ነዚ ውድድር ክትዕወተሉ ከላ፡ ለተሰንበት እዚ ውድድር ክትዕወተሉ ምኽኣለት ነይራ ኢሉ ዝኣምን ሃይለ፡ "ብዘይምስታፋ ግን ካብቲ ዓለማዊ ኮሚቴ ውድድርን ዝፈረመትሉ ኩባኒያን 120 ሽሕ ዶላር ስኢና" እዩ ዝብል።

በዚ ምኽንያት፡ ናብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ጥርዓን ከም ዘቕረቡ'ዩ ዝገልጽ።

"ኣብ ህዝቢ ጽቡቕ ፍቕሪ'ኳ እንተለዋ፡ ኣብ ገለ ኣሰልጠንትን ፌደሬሽንን ግን ቅሩብ ጸገማት ኣሎ። እታ ናይ ሃገርና ኩነታት ከምኡ ኢሉ ዝቕጽል እንተኾይኑ ግን ከም ኣሰልጣኒ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ክትቕይር ይሓስብ እየ" እዩ ዝብል።

ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮንሺፕ ጉያ መሮር፡ ሳልሳይ እያ ወጺኣ።

"ቀዳማይ ንምውጻእ ፈቲነ፡ ቁሩብ ኣብ ጽቡቕ ስምዒት ስለ ዘይነበርኩን እቲ ቦታ ዝነበሮ ትሕዝቶ ስለ ዘጸገመለይን ግን፡ ኣብዚ ሳልሳይ ወጺአ"።

እንተኾነ ሕጂ'ውን፡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ሓንቲ ነገር ትዛረብ።

"ዓለም ሻምፒዮና ኦሎምፒክ ቐዳመይቲ ብምውጻእ፡ ብተደጋጋሚ ብምዕዋት ሪከርዳት ከመሓይሽ፣ ሃገረይ ከጸውዕ'የ ዝደሊ። ኣብ ሞንጎ ዘጓንፉ ማሕለኻታት እኳ እንተሃለው። ንቐጻሊ፡ ጽቡቕ ነገራት ክሰርሕ፡ ንማሕበረሰብ ዝሕግዙ ምግባራት ሰናይ ክህልወኒ'ዩ ኢለ ይኣምን' እያ ትብል።